Date: Monday, 05 June 2017
ስምዕዎ፡ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምይ ኢሉ ይምጻእ? 1ይ ክፋል
መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሓሉ ኣለኹ ዝብሎ ሓድሽ ፖሊሲ ንኣየኖት ኣገዳሲ ቁም ነገራት’ውን እንተካተተ ተመራጺ’ዩ ኢልኩም ትሓስቡ? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ዳደ ደስታ ክምልስ ከሎ ‘ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተኸፊቱ ነጻ ምንቅስቃስ ህዝቢታት ክሳለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ተነጽሎ ዘውግድ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ስጉምቲታት ክውሰድ’ ይግባእ ይብል።
ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ብወገኑ ‘ውግእ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ምክያዱ፣ እቲ ምስሕሓብ ናብ ቤት ፍርድ ከምዘቅነዐን ብይን ተዋሂቡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ትግባረ’ቲ ብይን ዝርርብ ንግበር ኢላ ኣይትግብሮን ከምዝበለትን ኣዘኻኺሮም’። ‘መንቀሊ ኩለን ጸገማት እዚኣ’ያ’ ስለዚ ‘እዚ ጸገም’ዚ እንተተኣልዩ፣ ናይ ሰላም ዝርርባት ዘይቅጽለሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይራኣየንን’ዩ ኢሎም።
ኣብ ግንቦት 03ን 10ን, 2017 ዝተፈነወ አዩ።