Date: Thursday, 15 June 2017
‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! ……42 - 43 ክፋላት
……..ካብ ክፋላት 40ን- 41ን ዝቐጸለ………
ሰነ 15, 2017 ዓም ፈረንጂ
ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ፡ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ
ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ።
፠፠፠፠፠፠፠
****ስእሊታት ደራሲ`ዛ መጽሓፍ ወትሃደር *ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን [ላዕለዋይ ስእሊ] ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን [ታሕተዋይ ስእሊ] ………………….
ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [ታሕተዋይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት]፣ እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኔሩ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡ‘ውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነ‘ውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።
ሓያሎይ ክፋላት ናይ`ዚ ትረኻ‘ዚ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቚሮ ቀንየ እየ። ኣብ‘ዚ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና እነኽብረሉ ዘሎና ሃዋህው እምበኣር፣ ንመዘኻኸሪ ካብ`ቲ ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ክሰደሉም እየ።ሰናይ ንባብ!!!
መተሓሳሳቢ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ገጽ-መጽሓፍ ዘሎ ክፋላት ብዝሑ ዛጊት 39 ይኹን እምበር፣ እቲ ጽሑፋት ኣብ ውሽጢ`ዚ 25 ክፋላት ጨቢጠ ብምሉኡ ሰዲደዮ ኔረ። ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ካብ`ቲ ናይ ቅድም ልሙድ ክፋላት ወጺኤ መቐጸልታ`ቲ ዛንታ፣ ብክፋላት 40ን 41ን ከም ዝሰደድኩዎ ይዝከር። እንደገና ክፋላት 42ን-43 ድማ ይስዕባ። ሰናይ ንባብ ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን!!!
ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!
ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!
ዓወት ንሓፋሽ!!!
***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ‘ዚ ሓጺር መብርሂ]
ተወሳኺ-ኣብ`ዛ ክፋል እዚ`ኣ ቁሩብ ናይ ፊደላትን ቃላትን ነጥብታትን መኣረምታ ጌረ ኣሎኹ።
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
እቶም ዝበዝሑ ኣባላት ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊትና ኣሰር ጀነራል ተሾመ ተሰማ ተኸቲሎም ነብሰ-ቕትለት ፈጸሙ። እቶም ገለ ክፋል ካብ`ቶም ዝተረፉ ኣባላትና ድማ ብብስጭትን ሕርቃንን ተጠቒዖም ስምዒቶም ክቆጻጸሩ ስለ ዘይኸኣሉ፡ቦንባ-ኢድ እንዳ ደርበዩን፥ ደዉ ኢሎም ካላሽኖም እንዳ ኣነቐዉን፥ ናብ እቲ ሻዕብያ ዝዓረደሉ ድፋዕ ጠኒኖም ብምእታዉ ድራር ጥይት ሻዕብያ ኮኑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ኣከባቢ ኣብ ሒደት ደቓይቅ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተኾመረ።
፠፠፠፠፠
ድሕሪ እዚ ኹሉ ሕንፍሽፍሽ ግን ኣዛዚ ሳልሳይ ሜካናይዝድ ኣብዮታዊ ኽፍለ ጦር-ሰራዊት ነበር፡ ኰረኔል በላይ ኣስጨናቂ እቶም ተረፍ መረፍ መኮንናትን ኣጋር ኣብዮታዉያን ጦር-ሰራዊትን ጠራኒፉ፡ ካብ እቲ ብሻዕብያ ተከቢቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ፈንጺጎም ክወጽኡ ፈተናታት ተገብረ።...........................
ኣብ ዝሓለፈ ዝተሓትሙ ቀዳሞት ክፋላት፣
‚ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 1ይ ስጋብ 4ይ ክፋላት
http://dehai.org/dehai/world-news/156814
''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 5ይ ስጋብ 8ይ ክፋላት
http://dehai.org/dehai/world-news/157095
‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 9ይ ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት
http://dehai.org/dehai/dehai/157629
‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 14 ስጋብ መበል 18 ክፋላት
http://dehai.org/dehai/dehai-news/158182
‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 19 ስጋብ መበል 23 ክፋላት
http://dehai.org/dehai/dehai/158823
‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! 24-25 ክፋላት
http://dehai.org/dehai/dehai-news/159385
‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እን`ክዝንቶ! ……40 - 41 ክፋላት
http://dehai.org/dehai/dehai-news/163551