Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: Today in ERITREA history-*ሰነድ ታሪኽ ወርሒ ግምቦት ዕለት 28, 1991

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 28 May 2017

Today in ERITREA history-*ሰነድ ታሪኽ ወርሒ ግምቦት ዕለት 28, 1991
 
 

On 28 May 1991, EPLF tanks/fighters and Commando brigades had burst into Addis Ababa & its presidential palace liberating The city, While the Ethiopians failed to capture Nakfa. The EPLF drove its tanks from Eritrea to park them on the seat of the Ethiopian gov crushing it.


ልክዕ ከም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ግምቦት ዕለት 28, 1991 ብናይ ሕጂ ኮለኔል ስምኦን ዝምርሓ ኮማንዶን፡ ከቢድ ብረትን፡ጸረ ኣየርን ዝሓቆፋ ብርጌዳት ተዋጋእቲ ሓይሊ ብካልኣይ ብርጌድ ታንከኛ ተመሪሓን ብኣርባዕተ ጨንፈራት ንሰራዊት ወያነ ብምምራሕ ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ቁጽጽር የእቴንኣ።

 

እታ ብወዲ ገብሩ ትምራሕ ብርጌድ ታንከኛን ኮማንዶን ከኣ ነቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ መንግስቱ ዓሪዱ ዝነበረ ፍሉይብርጌድ ብምድምሳስ፣ ነቲ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ሴረን ብምታው ነቲ ኲናት መዕለቢ ጌረናሉ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስ ታንከኛታቱ ስጋብ ሪፈረንደም ዝካየድ ኣብ ቤተ መንግስትን ሰለስተ ቦታታት ኣዲስ ኣበባን፡ ባህርዳርን ኣምቦን ኣብ ሽረ እንዳስላሴን ድሕሪ ምጽናሕ ብ1993 ነጻነት ነኽብረሉ ዝነበርና ናብ ኤርትራ ብሉዕል ናይ ህዝቢ ምቅባል ተጌርሎም ናብ ኤርትራ ምምላሶም ይዝከር። ህዝባዊ ግንባር ስጋብ ረፈርደም ምክያዱ ሰራዊቱ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ምጽንሑ ባዕሉ ዓቢ መልእኽቲ ኔርዎ።

 

***መተሓሳሰቢ፡ ኣብ`ቲ ውዕሎ ዝተሳተፍኩምን ዝነበርኩምን  ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ተመኩሮኹምን ሓቀኛ ታሪኽን  ንህዝቢ ከተካፍሉ ትዕደሙ።

 

***ብርሃነ

 
 
 
Eritv

Latest Video


Eritrean Martyr's Day (Boston)


Hdri Media Books

Hdrimedia beforeshe
Hdrimedia erihistory
Hdrimedia fennkil
Hdrimedia mekeyro
Hdrimedia mieras
Hdrimedia tedegol
Hdrimedia theroadstoasmara
Hdrimedia dejen
Hdrimedia gedlidekenstyo
Hdrimedia fromnakfa