Dehai News

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 24-25 ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 25 May 2017

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 24-25 ክፋላት

ግምቦት 25, 2017 ዓም ፈረንጂ

https://encrypted-tbn0.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcSMTf5WrTs2-aAnHQOk_wcfcqV5ltfj5K2UZfkW4hlx6j48ipVe

ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ

፠፠፠፠፠፠፠

http://www.sbs.com.au/yourlanguage/sites/sbs.com.au.yourlanguage/files/podcasts//6538_tadesse-salvano.jpghttps://scontent-fra3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/fr/cp0/e15/q65/13335766_1052725741501871_4370204538070871219_n.jpg?oh=cb06988f8894d754230a6219219bff0b&oe=5974F70A

****ስእሊታት ደራሲ` መጽሓፍ ወትሃደር *ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን [ላዕለዋይ ስእሊ] ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን [ታሕተዋይ ስእሊ] ………………….

  • *** ሓጺር መብርሂ፡ ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ኣይ ምጽዋ‘‘ ብትግርኛ ድማ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ኲናት፣ ኣየ ምጽዋዕ‘‘ ዝተባህለት መጽሓፍ ደራሲኣ ሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ይበሃል። እዚ ናይ ቀደም ኣባል ደርጋዊ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ነበር፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [...] ‘‘ስርሒት ፈንቕል‘‘ ዝብል ስም ኣንጻር ባዕዳውን መግዛእታውን ወራሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ፣ ክጅመር ኣትሒዙ ስጋብ ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ዝዛዘም፣ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ንሱ ደሚርካ ኣሽሓት ምሩኻትን ቁሱላትን ዝኾኑሉ ዝነበረ ኩነታት ብናቱ ትዕዝብቲ ኣብዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ሰኒዱዎ ኣሎ። እዛ ጽዋ [ዛንታ] መጽሓፍ እዚ ኣብ ክሊ ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ውትሃደራቶምን ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህውን ሕንፍሽፍሽን ብፍላይ ከምኡውን ብወገን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ኣብ ብጽኑዕ ተሃዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ዕርድታት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ድማ ብሓፈሻ፣ ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [ታሕተዋይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት] እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኔሩ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።

ሓያሎይ ክፋላት ናይ` ትረኻ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቑሮ ቀንየ እየ። ኣብ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና እነኽብረሉ ዘሎና ሃዋህው እምበኣር፣ ንመዘኻኸሪ ካብ` ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ክሰደሉም እየ።ሰናይ ንባብ!!!

መትሓሳሳቢ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ገጽ-መጽሓፍ ዘሎ ክፋላት ብዝሑ ዛጊት  39 ይኹን እምበር፣ እቲ ጽሑፋት ኣብ ውሽጢ`ዚ 25 ክፋላት ጨቢጠ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣብ`ዚ ድማ ይድምድም ኣሎኹ። እንድሕሪ ስነ-ጥበባዊ ግዴዎን እቲ ዝተረፈ ክፋላት ትርጉም ቀጺልዎ፣ ኣነ` ውን ክሰዶ ክጅምር እየ። እዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!!!

ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ ሓጺር መብርሂ]

ተወሳኺ-ኣብ` ክፋል እዚ` ቁሩብ ናይ ፊደላትን ቃላትን ነጥብታትን መኣረምታ ጌረ ኣሎኹ።

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

 

https://scontent.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/18620067_1587046934660922_9073272906627716328_n.jpg?oh=d3e15a919a48fcc0fcd556f813f1ba19&oe=599D4F2F

Ø  ኰረኔል በላይ ኣስጨናቂ ድሕሪ እቲ መብርሂ ናይቶም ወትሃደራት ብጽሞና ምስማዕ.....

"ኣበይ ኣሎ እቲ ደብዳቤ ናብ ጀነራል ተሾመ ዝተላእከ!" በሉ።

ወትሃደር ወልጅራ ካብ ጅባኡ ሰታሪት ኣዉጽኡ...."ግን እዛ ደብዳቤ ኣብ ኢዶም ንጀነራል ተሾመ ክንህቦም ኢና ተኣዚዝና" በለ። ኰረኔል በላይ ኣስጨናቂ ዘረባ እቲ ወትሃደር ኣቆጥዖም።

