Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ጻውዒት ጀነራል ጻድቃን' ንዘይዕቱብነት ኣብ ምውሓስ ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 08 June 2017

ጻውዒት ጀነራል ጻድቃን' ንዘይዕቱብነት ኣብ ምውሓስ ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ!
============================
ኣንቢብኩም Share ግበርዎ

ወርሒ ሰነ ዕለት 8, 2017 ዓም ፈረንጂ
.........................................

ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ ምስ አዲስ ዘመን ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሖት. ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝዉሕስ ስርዓት ሻዕብያ ካብ ሱሩ ምስዝብሕጎግ ከምዝኮነ ድሕሪ ምብራህ: ምትእትታዉ ግዳማዉያን ሓይልታት'ን ዝምስርትኦ ክልትኣዊ ሽርክነት: ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ንኢትዮጵያ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዝፈጠር ገሊጹ።

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ከይሰልከና ዝመደርናሉ ጉዳይ እዚ ክኽውን ኣእዛኑ ከፊቱ፣ ቀልቡ ሂቡ ዝሰምዕ መሪሕነት ህወሓት ግን: ክሳብ ሎሚ ክንረክብ ኣይከኣልናን። መራሕቲ ህወሓት ክነጽረሎም ዝግባእ ሓቒ: ብኹሉ ሸነኻት ብዘይ ዘራያት ምኽባቦምን፣ ነዚ ተርእዮ ዝብድህ ወይ ዘበርዕን ዉጥን ብዘይምሕንጻጾም ንህዝብና ክወጾ ኣብዘይክእል መጻብቦ እንዳሸመሙዎ ይኸዱ ምህላዎም እዩ።

ጀነራል ጻድቃን ኣብ መብርሂኡ ብዕቱብነት ካብ'ዘይምርኣይ ከይገለጾ ዝሓለፈ ወሳኒ ጉዳይ: ኣባ'ሓጎታትና ብደሞ'ም ዓቂቦም ን'ዘመናት ዘጽንሑልና'ን: ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ግን ብሰንኪ ተንበርካኺ ስርዓት ተመንዚዑ፣ መዕንደሪ ሃገራት ኣዕራብ ኮይኑ ዝርከብ ሉዓላዊ ኣፍ-ደገ ባሕርና እዩ። ኣብ 1991 ዓ.ም. ዓለም-ለኸ ዉዕላት ብምጥሓስ ን'ወደብ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ዘተኣታተወ ዓማጺ ሓይሊ: ን'ኣህጉራዊ ድንጋገታ'ት ረጊጹ: ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ብኽሳዱ ክታሓዝ ብ'ምፍራድ፣ ን'ኣደዳ ጥፍኣትን ብርሰት'ን ኣቃሊዕዎ ይርከብ።

ኣብዚ ክንጽር ዝግብኦ ሓቒ: ወደብ ዓሰብ ኣብ'ትሕቲ ኢትዮጵያ እንከሎ ኣብ ዉሽጡ ሓቁፉ ዘስረሖም ዝነበረ ቁጽሪ ኢትዮጵያውያ'ን ሰራሕተኛታት: ምስ ቅድሚ 4 ዓመታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ቁጽሪ ኢትዮጵያዉያን ስደተኛታት ዝጸጋጋዕ እዩ። ኢትዮጵያ ሕጋዊ ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ እንተረጋጊጻ: ኣብ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብ ሳህራ ወ.ዘ.ተ.. ዝበርስ ዘሎ ዉዕይ ጉልበት ዝዓቆረ መንእሰይ ወለዶ: ኣብ ዓዱ ብ'ራሃጹ ኣፍርዩ ክነብር'ን፣ ፍርያቱ ን'ናይ ደገ ዕዳጋ ብ'መልክዕ ሰደድ ብ'ምቅራብ፣ ዓለም-ለኸ ተወዳድርነቱ ዘዕብየሉ'ን ቁጠባዊ ዓቅሙ ዘሰስነሉ ሃዋህዉ ክፍጠር እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ክርአ ብ'ዝጸንሐ ዘይዕቱብነት ህዝብና ኣብ'ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ክፈልስ ተገዲዱ ግዳይ በለጽ'ን፣ ዓመጽ'ን ዘይሕጋዉያን ደላሎ'ን ኣሰጋገርት'ን ኮይኑ ይርከብ። ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ህዝብና ኣስተብሂልና ነዚ ህልዉ ኩነታት ንምእላይ'ን፣ ታሪካዊ ክብርታትና ን'ምምላስ ኹለንተናዊ ዓቅምታት'ና ናብ'ዚ ክቡር ዕማም ክነቅንዕ ይግባእ። ጎኑ'ጎኑ ድማ ሕጋው'ን ዲፕሎማስያው'ን ጻዕርታት'ና ን'ካልኢታት ከየወንዘፍና ብ'ትግሃት ክንዓዪ ይግባእ።

ናይ ሻዕብያ መርሒነት፣ ብ'ፍላይ ድማ ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ነቲ ስርዓት ዝ'ዝውሩ ዉልቀ-ሰባት ቀጻሊ ካብ'ዘርዕዶም ጉዳይ: ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ'ን፣ ምውሓስ ወደብ ዓሰብ ሓደ እዩ። ኣብ ሰነ 1991 ዓም ኣብ አዲስ አበባ ኣብ'ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ "ኢትዮጵያ ን'ወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ሙሉእ መሰል ኣለዋ" ዝብል መደረ ኢሳይያስ መርኣያ ናይ'ዚ ሕዱር ራዕድ'ን፣ ስግኣትን እዩ።

