Dehai News

‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! ……42 - 43 ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 15 June 2017

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! ……42 - 43 ክፋላት

……..ካብ ክፋላት 40- 41 ዝቐጸለ………

ሰነ 15, 2017 ዓም ፈረንጂ

https://encrypted-tbn0.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcSMTf5WrTs2-aAnHQOk_wcfcqV5ltfj5K2UZfkW4hlx6j48ipVe

ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ

፠፠፠፠፠፠፠

http://www.sbs.com.au/yourlanguage/sites/sbs.com.au.yourlanguage/files/podcasts//6538_tadesse-salvano.jpg

https://scontent-fra3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/fr/cp0/e15/q65/13335766_1052725741501871_4370204538070871219_n.jpg?oh=cb06988f8894d754230a6219219bff0b&oe=5974F70A

****ስእሊታት ደራሲ` መጽሓፍ ወትሃደር *ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን [ላዕለዋይ ስእሊ] ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን [ታሕተዋይ ስእሊ] ………………….

  • *** ሓጺር መብርሂ፡ ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ኣይ ምጽዋ‘‘ ብትግርኛ ድማ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ኲናት፣ ኣየ ምጽዋዕ‘‘ ዝተባህለት መጽሓፍ ደራሲኣ ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ይበሃል። እዚ ናይ ቀደም ኣባል ደርጋዊ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ነበር፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [...] ‘‘ስርሒት ፈንቕል‘‘ ዝብል ስም ኣንጻር ባዕዳውን መግዛእታውን ወራሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ፣ ክጅመር ኣትሒዙ ስጋብ ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ዝዛዘም፣ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ንሱ ደሚርካ ኣሽሓት ምሩኻትን ቁሱላትን ዝኾኑሉ ዝነበረ ኩነታት ብናቱ ትዕዝብቲ ኣብዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ሰኒዱዎ ኣሎ። እዛ ጽዋ [ዛንታ] መጽሓፍ እዚ ኣብ ክሊ ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ውትሃደራቶምን ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህውን ሕንፍሽፍሽን ብፍላይ ከምኡውን ብወገን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ኣብ` ብጽኑዕ ተሃዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ዕርድታት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ድማ ብሓፈሻ፣ ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [ታሕተዋይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት] እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኔሩ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።

ሓያሎይ ክፋላት ናይ` ትረኻ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቚሮ ቀንየ እየ። ኣብ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና እነኽብረሉ ዘሎና ሃዋህው እምበኣር፣ ንመዘኻኸሪ ካብ` ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ክሰደሉም እየ።ሰናይ ንባብ!!!

መተሓሳሳቢ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ገጽ-መጽሓፍ ዘሎ ክፋላት ብዝሑ ዛጊት 39 ይኹን እምበር፣ እቲ ጽሑፋት ኣብ ውሽጢ` 25 ክፋላት ጨቢጠ ብምሉኡ ሰዲደዮ ኔረ። ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ካብ` ናይ ቅድም ልሙድ ክፋላት ወጺኤ መቐጸልታ` ዛንታ፣ ብክፋላት 40 41 ከም ዝሰደድኩዎ ይዝከር። እንደገና ክፋላት 42ን-43 ድማ ይስዕባ። ሰናይ ንባብ ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን!!!

ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

https://scontent-frx5-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p160x160/11208633_861720720549636_1033052359174464893_n.jpg?oh=66ecb2c3452dff17f6250e983ee84e80&oe=59CD22B5***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ ሓጺር መብርሂ]

ተወሳኺ-ኣብ` ክፋል እዚ` ቁሩብ ናይ ፊደላትን ቃላትን ነጥብታትን መኣረምታ ጌረ ኣሎኹ።

 

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

https://scontent-frx5-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-0/s480x480/19030752_1472605552795849_6850649167142994286_n.jpg?oh=63bf0a6bdc045e8b8efdd011dd979ca5&oe=59E433C4
Image result for Images EPLF's massawa war

  • ድሕሪ መስዋእቲ ጀነራል ተሾመ ተሰማ፣ እቶም ኣባላት ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊትና ከም ''ሹም-ንህቢ'' ዝጠፍኦ ዕስለ ንህቢ ተበታቲኖም፡ ብዉልቕን ብእኩብን ዘይ'ተወደበን ዘይ'ተወሃሃደን ዝተፈላለየ ስጉምትታት ወሰዱ።

እቶም ዝበዝሑ ኣባላት ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊትና ኣሰር ጀነራል ተሾመ ተሰማ ተኸቲሎም ነብሰ-ቕትለት ፈጸሙ። እቶም ገለ ክፋል ካብ`ቶም ዝተረፉ ኣባላትና ድማ ብብስጭትን ሕርቃንን ተጠቒዖም ስምዒቶም ክቆጻጸሩ ስለ ዘይኸኣሉ፡ቦንባ-ኢድ እንዳ ደርበዩን፥ ደዉ ኢሎም ካላሽኖም እንዳ ኣነቐዉን፥ ናብ እቲ ሻዕብያ ዝዓረደሉ ድፋዕ ጠኒኖም ብምእታዉ ድራር ጥይት ሻዕብያ ኮኑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ኣከባቢ ኣብ ሒደት ደቓይቅ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተኾመረ።

፠፠፠፠፠

ድሕሪ እዚ ኹሉ ሕንፍሽፍሽ ግን ኣዛዚ ሳልሳይ ሜካናይዝድ ኣብዮታዊ ኽፍለ ጦር-ሰራዊት ነበር፡ ኰረኔል በላይ ኣስጨናቂ እቶም ተረፍ መረፍ መኮንናትን ኣጋር ኣብዮታዉያን ጦር-ሰራዊትን ጠራኒፉ፡ ካብ እቲ ብሻዕብያ ተከቢቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ፈንጺጎም ክወጽኡ ፈተናታት ተገብረ።...........................

  • ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

ኣብ ዝሓለፈ ዝተሓትሙ ቀዳሞት ክፋላት

‚ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 1 ስጋብ 4ይ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/156814

''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ!  5 ስጋብ 8 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/157095

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ] ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 9 ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai/157629

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 14 ስጋብ መበል 18 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai-news/158182

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 19 ስጋብ መበል 23 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai/158823

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 24-25 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai-news/159385

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! ……40 - 41 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai-news/163551

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events