"እንታይ ኣዲኡ ገዲስዎ ሓደ ሽፍታ ጀነራል'! እገለ' የንብቦ ኢሉ ዝእዝዝ" ኢሎም ብሕርቃን መለሱ።

ኣስዒቦም ድማ " እስኻ! ወትሃደር ናይ ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ ዲኻ! ወይስ ወትሃደር ናይ ሻዕብያ! ከምዚ' ከምቲ' ኢየ ተኣዚዘ ኢልካ ኣምባጋሮ ትፈጥር" ኢሎም እታ ሰታሪት ካብ ኢድ እቲ ወትሃደር መንጢሎም ወሰድዋ።

እታ ዝተዓሸገት ሰታሪት  ኣብ ዝባና ብቋንቋ ኣምሓርኛ "ትድረስ ናብ ጄነራል ተሾመ ተሰማ" ዝብል ዝተጻሕፋን ማሕተም .... ዘለዋን ነበረት።

ኮሮነል በላይ ኣስጨናቂ እታ ሰታሪት ሒዞም ካብ ሆቴል ቀይሕ-ባሕሪ ናብ ቤተ-መንግስቲ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ በታ ክፍቲ ጂፕ መኪንኦም ጌሮም መረሹ።

ሽዑ እዋን ብተዛማዲ ምስቲ ዝሓለፈ ሰዓታት ክርኤ ከሎ፣ ደብዳብ ከቢድ-ብረት ሻዕብያ ቁሩብ ህድእ ኢሉ ስለ ዝነበረ፣ ጀነራል ተሾመ ተሰማ ኣብ ባይታ ፍርናሽ ኣንጺፎም ደቂሶም ነበሩ።

ኰረኔል በላይ ኣስጨናቂ ስጋብ ጀነራል ተሾመ ካብ ድቃስ ዝበራበሩ ምስ ሻለቃ ሮሪሳ ዳዲ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ክዝትዩ ጸኒሖም፡ ጀነራል ተሾመ ተሰማ ካብ ድቃስ ምስ ተበራበሩ ከኣ እታ ሰታሪት ሃብዎም።

ጀነራል ተሾመ ኣድራሻ ናይ ለኣኺ ክፈልጡ ተሃንጥዮም ነታ ሰታሪት ምስ ገማጠልዋ ወዝቢ ማሕተም ናይ .... ስለ ዝረኣዩ፡ ልክዕ ከም ሓደ ኤለክትሪክ ዝሓዞ ሰብ ኣእዳዎም ኣንፈጥፊጡ ነታ ሰታሪት ናብ ባይታ ደርበይዋ።

"በላይ ንምንታይ ከምኡ ትገብር ! ተጸሊልካ ዲኻ?! ንምንታይ ደብዳቤ ሻዕብያ ተቀብለኒ!" ኢሎም ክጥሕርዎም ደለዩ።

ኰረኔል በላይ ብስንባደ "ጎይታይ ኣብ ዓሚቕ ድቃስ ስለ ዝነበርኩም ኣይረኣኽዎምን ትኮኑ'ምበር፡ ክልተ ናይ ወገን ሙሩዃት ወትሃደራት ጻዕዳ ባንዴራ እንዳንበልበሉ ሒዞሞ ዝመጽኡ ደብዳቤ እኮ ኢዩ " በሉ።

ቀጺሎም " ጎይታይ እዚኣ ሰታሪት ብሓደራ ኣብ ኢድኩም ክትበጽሕ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሻዕብያ ዝተላእከት ኢያ። ስለዚ ብክብረትኩም ካብ ኣብ ባይታ ምድርባይ ኣንቢብኩም ትሕዝቶ መልእኽታ ምፍላጥ ይበልጽ" ኢሎም ነታ ሰታሪት ካብ ባይታ ኣልዒሎም እንደገና ሃብዎም።

ጀነራል ተሾመ ተሰማ እታ ሰታሪት ከፊቶም ብጽሞና ምስ ኣንበብዋ ርእሶም ንየማነ ጸጋም ነቕነቑ። ድሕሪኡ ንኩሎም ስታፍ መኮንናት ናይቲ ክፍለ ጦር-ሰራዊት ንኣኬባ ጸዉዑ፡፡

እቶም መኮንናት ብዘገርም ቅልጣፌ ብኡ-ንብኡ ተጠርነፉ። ኣኼባ ብሓጺር መእተዊ ጀነራል ተሾመ ተጀመረ።......................

  • ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

ኣብ ዝሓለፈ ዝተሓትሙ ቀዳሞት ክፋላት

‚ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 1 ስጋብ 4ይ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/156814

''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ!  5 ስጋብ 8 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/157095

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 9 ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai/157629

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 14 ስጋብ መበል 18 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai-news/158182

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 19 ስጋብ መበል 23 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai/158823
 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events