Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ሰላም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን - ከመይ ጌርካ ይመለስ? (1ይ ክፋል)

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 05 June 2017

ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን - ከመይ ጌርካ ይመለስ? (1ይን  2ይን ክፋላት)

ሰነ 05, 2017 ዓም ፈረንጂ
 
ሓበሬታ፡ እዛ 2ይቲ ክፋል ከምታ ቀዳመይቲ ክፋል ካብቲ ዜናዊ መደብ ቀንጪቦም ንበይና ኣብ`ቲ መርበብ ሓበሬታኦም ስለ ዘየስፈርዋ፣ ምድንጋር ወይ ናይ ምድንጓይ ምኽንያት ፈጢራትለይ እያ። ነታ ንእሽቶይ ጽልቓ እትመስል ከባብ መልጎም ዝቕርጻ፣ ከም ጎብየ ቀስ እናበለት ትሳለ ጽቕጥ ኣቢልኩም ኣብ መበል 13 ደቓይቕን 13 ካሊእትን ንቕድም ስሒብኩም ክትሰምዕዎ ይላበወኩም። ስጋብ ሕጂ ወይ ድማ ኣብ`ቲ እዋኑ ዘየመሓላለፍኩዎ ምኽንያት`ውን ኣብዚ ላዕሊ ዘሎ ምኽንያት ስለ ዘሽክዓኒ እዩ። ብምድንጓዩ ኣይትሓዙለይ፣ ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

ስምዕዎ፡ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምይ ኢሉ ይምጻእ? 1ይ ክፋል

ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምይ ኢሉ ይምጻእ? 2ይ ክፋል
Ethiopia - Eritrea
Ethiopia - Eritrea

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሓሉ ኣለኹ ዝብሎ ሓድሽ ፖሊሲ ንኣየኖት ኣገዳሲ ቁም ነገራት’ውን እንተካተተ ተመራጺ’ዩ ኢልኩም ትሓስቡ? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ዳደ ደስታ ክምልስ ከሎ ‘ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተኸፊቱ ነጻ ምንቅስቃስ ህዝቢታት ክሳለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ተነጽሎ ዘውግድ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ስጉምቲታት ክውሰድ’ ይግባእ ይብል።

ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ብወገኑ ‘ውግእ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ምክያዱ፣ እቲ ምስሕሓብ ናብ ቤት ፍርድ ከምዘቅነዐን ብይን ተዋሂቡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ትግባረ’ቲ ብይን ዝርርብ ንግበር ኢላ ኣይትግብሮን ከምዝበለትን ኣዘኻኺሮም’። ‘መንቀሊ ኩለን ጸገማት እዚኣ’ያ’ ስለዚ ‘እዚ ጸገም’ዚ እንተተኣልዩ፣ ናይ ሰላም ዝርርባት ዘይቅጽለሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይራኣየንን’ዩ ኢሎም።

ኣብ ግንቦት 03ን 10ን, 2017 ዝተፈነወ አዩ።

 


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events