Date: Monday, 26 June 2017
ዕድሚኦም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ካብ ሃገረ ኤርትራ ዝመጸ ምሉእ ዕጥቂ ተኸዲኖም፡ ዋርሳይ፣ ሕድሪ ብዝብላ ጋንታታት ተኸፋፊሎም፡ ጸወትኦም ይጅምሩ።
እዚ ናይ ቆልዑ ኩዕሾ ጥርናፌ፡ ዓቢ ተራ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ናይ ሺካጎን፣ ከባቢኣን ዘተኣታተወ፡ ኣብ 1999 ዝጀመረ ኮይኑ፡ እቶም ተሳተፍቲ መንእሰያትና ኣብዚ ጊዜ'ዚ፡ ተመርዕዮም፣ ብብዝሒ ኮለጅ መዲኦም፡ ብሕክምና፣ ብተክኒካውን፣ ካልእ ሞያታትን ተዋፊሮም ይርከቡ።
በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ንዓቢ ሓውና ቻርልን፣ ተሓባበርቱን፣ ወለድን፡ ብሕልፊ ኣዴታት፡ ይቐንየልና እናበልና፡ ነዞም ናይ ጽባሕ ሃገር ተረከብቲ ሕድሪ'ውን እንቓዕ ሐጎሰኩም፣ በርትዑ ንብል፡፡
ኩሉኹም ዓበይቲ የሕዋትን፣ ኣሓትን፣ ወለድና ምትብባዕኩም ኣይፈለየና።