Dehai News

ናይ ገጽ-መጽሓፍ: ናይ ወያነ ፓሊስ ቤት ጽሕፈት ኣዲስ ኣበባ ንሎሚ ዘውግሕ ሰዓት ክልተ ወጋሕታ ተቃጺሉ።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 11 June 2017

 
ናይ ወያነ ፓሊስ ቤት ጽሕፈት ኣዲስ ኣበባ ንሎሚ ዘውግሕ ሰዓት ክልተ ወጋሕታ ተቃጺሉ።
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡
ሰነ 11, 2017 ዓም ፈረንጂ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ብጭክንኡ ዝፍለጥ ናይ ወያነ ፓሊስ ቤት ጽሕፈት ንሎሚ ዘውግሕ ሰዓት ክልተ ወጋሕታ ተቃጹሉ። እቲ ምኽንያት ሓደጋ ድዩ ዋላስ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ እዩ ዝተፈልጠ የለን። እቲ ቃጸሎ ለይቲ ምጅማሩ ግና ናብ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ከይከውን የስግእ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢትዮጵያ መጥቃዕታት ይበዝሕ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ንኣብነት ኣብ ከተማ ጎንደርን ባህርዳርን ኣብ ሰሙናት ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ 13 ግዜ ቦምባ ከምዝተፈንጀረ ይፍለጥ።

 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events