Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ: ሕጊ-ንስኒትን ዕብየትን ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 19 June 2017

ሓዳስ ኤርትራ 9 ሰነ 2017 – ገጽ 5 መበል 26 ዓመት ቁ.241

ሰነ 18, 2017

ብኣካል ዝበጽሕ መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ

ብኣካል ዝበጽሕ መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ፡ ንውልቀሰብ ምስ ዝኸውን ብኢድ ከሳሲ፡ ንተኸሳሲ ወይ ንወኪል ወይ ንጠበቓ ተኸሳሲ ዝበጽሕ ኢዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝቐረበ ክሲ ምስ ዝኸውን ከኣ፡ ንጽሓፊት፡ ንዝኾነ ዳይረክተር ወይ ቀንዲ ብዓል መዚ ክወሃብ ይከኣል፡፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ማሕበራት ዝቐረበ ክሲ ምስ ዝኸውን ምስ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መሻርኽቲ ብምግዳፍ ወይ ኣብቲ መጸዋዕታ ዝበጽሓሉ ግዜ፡ እቲ ሽርካን ንግድ ኣብ ዘካይደሉ ቦታ ናይቲ ትካል ቁጽጽር ወይ ናይ ምሕደራ ሓላፍነት ምስ ዝነበሮ ዝኾነ ሰብ ብምግዳፍ ከም ዝበጽሕ ክግበር ይከኣል።

  1. ንኣባላት ስድራቤት ወይ መሳርሕቲ ወይ መሻርኽቲ ዝበጽሕ መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ

ተኸሳሲ ዋላ እኳ ኣድራሽኡ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ብኣካል ክርከብ ምስ ዘይከኣል፡ መጸዋዕታ ምስኡ ንዝነብሩ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሑ ኣባላት ስድራቤት ከም ወላዲ፡ ውላድ፡ መጻምዲ ካልኦትን ከም ዝወሃብ ክግበር ይከኣል። ተኸሳሲ ኣብ ክሊ ከባቢ ክሲ ዝተመስረተሉ ቤት ፍርዲ ዝነግድ ወይ ዝሰርሕ እንከሎ እንተኾነ ግን ኣብቲ ከባቢ ዘይነብር እንተኾይኑ፡ መጸዋዕታ ንኣማሓዳሪ ትካል ወይ ወኪል ምስ ዝወሃብ ንተኸሳሲ ከም ዝበጽሖ ይቑጸር፡፡ እቲ ክሲ ንዘይንቀሳቐስ ንብረት ዝምልከት እንተኾይኑ፡ እቲ መጸዋዕታ ንተኸሳሲ ብኣካል ወይ ንወኪል ወይ ድማ ንብረት ንኽቆጻጸር ሓላፍነት ዝተዋህቦ ወኪል ክወሃብ ይከኣል፡፡

ዝኾነ መጸዋዕታ ዝቕበል ውልቀ ሰብ መጸዋዕታ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ከም ዝተቐበለ ንምርግጋጽ ኣብ መበቆላዊ መጸዋዕታ ፌርማኡ ከንብር ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎ። ነቲ መጸዋዕታ ምቕባል ወይ ምፍራም ምስ ዝኣቢ ቤት ፍርዲ ምኽንያት ናይ እምቢታኡ ይምርምር። ከሳሲ ዝኾነ ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ክረክብ ምስ ዘይክእል ነቲ መጸዋዕታ ከብጸሓሉ ዘይከኣለ ምኽንያት ብቃለ- ማሕላ ኣሰንዩ ነቲ መጸዋዕታ ናብቲ ቤት ፍርዲ ክመልሶ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ቤት ፍርዲ ካልእ ኣማራጺ ናይ መጸዋዕታ ኣገባብ ይእዝዝ፡፡

