Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ - ቀዳም 8 ሓምለ 2017) ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣኼባኡ ኣካዪዱ

Posted by: dehai

Date: Sunday, 09 July 2017

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ትማሊ 7 ሓምለ፡ ኣብ ኣዳራሽ ህንጻ ሃገር ኣኼባኡ ኣካዪዱ።

ካቢነ ኣብዚ ናይ ሓደ መዓልቲ ርክቡ ብቐዳምነት ዝተመልከቶ፡ ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት ዝተታሕዙ መስርሕ ክለሳ ኣብ ዞባታት ክካየዱ ዝጸንሑን ዝካየዱ ዘለዉን ፕሮጀክትታት ልምዓት’ዩ።

ኣብ’ቲ ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ካቢነ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ርብዒ ዘመን፡ ጥሙር ዘላቒ ዕቤት ንምርግጋጽን ኩሎም ኣብ’ዛ ሃገር ዝውጠኑ መደባት ጥምረትን ተማላላእነትን ክህልዎምን፡ ኣፍራይነት ብዓይነት፡ ዓቐንን ብናይ ግዜ መቓንን ክሰላሰል፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ልምዓት ዝትግበሩ ፕሮጀክትታት ድማ ከከም ቀዳምነቶም ተለልዮም ክስራሓሎም መታን፡ ጥርናፈን ምውህሃድን ልምዓታዊ መደባት ክህሉ ጸቒጡ ኣስሚሩሉ።

ካቢነ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኩለን ልምዓታዊ ዞባታት ዝትግበሩ ስራሓት፡ ኣብ ንጹር መጽናዕቲ ዝተመርኰሱን ባህሊ ዓያይነትን ኣፍራይነትን ዝድርኹን ክኾኑ ብስፍሓት ተመያዪጥሉ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ቀጺሉ ዝዘተየሉ ዛዕባ፡ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዝተታሕዙ መስርሕ ምትዕርራይ ፊስካላውን ገንዘባውን ጉዳያት’ዩ። መንግስቲ ዝውጥኖም መደባት፡ ኣብ ሃገራዊ ቊጠባዊ ፖሊሲ ዝምርኰሱ ከም ምዃኖም መጠን፡ ኣብ መንጎ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ዘሎ ጋግ ምጽባብ፡ ኣተኣኻኽባ ግብርን ቀረጽን ምስፋሕ፡ ኣብ ካልኦት ምንጪታት ኣታዊታት ጥቡቕ ምቊጽጻር ምግባር፡ ምኽላስ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝወጹ ኣዋጃትን መምርሒታትን ብዝምልከት ድሕሪ ምዝታይ፡ በብእዋኑ ዝወጹ ፖሊሲታት ንቚጠባዊ ዕቤት ዝድርኹ ክኾኑ ይስራሓሉ ከምዘሎ ተመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ፡ ፊስካላዊ ኣታዊታት ንምዕባይ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት፡ ንልምዓታዊ መደባት ከይተንከፈ ወጻኢታት ንምንካይ ዝተወስደ ስጉምትታት ገና ብሕጂ ዝውሰድ መስርሓትን ጽቡቕ ኣንፈት ከምዘርኣየ ነዚ ንምዕባይ ዝተታሕዙ መደባት’ውን ከምዘለዉ በሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣታዊታት መንግስቲ ንምዕባይ ዝንደቕ ሰረት ንምስፋሕ፡ ብቕዓት ዓቕሚ ሰብን መሳለጥያን ብምልኣት ንምርግጋጽ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ ወጻኢታት ናይ ምቊጽጻር መስርሕ ብቐጻሊ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዑደት ዘሎ ናቕፋ ኣብ ዘይሕጋዊ መዓላ ከይውዕል፡ ባንካዊ ኣሰራርሓ ንምዕባይ ብቐጻሊ ዝስራሓሉ ዘሎ ዕማም ምዃኑ ተነጺሩ።

ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣብ’ዚ ጽላት’ዚ ብፍላይ ንቕሓት ህዝቢ ክዓቢን ሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ ክኽተልን ብምልባው፡ ትውጊታት ባንካዊ ኣሰራርሓ ክኽተሉ፡ ንጥፈታት ባንኪ ድማ ደረጃ ብደረጃ ክምዕብል ከምዝግባእ ብሰፊሑ ዘትይሉ።

ብተወሳኺ ካቢነ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝህሉ ቅርጻዊ ክለሳ ሓፈሻውን ላዕለዋይን ትምህርትን፡ ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2017ን ተመልኪቱ።

ኣብዚ ጽላት’ዚ ካቢነ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራን ምዘናን ድሕሪ ምርኣይ፡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይቲ ሚኒስትሪ ንምሕያል፡ ምዕሩይን ብቑዕን ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ’ዚ ጽላት’ዚ ሞያዊ ስልጠና ብስፍሓት ክቕጽል፡ ብቕዓት ተማሃሮን መምህራንን ክረጋገጽ፡ ትምህርቲ ምስ’ቲ ሒዝናዮ ዘለና ስትራተጂ ልምዓት ከምዝዛመድ ብዕምቈት ዘትዩሉ።

ብዘይካ’ዚ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣብ ቅድመ- ትምህርቲ፡ መባእታን ማእከላይን ደረጃ፡ ኣብ ሞያውን ቴክኒካውን ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣወዳድባ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝጸንሐ ኣተሓሕዛ ንምኽላስ ኣብ ዘሎ መደባት ብሰፊሑ ዘትዩ።

ኣብ ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ መምህራንን ተማሃሮን፡ ዘለዎም ብልጫታትን ድኽመታትን ብዝግባእ ተጸኒዑ ክቐርብ ድማ ተላብዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ እዋናውያን ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክብርታትን ኣተሓሕዛን መንግስቲ ኤርትራ ዘተኰረ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቐረበ ሓበሬታ ድሕሪ ምስማዕን ኣብኡ ምዝታይን፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባኡ ዛዚሙ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events