ኢሳይያስ ኣብቲ እዋን ከምኡ ክብል ዝደረኾ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስርዓት ደርግ ምእላዩ ከም ኣወንታዊ ምዕባለ እኳ እንተወሰዶ: ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ምትራፋ ከምዘቆጠዖ'ን፣ከምዘነደሮ'ን ስለዝፈልጥ። ቀንዲ ሕመረት ናይ'ቲ መደረ ድማ: ከምዚ ዝበለ ውሕሉል መደናገሪታት ብ'ምጥቃም: ካብ ብዕስራ ዕጽፊ ቁጽሪ ህዝብ'ን፣ ባህራያዊ ጸጋታት'ን ካብ'ትዉንን ሃገር ዝመጸካ ስግኣታት ምእላይ ዝብል ኔሩ።

ትሕት ኢልኩም ትዕዘቡ'ዎ ኣብ ጋዜጣ ዝተሓትመ ጽሑፍ: ኣብቲ እዋን ኩናት ሰበ-ስልጣን ሻዕብያ ብ'ሽም ብርዒ "ወዳጀ መምህር" ብዝብል ኣርእስቲ ዝጻሓፉ'ዎ ክኸውን ከሎ: መልእኽቱ ድማ "ቬትናም ን'ቻይና ስዒራታ እያ እሞ ንሕና እዉን ብ'ናይ ኢትዮጵያ ታህዲዳ'ት ኣይንጨነቕ" ዝብል ናብ ደገፍቶ'ም ዘቕንዐ መደዓዓሲ ኔሩ። እቲ እንኮ ፍታሕ: ኣብ ፍርሕ'ን ቀባሕባሕ'ን ተሸሚም'ካ: ዝተመላክዑ መጸናንዒ መደረታት ምስናዕ ዘይኮነ: ዓለም-ለኸ ዉዕላት ኣኽቢርካ ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብ'ወግዒ ምቅባል: ድሕሪ'ኡ ክልትኣዊ ርክባት ናብ ንቡር ምምላስ እዩ።


============================

.... ..#ኣይተ_ጻድቃን...!
ልብኹም ነዲዱ ብሕርቃን
ዝባንኩም ቆርፊዱ ብዕርቃን
ተንኮል ተጎልቢብኩም ስራሕ ሸይጣን
ዛዕጎል ካብትድርብዩ እንዳ ሸተትኩም ዕጣን
ሓንቲ ዘየፍረኹም እንከሎኹም ኣብ ሰልጣን
ሕጂ ለለ ትብሉ ከም ሓሜንን ዋጣን
ሰሪሕኩም ግዳ ዘይ ትነብሩ ኣብ ሽረን ሰቖጣን!

ዓይንኹም ፈጢጡ ዘይናቱ ኪርኢ
ልብኹም ብሂጉ እንዳማቱ ቆውዒ
ኣመል'ዶ ኮይኑኩም ትሕሰዳ ቅንኢ
ሕማቕ ውርሻ'ዩ ካብ ዓሌት ናብ ዘርኢ!

ህዝብኹም እንዳ ተገርፈ ብሓለንጊ ጥሜት
ኣካሉ ቆርፊዱ ብዕርቃን ድኽነት
ብልመና እንዳ፡ነበርኩም ብትኳቦ ረዲኤት
ኲናት ክትእዉጁስ ኣይስመዓኩምን'ዶ ሕፍረት!

ባዕልኹም ወሪርኩም ትብሉና ወረርቲ
እንተተከላኸልና ትብሉና ሓንከርቲ
ሰላም እንተገበርና ምስ ጎረባብቲ
ሓይሎም ትብሉና ንሰላም ኣስጋእቲ!

ከመይ ክንኮነልኩም እስኪ ንገሩና
ስቕ'ዶ ክንብል ኣብቲሕቴኹም ተምበርኪኽና
ወይሲ ብትኳቦ ክንነብር ከማኹም ተኾርሚና
ኖኖ እዚ'ሲ ኣይንውዕሎን ዘይ ናየቦታትና
ነዓናን ነዓኹምን እኮ እዚ እዩ ዝፈልየና
ንስኹም ብትኳቦ ንሕና ከኣ ብጽፍርና!

ኣየ ንስኻትኩም ከይትሰርሑ'ዶ ከይትዓዩ
ከይትጽዕሩ'ዶ ንህዝብኹም ካብ ድኽነት ከይትኣልዩ
ክፋእኩም ክትሽፍኑ ደኣ ናብ ኲናት ጉየዩ
ኲናት ደኣ ሞትን ዕንወትን እምበር መፍትሒ ድዩ
ደሓር ከኣ ትበኽዩ ናብ ዓለም ተእውዩ!

እምበር ንሕና ደኣ ሰብ ራኢ ኢና ሰብ ጽኑዕ እምነት
ደቂ ፍቕሪ ኢና ሰብ ጽኑዕ ሓድነት
ብጻዕርና ንዕወት ንስዕሮ ንድኽነት
ዓለም ዝመስከረልና ናይ ኣፍሪቃ ኣብነት!

መራሒና ነቢ
ህዝብና ዉን ንህቢ
ካብ ሰብ ዘይንጽበ ብረሃጽና ንዓቢ
ኣብ ባሕርና ንሕንብስ ኣብ ሰማይና ንዝንቢ
ብሓድነት ንፍለጥ ቤተ ሰላም ግንቢ!!!

ሳሙኤል ገብርሂወት https://m.facebook.com/EritreanHome

Bild könnte enthalten: 1 Person, Hut und Nahaufnahme
Kein automatischer Alternativtext verfügbar.https://scontent-fra3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/18893298_1606250836073865_661413397326523866_n.jpg?oh=84cab53849ae40829bf6e6eeffcb1abd&oe=599D545D
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events