  1. መጸዋዕታ ኣብ ቤት ፍርዲ ወይ ኣብ ኣድራሻ ተኸሳሲ ምልጣፍ

ተኸሳሲ መጸዋዕታ ንኸይበጽሖ ደይ መደይ ኢሉ ይስወር ምህላዉ ወይ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስሩዕ ኣገባባት መጸዋዕታ ንኽይበጽሖ ይዕንቅፍ ከም ዘሎምስ ዝረጋገጽ፡ ቤት ፍርዲ መጸዋዕታ ብቐሊሉ ክርአ ኣብ ዝኽእል ቅሉዕ ቦታ ኣብ ቅርዓት ቤት ፍርዲ፣ ተኸሳሲ ኣብ መወዳእታ ይነብረሉ ዝነበረ፡ ተኸሳሲ ንግድ የካይደሉ ወይ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቦታ ንኽልጠፍ ትእዛዝ ክህብ ይኽእል።

  1. ብጶስጣ (ብሓደራ ደብዳበ) ዝበጽሕ መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ

እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኩነታት ክእዘዝ ይኽእል፦

  1. ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ሰብነት ዝተዋህቦም ኣካላት ዝቐርብ ክሲ፡ መጸዋዕታ ብኣካል ክበጽሕ እንተዘይተኻእለ፡ ብሓደራ ደብዳበ ናብ’ቲ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ኣካል ዝተመዝገበሉ ኣድራሻ ወይ ድማ ንጥፈታት ዘካይደሉ ክበጽሕ ክእዘዝ ይከኣል፣
  2. ተኸሳሲ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝቕመጥ እንተኾይኑ፡ ኣድራሻኡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ፍሉጥ ምስ ዝኸውን፡ መጸዋዕታ ብሓደራ ደብዳበ ክልኣኸሉ ይኽእል።
  3. መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ፡ ብጋዜጣ ዝወጽእ ምልክታ

መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኣብ ጋዜጣ ክወጽእ ክእዘዝ ይከኣል። እዚ ዝኾነሉ ቀዳማይ ኩነታት፡ ተኸሳሲ መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ ንኸይበጽሖ ይስወር ከም ዘሎ ዘረድእ ጭቡጥ መርትዖ ንቤት ፍርዲ ምስ ዝቐርብ ኢዩ።

ካልኣይ ኩነታት ድማ፡ ተኸሳሲ ካብ ሃገረ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብር ኮይኑ፣ ኣድራሻኡ ዘይፍሉጥ ብምዃኑ መጸዋዕታ ብጶስጣ ክበጽሖ ምስ ዘይክእልን መጸዋዕታ ዝቕበል ወኪል ከም ዘይብሉ ምስ ዝረጋገጽ፡ ከም ናይ መጨረሽታ ኣማራጺ ብጋዜጣ ምልክታ ንኽወጽእ ትእዛዝ ይወሃብ፡፡

ዕላማ መጸዋዕታ፡ ንኽሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣንጻሩ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ከም ዝፈልጥን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንገዛእ ርእሱ ከም ዝከላኸልን ምግባር ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ መጸዋዕታ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ምስ ህልዉ ኩነታት ዝዛመድ፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ክንጥቀም ይግባእ። እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ዝብሃል ብኣካል ኢዩ። መጸዋዕታ ብኣካል ዝተቐበለ ክሱስ መጸዋዕታ ኣይበጽሓንን ዝብል ምስምስ ከቕርብ ዕድል ኣይህልዎን።

መጸዋዕታ ኣብ ኣድራሻ ክሱስ ወይ ቅርዓት(ቀጽሪ) ቤት ፍርዲ ኣብ ዝልጠፈሉ ወይ’ውን ኣብ ጋዜጣ ዝወጽኣሉ ምኽንያት፡ ነቲ ዝወጸ ሓበሬታ ንኽሱስ ዝፈልጡ ሰባት ይርእይዎ እሞ ክሕብርዎ ይኽእሉ ካብ ዝብል እምነት ኢዩ።

