Dehai News

Eritrean Martyr's Day (Boston)

Posted by: Tesfa Tikabo

Date: Monday, 26 June 2017

 
(መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ማሕበረ-ኮም ቦስቶን፡ ሰሉስ, ዕለት 20 ሰነ, 2017።)
 
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ, 2017 ዓ/ም፡
ኣብ ከተማ ቦስቶንን ከባቢኡን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዕለት, 20 ሰነ, 2017 ዓ/ም ንመዓልቲ -ሰማእታት ኤርትራ ንዘኽሪ ስዉኣት ኣኽቢሮም። ህዝቢ ቦስቶን ሕድሪ ሰማእታቱ ንምኽባርን ንስድራ-ሰማእታት ዝውዕል “a dollar a day” ዝብል ናይ ዓመት መብጸዓ ቃል ብምእታው ንኣስታት $15, 060 Dollar ብምውፋይ መብጻዓኦም ኣበርኪቶም። ከምኡ ድማ ኣባላት ማ-ኮም ቦስቶን ንስድራ-ሰማእታት ንምድጋፍ ናብ ውሽጢ ሃገረ- ኤርትራ ብምብጻሕ ክገብርዎ ዝጸንሑ ኣበርክቶ ሕጅ’ውን ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጾም። ስዉኣትና ንሃገሮምን ህዝቦምን ሓራ ከልብሱን እታ ብልጽትን ፍትውትን እንኮ ህይወቶም ከይበቐቑ መስዋእቲ ብምውፋይን ነጻ ዝኾነት ሃገረ-ኤርትራ ኣረኪቦምና። እቲ ዝተወሃበና ሕድሮም ክንዕቅቦን ክብሪ ዘኽሮም ድማ ብፍቕሪን ስኒትን ክንቅጽሎን ወትሩ ኣብ ልብና ነባሪ ኢዩ። ተሳተፍቲ መደብ ነዛ ክብርቲ ዕለት፤ 20 ሰነ ንምኽባር፡ መብራህቲ ሽምዓ ብምውላዕን ናብ ደገ ዑደት ብምክያድን ንዘኽሪ ሰማእታት ብድምቀት ኣኽቢሮም።
ዘለኣለማዊ ዘኽሪ ንስዉኣትና!                                                                                                                         ዓወት ን’ሓፋሽ፡                                                                                                                                         ኣካያዲት ሽማግለ በዓላት ቦስቶን።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events