Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ከልቢ ክነብሕ እቲ ሻዕብያዊ/ህግደፋዊ ግመል ክምርሽ ብግብሪ ተዓዚብ።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 29 May 2017

 
 
 
 
ከልቢ ክነብሕ እቲ ሻዕብያዊ/ህግደፋዊ ግመል ክምርሽ ብግብሪ ተዓዚበ። 

መርሓባ ደቂ ኤረ
ከልቢ ክነብሕ እቲ ሻዕብያዊ/ህግደፋዊ ግመል ክምርሽ ብግብሪ ተዓዚበ። 
ትማሊ ኣብቲ ልምዓታዊ መደባት ዝሰላሰለሉ ዘሎ ዲጋ ሎጎን (ዓዲ ሃሎ) ዲጋ ምስላምን (ገርገራ) በጺሐ። እቲ ዝስራሕ ዘሎ ኣብ ሓንቲ post ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ፡ ብኸፊል በብመዓልቱ ከካፍለኩም ክፍትን እየ። 


ካብ ዲጋ ሎጎ ክሳብ ዲጋ ምስላም ዘሎ ጎላጉል ብምሉኡ ልምዓታዊ መደባት ብዘደንቕ ምውኃድ ይካየድ ኣሎ። ዓበይቲ ማሽነሪታት ዘይትርእየሉ ቦታ የለን። መንእሰያት ብሓያል ወኒ ነቲ ስራሕ ክዓምዎ ከለዉ ክትርኢ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብን፡ ኤርትራ ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ዓይነት ዝላ ከም እትገብር ዘርኢ እዩ። 


ናይ ሎሚ ከካፍለኩም ዝመደብኩ ብዛዕባ ሕርሻዊ ንጥፈታት ኣብቲ ቦታ እዩ። እቲ ኣብ 2015 መወዳእታ ዝጀመረ ናይ ቡን፡ ዘይትሁን፡ ማንጉስ፡ ኣራንቺ፡ ለሚን፡ ቱፋሕ ናይ ምፍራይ ፈተነ ድሮ ፈርዩ ኣዝዩ ጽቡቕ ፍረ ስለ ዘርእየ ኣብዚ እዋን እዚ ነፍሲወከፍ ገዛ ዓዓስርተ ፈልሲ ተዋሂብዋ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ፈልሲ ተተኺሉ ኣብ ጽቡቕ ኩነትታት ይርክበ ኣሎ። ብዘይ እዚ ኣብ ዓመት 3 ግዜ ዘራእቲ ናይ ምፍራይ ፈተነ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ውጽኢት ስለ ዘርእየ ድሮ ናይ መስኖኣዊ ሕርሻ ኣብ ኩሉ እቲ ጎላጉል ንምትእትታው ዘድሊ ትሕተ ቕርጺ ይስራሕ ኣሎ።

Image may contain: sky and outdoor
Image may contain: plant, outdoor and nature
Image may contain: plant, sky, grass, tree, outdoor and nature
Image may contain: sky and outdoor
 
 
 
 
 
 


Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com

Eritv

Latest Video


SHE'S THE ONE - ASMARA - ERITREA