ዕርቂ

ተኸራኸርቲ ወገናት ኣብ መንጎኦም ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብዕርቂ ወይ ሽምግልና ኣብ መዕለቢ ከብጽሕዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዕርቂ ወይ ሽምግልና፡ ቅድሚ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ዝተገብረ እንተኾይኑ፡ ተኸሳሲ ፈለማዊ ተቓውሞ ብምቕራብ ንቤት ፍርዲ ክሕብር ይግባእ።

ዕርቂ ነቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጉዳይ መዕለቢ ይህብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ጉዳይ መንቀሊ ንዝኾነ ዘይምርድዳእ እውን መፍትሒ ይህብ ኢዩ። ብዕርቂ ዝውዳእ ጉዳይ ንሰብ ጉዳይ ዝጸንሖም ዝምድና ኣብ ልዕሊ ምዕቃቡ፣ ኣብ መንጎኦም ሰላም ስለ ዘውርድን እቲ ጉዳይ’ውን ብዘይ ብዙሕ ወጻኢታትን ኮለልን ኣብ ፍጻመ ስለ ዘብጽሖ ኣዝዩ ዝድገፍ ኣገባብ ኣፈታትሓ ምስሕሓባት ወይ ክርክራት ኢዩ።

ዕርቂ ብመጀመርታ ኣብ ናጻ ድሌትን ናይ ሓባር ስምምዕን ተኸራኸርቲ ወገናት ዝምርኮስ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ካብ’ዚ ወጻኢ፣ ካብ ጽቡቕ ድሌት ጥራይ ተበጊስካ ኣብ ልዕሊ ተኸራኸርቲ ወገናት ብምግዳድ ዝፍጸም መስርሕ ክኸውን ኣይግባእን።

ዕርቂ ዝሕተተሉ ግዜ

ቤት ፍርዲ መዝገብ ከፊቱ፡ ንተኸሳሲ ቅዳሕ ክስን መርትዖታትን ብመጸዋዕታ ቤት ፍርዲ ተሰንዩ ከም ዝበጽሖ ገይሩ ምስ ቀረበ፡ ክልቲኦም ወገን ካብ ዝተረኽብሉ ናይ ፈለማ መዓልቲ ኣትሒዙ ብተበግስኡ ወይ ብሕቶ ተኸራኸርቲ ወገናት ጉዳዮም ብዕርቂ ከዕርፉ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ከረድእን ዕድል ክህቦምን ይኽእል።

ኣገባብ ትግባረ ዕርቂ

ዕርቂ ተኸራኸርቲ ወገናት ወይ ዓረቕቲ ሽማግለታት፡ ኣብ ዝመረጽዎ ግዜን ቦታን ኢዩ ዝግበር። ዕርቂ ክልቲኦም ወገናት ብዝተሰማምዑሉ መገዲ ውዕል ዕርቂ ብምፍጻም ክግበር ይከኣል። ተኸራኸርቲ ወገናት ልክዕ ከም’ቲ ቅድሚ ነቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ጉዳዮም ባዕሎም ብስምምዕ ወይ ብዓራቖ ሽማግለታት መደምደምታ ክገብሩሉ ዘለዎም መሰል፣ ጉዳዩ ድሕሪ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ’ውን እንተኾነ እዚ መሰል ኣይንፈጎምን ኢዩ። እንተኾነ ተኸራኸርቲ ወገናት ኣብ ቤት ፍርዲ ንዝቐረበ ጉዳይ ብሽማግለታት ዕርቂ ንኽውሰን ምስ ዝሰማምዑ፡ እቲ ዝካየድ መስርሕ ዕርቂ ንቤት ፍርዲ ክሕበሮ ይግባእ። ናይ’ዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ዝግበር ሽምግልና እናቐጸለ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ብምቕጻል፡ ውሳነ እንተድኣ ሂቡ ምስቲ ብዕርቂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፍልልይ ክህልዎን ተጋራጨውን ክኸውን ተኽእሎ ስለዘሎን ኢዩ።

