Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ .......መንዮም ሸፋቱ ????

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 10 June 2017

Bild könnte enthalten: 1 Person
ወርሒ ሰነ ዕለት 10, 2017 ዕም ፈረንጂ

ንገረኒ በቲ ንስኻ ታኣምነሉ
ሓንቲ ከይገደፍካ ዘርዚርካ ንኹሉ
ማስረጂ ኣቕርበለይ ዝተጨበጠ ሓቂ
ኔርካ እንተኾንካ ምስ መዳፍዕ በርቂ!

ዊዒልካ እንተኾንካ ኣብቲ ኲናት ምስ ኡ
ነቕ ከይበለ ኪጭራገድ ኣብ መትከል ጸኒዑ
ምስ ቡምባ ሓጻዉን ጸልማት ብዝርያኡ
ኣዕጽምቱ ኪቆራረጽ ኪበታተኽ ስግኡ!

ንገረኒ ሕጂ ጭብጥኻ ኣቕርበለይ
ሽፍታ ዝበልካዮ ነቲ ዕሸል ለይለይ
ሽፍታ ዝበልካያ ነታ ዋዕሮ ለይለይ
በጃ ዝሓለፉ ንመሰልካ ንመሰለይ!

ንምንባር ሓዲጎም ከምዛ ዘይፍጡራት
ሞባእ ዝተኽፍሉ በላሕቲ ምሁራት
ምእንታና ዝሓለፉ ሓረስቶት ሰብ ግራት
ብጅምላ ዝተረግጹ ብናይ ታንኪ ሰንሰለት!

ኪንደይ'ከ ትደፍር እምበርዶ ሰብ ኢኻ
ካብ ሽደን ሽደናይ'ሲ ማስቲካ ሓሪኻ
ነዛ ትድርብያ ሽኮራ ወዲእኻ
ደረት'ዶ ደፊኦም ግራት እንዳቦኻ
ወይሲ ጎጆኻ ኣፍሪሶም ዑናኻ
ኣቦኻ'ዶ በሉ ወይ ኣዴኻ
ሽፋቱ ትብሎም፡ ኣፍካ መሊእኻ
በል ቀሲንካ ኣይትንበር ኣብዝሃለኻ ሃሊኻ!

ሽፋቱ ካብ በልካዮም ነዞም ብርሃን ዓዲ
ሃገርካ'ዶ ከይትምለስ ዓዲ
ቀሲንካ'ዶ ከይትረግጾ መንገዲ
ዓሊዩ ካ'ዶ ከይትድቅሶ ንእዲ
ሓቢርካ'ዶ ከይትበልዕ መኣዲ
ፎእ ኢሉካ ፈንፊኑካ ዓዲ
ርሑቕ ኣይኮነን ኪትመጽእ እያ ታ'ፍርዲ!

እምበር ነቲ ጅግና
ዓለም ዝመስከረሉ ይትፈር ንሕና
ጸልማት ቀንጢጡ ዝወለዐ ፋና
ሂወቱ ዝወፈየ ንስሌና
ብኽብሪ ክነብር'ዩ ኣብ ልብና!

እንተናትኩም ግን ሸለል ኢልና ንሓልፎ
ንግዜ ንገድፎ!

እምበር'ከ ባዕሉ ኪመጽእ ኡ
ኣይነብርን እዩ ተረሲዑ
ምስ ኣኸለ ግዚኡ!

ኦ ሰማእቲ ቅንጥጥ ዘበልኩሞ ንመግዛእቲ

ካብ ጸልማት ዘውጻእኩሙና ካብ በዓቲ
ጓልኩም ወድኹም ኩሉኹም በብሓንቲ
ኣለና ደቅኹም ታሪኽኩም ወረስቲ
ብፍቕሪ ጸኒዕና ብሓድነት ንዝቲ
ቅሰኑለይ በዛ ሎሚ መዓልቲ!!!።

ሳሙኤል ገብሪሂወት

10/06/2017 https://m.facebook.com/EritreanHome/

 
 
 
 

Eritv

Latest Video


Asmara Symbol Pride for Africa