Date: Sunday, 11 June 2017
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ብጭክንኡ ዝፍለጥ ናይ ወያነ ፓሊስ ቤት ጽሕፈት ንሎሚ ዘውግሕ ሰዓት ክልተ ወጋሕታ ተቃጹሉ። እቲ ምኽንያት ሓደጋ ድዩ ዋላስ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ እዩ ዝተፈልጠ የለን። እቲ ቃጸሎ ለይቲ ምጅማሩ ግና ናብ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ከይከውን የስግእ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢትዮጵያ መጥቃዕታት ይበዝሕ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ንኣብነት ኣብ ከተማ ጎንደርን ባህርዳርን ኣብ ሰሙናት ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ 13 ግዜ ቦምባ ከምዝተፈንጀረ ይፍለጥ።