ተኸራኸርቲ ወገናት ጉዳዮም ኣብ መሰርሕ ዳንነት ከሎ ብዕርቂ ኣደቂሶሞ እንተድኣ ቀሪቦም፡ ቤት ፍርዲ ዝተገብረ ስምምዕ ወይ ውዕል ዕርቂ፡ ብናይ ክልቲኦም ስምምዕ ዝተፈጸመ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ነቲ ዕርቂ ተቐቢሉ መዝገብ ክዓጽዎ ይኽእል። እቲ ስምምዕ ዕርቂ ብናይ ሽማግለታት ውሳነ ዝተዋህበ እንተድኣ ኮይኑ እሞ ክልቲኦም ወገናት ድማ ዕርቂ ክምዝገበሎም እንተድኣ ሓቲቶም ንትሕዝቶ ውሳነ ሽማግለታት ዕርቂ ብምምዝጋብ ውሳነ ክህብ ይኽእል ኢዩ።

ትሕዝቶን ሳዕቤናትን ዕርቂ

ተኸራኸርቲ ወገናት ንዝጸንሖም ክርክር ድሕርን ቅድምን ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ውዕል ስምምዕ ዕርቂ ገይሮም ጉዳዮም ከደቅሱ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም። ናይ ዕርቂ ተበግሶ ባዕሎም ወሲዶም ወይ ድማ ብቤት ፍርዲ ተሓጊዞም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡ ኣብ ቅድሚ መጋባኣያ ውዕል ዕርቂ እንተድኣ ፈጺሞም፡ ቤት ፍርዲ ሽዑ ንሽዑ ትሕዝቶ ስምምዖም ብሕጊ ኮነ ብሕልና ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ መዝገብ ኣስፊሩ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝፍርሙሉ ይገብር። ውዕል ዕርቂ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ዝተገብረ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ቤት ፍርዲ ነቲ ዕርቂ ተቐቢሉ መዝጊቡ የፋንዎም። እቲ ዕርቂ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ እንተተገብረ እሞ ሰብ ጉዳይ እቲ ዕርቂ ክምዝገበሎም እንተ ሓቲቶም፡ ቤት ፍርዲ እቲ ዕርቂ ምስ ሕግን ስነ- ምግባርን ከም ዘይጻረር ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ነቲ ዕርቂ ሰኒዱ ነቲ መዝገብ ይዓጽዎ። ሰብ ጉዳይ ጉዳዮም ብዕርቂ ወዲኦም ንቤት ፍርዲ ክምዝግበሎም ከይሓተቱ፡ ነቲ መዝገብ ክዕጸወሎም ምስ ዝሓቱ፡ ቤት ፍርዲ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ ዕርቂ ከይመርመረን ከይመዝገበን ነቲ መዝገብ ክዓጽዎ ይግባእ። ድሕሪ ምዕጻው መዝገብ ሓደ ወገን በቲ ውዕል ዕርቂ እንተዘይተቐይዱ፡ እቲ ካልኣይ ወገን በቲ ዕርቂ መሰረት ክትግበረሉ ንቤት ፍርዲ ክሓትት ኣይክእልን። ሰብ ጉዳይ ዕርቂ ክምዝገበሎም ምስ ዝሓቱ ግን እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ዕርቂ ቅድሚ ምምዝጋቡ፡ ናይ ግድን ሕጋውነቱ ከረጋግጽ ይግባእ። ውዕል ዕርቂ ብቤት ፍርዲ ምስ ዝምዝገብ ልክዕ ከም ውሳነ ቤት ፍርዲ ኢዩ ተፈጻምነት ዝህልዎ። እዚ ማለት ሓደ ወገን በቲ ዕርቂ እንተዘይተቐይዱ፡ እቲ ካልኣይ ወገን በቲ ዝተመዝገበ ዕርቂ መሰረት ክትግበረሉ ክሓትት መሰል ኣለዎ።

