Dehai News

Chicago kids soccer

Posted by: Ben Araya

Date: Monday, 26 June 2017


​​
​​
​​
​እንሆ እቲ ዓመት፣ ዓመት ዝካየድ፡ ኩዑሾ እግሪ ናይ ንኣሽቱ ደቅና፡ ተቐመጥቲ  ሺካጎን ከባቢኣን፡ ብተገዳስነት ዓቢ ሓውና ቻርሊ ብርሃነ ንጥፈትን፡መሪሕነትን፡ ምስ ቀወምቲ ተሓባበርቱ፡ ሰለሙን ጉዕሽ፣ ኢሳያስ ቢተው፣ ደበሳይ ይሕደጎን ካልኦት ትቡዓት ኤርትራውያንን፡ ዝሓለፈ ቀዳም ብወግዒ ተጀሚሩ።

ዕድሚኦም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ካብ ሃገረ ኤርትራ ዝመጸ ምሉእ ዕጥቂ ተኸዲኖም፡ ዋርሳይ፣ ሕድሪ ብዝብላ ጋንታታት ተኸፋፊሎም፡ ጸወትኦም ይጅምሩ።

እዚ ናይ ቆልዑ ኩዕሾ ጥርናፌ፡ ዓቢ ተራ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ናይ ሺካጎን፣ ከባቢኣን ዘተኣታተወ፡ ኣብ 1999 ዝጀመረ ኮይኑ፡ እቶም ተሳተፍቲ መንእሰያትና ኣብዚ ጊዜ'ዚ፡ ተመርዕዮም፣ ብብዝሒ ኮለጅ መዲኦም፡ ብሕክምና፣ ብተክኒካውን፣ ካልእ ሞያታትን ተዋፊሮም ይርከቡ።

በዚ ኣጋጣሚ' ንዓቢ ሓውና ቻርልን፣ ተሓባበርቱን፣ ወለድን፡ ብሕልፊ ኣዴታት፡ ይቐንየልና እናበልና፡ ነዞም ናይ ጽባሕ ሃገር ተረከብቲ ሕድሪ'ውን እንቓዕ ሐጎሰኩም፣ በርትዑ ንብል፡፡

ኩሉኹም ዓበይቲ የሕዋትን፣ ኣሓትን፣ ወለድና ምትብባዕኩም ኣይፈለየና።


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events