ይግባይ

ናይ ይግባይ መሰል ካብ’ቶም ኣገደስቲ መሰላት ናይ ተኸራኸርቲ ወገናት’ዩ። ብቐዳምነት ኣብ ኣተሓሕዛ ናይ’ቲ ጉዳይ ይኹን ኣብ መወዳእታ ዝተዋህበ ብይን፡ ፍርዲ ወይ ውሳነ ጌጋታት ክፍጸም ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ወይ ጉድለት ድማ ንምእራም ክከኣልን ፍትሒ ክነግስን፣ ናይ ይግባይ መሰል ምርግጋጽ ዓቢ ግደ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ መሰል ይግባይ ብቐዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ብዝተዋህበ ውሳነ ቅሬታ ንዝተሰመዖም ተኸራኸርቲ ወገናት፡ ናብ ልዕሊ’ቲ ዝወሰነ ቤት ፍርዲ ቅሬታኦም ወይ መረርኦም ንኽገልጹ ዕድል ይህብ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ፍርዲ ወይ ውሳነ ምስ ዝጸንዕ ክርዕምዎ ወይ ክቕበልዎ ዕድል ዝህብ ኢዩ።

ይግባይ ንኽልቲኡ ወገን ማዕረ መሰል ምዃኑ

ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣብ’ቲ ጉዳይ ንዝረትዐ ይኹን ንዝተረትዐ፡ ንኸሳሲ ይኹን ንተኸሳሲ፡ ብሓጺሩ ንኹሎም ተኸራኸርቲ ወገናት ማዕረ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም። ከሳሲ ወይ ረታዒ ወገን ንበይኑ ወይ ድማ ተኸሳሲ ወይ ተረታዒ ወገን በቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ወይ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብገለ መዳዩ ከይዓግቡ ይኽእሉ ኢዮም። ይግባይ ንኸቕርቡ ቅዳሕ ናይ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ምስ መሰነይታ ደብዳበ ክወሃቦም እንተሓቲቶም ኣብ እዋኑ ክወሃቦም ይግባእ። ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ብሓንሳብ ወይ ሓደ ድሕሪ’ቲ ካልእ ይግባይ እንተኢሎም’ውን ክልቲኦም ብይግባይ ንኽሓልፉ ክፍቐደሎም ይግባእ። ዘቕረብዎ ይግባይ ቅቡልን ዘይቅቡልን ክብሎም ዝኽእል እቲ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ጥራይ’ዩ።

ኣብነት፡ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር በርሀ፡ ንሓንቲ ላም ናይ ገብረ ዝተባህለ ሰብ፡ ኣብ ግራተይ ኣትያ ኢሉ ደጋጊሙ ሃሪምዋ ንቑሩብ ግዜ ድሕሪ ምዕባርን ምሕማምን ሞይታ። ገብረ ዋጋ ናይ ላመይ 20,000.00 ክሓሰኒ ኢሉ ንበርሀ ከሲሱዎ። ኮማዊ ቤት ፍርዲ በርሀ 12,000.00 ናቕፋ ንገብረ ዋጋ ናይ ላሙ ይኽሓሶ ክብል ወሲኑ። በርሀ ላም ናይ ገብረ ሓሚማ ኢያ ሞይታ’ምበር ኣነ ኣይቀተልኩዋን ኢሉ ይግባይ ክብል ይኽእል። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ገብረ 12,000.00 ናቕፋ ውሒዱኒ ኢሉ ይግባይ ክብል ይኽእል።

ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ይግባይ ዝብሃለሎምን ዘይብሃለሎምንጉዳያት

ምስ መሰል ይግባይ ተኣሳሲሩ ክለዓል ዝኽእል ሕቶ፡ “ተኸራኸርቲ ወገናት ካብ እንታይ ዓይነት ውሳነታት’ዮም ይግባይ ከቕርቡ ዝኽእሉ” ዝብል’ዩ። ንሓደ ክርክር ናይ መወዳእታ ውሳነ ዘይኮኑ ብቤት ፍርዲ ዝውሰኑ ግዝያዊ ኣገልግሎት ዘለዎም ትእዛዛት ወይ ብይናት ቅድሚ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ምርካቦም ይግባይ ኣይቀርበሎምን። ዝኾነ ግዝያዊ ኣገልግሎት ዘለዎ ትእዛዝ ወይ ብይን ናይ ቤት ፍርዲ በብእዋኑ ይግባይ ክቐርበሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ብቀንዱ ንሰብ ጉዳይን ንቤት ፍርድን ኣህላኽን ግዜ ዝመጥጥን ስለ ዝኸውን ኢዩ። ስለዚ፡ ይግባይ ክቐርብ ዝኽእል ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ውሳነኡ ምስ ሃበ ጥራይ ከም ዝዀነ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ይድንግግ። ኣብ ክልተ ውሱናት ግዝያዊ ኣገልግሎት ዘለዎም ትእዛዛት ወይ ብይናት ናይ ቤት ፍርዲ ግን፡ ይግባይ ምቕራብ ይፍቀድ።

ዳንነት፡ ቅድሚ ናብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምብጽሑ ብዙሕ መስርሕ ኣለዎ። ቤት ፍርዲ ቅድሚ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምሃቡ ብይን ወይ ትእዛዝ ክህብ ይኽእል። እዞም ዝወሃቡ ግዝያዊ ኣገልግሎት ዘለዎም ትእዛዛት፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝወሃብ ፍርድን ውሳነን ክጠቓለሉ ስለዝኽእሉ፡ ኣብ’ቲ ትእዛዝ ወይ ብይን ዝተዋህበሉ እዋን ይግባይ ክቐርበሎም ኣይፍቀድን’ዩ። እቶም መስርሕ ፍርዲ ከይተወደአ ይግባይ ክቐርበሎም ዝኽእሉ ብይናትን ትእዛዛትን ካብ’ቶም መስርሕ ፍርዲ ከይተወደአ ይግባይ ክቐርበሎም ዘይክእል ብምንጽጻር ኣብ ክልተ ተመቒሎም ክረኣዩ ይኽእሉ።

ኣብ መንጎ መስርሕ ፍርዲ ይግባይ ክብሃለሎም ዝኽእሉ ጉዳያት

ብቤት ፍርዲ ዝተዋህቡ ትእዛዛትን ብይናትን መስርሕ ፍርዲ ከይተወደአ እንከሎ፡ ይግባይ ክቐርበሎም ዝኽእል ብክልተ ምኽንያታት ኢዩ። ንሳቶም ድማ፡-

(1) መስርሕ ፍርዲ እናተኻየደ እንከሎ፡ ምስ’ቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ፡ ቤት ፍርዲ ዝኾነ ሰብ ንኽእሰር ምስ ዝእዝዝ፡

(2) ኣብ መንጎ መስርሕ ፍርዲ እቲ ቤት ፍርዲ ንብረት ናይ ሓደ ተኸራኻሪ ወገን ናብ’ቲ ካልእ ተኸራኻሪ ወገን ንኸመሓላልፍ ምስ ዝእዝዝ፡

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ክልተ መዳያት ጥራሕ ኢዩ፡ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት፡ መስርሕ ፍርዲ እናተኻየደ እንከሎ፡ ይግባይ ንክብሃሎም ዘፍቅድ።

መስርሕ ፍርዲ ከይተወደአ ወይ ፍርዲ ከይተዋህበ ይግባይ ክቐርበሎም ዘይክእሉ ትእዛዛትን ብይናትን እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም። ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ዕለተ ቆጸራ ክውስን ከሎ፣ ብዛዕባ ፈለማዊ ተቓውሞ፡ ወይብዛዕባ ፍቑድነት ወይ ዘይፍቑድነት ናይ ቃል ወይ ሰነዳዊ መርትዖ፡ ወይ ብዛዕባ ብድኽነት ምኽንያት ናይ ዳንነት ከይከፈሉ መዝገብ ክኽፈተሎም ንዝሓተቱ ኣመልኪቱ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ክህብ ከሎ፣ እቲ መዝገብ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ በጺሑ ከይተዛዘመ ይግባይ ኣይብሃለሎምን ኢዩ።

ይቕጽል

ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events