Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ፡ “ኣልሸባብ”፡ መእተዊ ኣፍደገ ቐጠር ንሕንፍሽፍሽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንጪ - መርበብ ሓበሬታ ‘ቐጠር ኢንሳይደር’ ተሓቲሙ ዝወጸሉ - ጋዜጣ ‘ኣልእትሓድ’ ናይ ኢማራት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 14 July 2017

  “ኣልሸባብ”፡ መእተዊ ኣፍደገ ቐጠር ንሕንፍሽፍሽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንጪ - መርበብ ሓበሬታ ‘ቐጠር ኢንሳይደር’ ተሓቲሙ ዝወጸሉ - ጋዜጣ ‘ኣልእትሓድ’ ናይ ኢማራት

መበል 26 ዓመት ቁ.268 11 ሓምለ 2017 - ገጽ 2

‘ቐጠር ኢንሳይደር’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ንሕቡእ ደገፍን ምወላን ቐጠር ንግብረ-ሽበራ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ስርዓት ቐጠር ንግብረ-ሽበራዊ ውድብ “ኣልሸባብ” ናይ ሶማል ክገብሮ ንዝጸንሐ ምወላ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኲናት ሓድ-ሕድ ንምጒህሃርን ንምንዋሕን ከካይዶ ንዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ብዝርዝር ኣቃሊዑ’ሎ።https://www.youtube.com/embed/yLCoELb7NXE

እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ሓድሽ ጸብጻቡ፡ ቐጠር - ኲናት ሓድሕድ ሶማል ከምዝናዋሕን ከምዝብእስን ንምግባር፡ ኣብ ምወላ ዝተፈላለዩ ተጻረርቲ ወገናት’ታ ሃገር ንዝተጻወተቶ ተራ ብምጥቃስ፡ ቐጠር ብመምርሒ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ዋሽንግተን ን“ሸባብ” ትገብሮ ዝነበረት ምወላ፡ ብመንገዲ’ተን ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ናይ ወፍሪ ኩባንያታታ ከምዝኾነ የነጽር።

እቲ መርበብ ኣብ ጸብጻቡ፡ ብ“ዊኪሊክስ” ንዝለሓዀ፡ ኣብ 2009 ኣብ መንጎ ሱዛን ራይስ - ቀዋሚት ተጸዋዒት ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረትን ቱርካዊ መዘናኣ - ኣርቶጉል ኣባካንን ንዝተኻየደ ርክብ ዝምልከት ሰነዳት ብምጥቃስ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ክልቲኦም ወገናት ንተጻረርቲ ወገናት ሶማል ዝገብርዎ ምወላን ደማዊ ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን (ኲናት ሓድሕድ፡ ጥሜት. . .) ከም እተላዕለ ኣነጺሩ።

እቲ ብ“ዊኪሊክስ” ዝተቓልዐ ሰነዳት፡ ንተራን ምትእትታዋትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ “ኲናት ብውክልና” ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኣቃሊዑ’ዩ።

መርበብ ሓበሬታ ‘ቐጠር ኢንሳይደር’፡ ንርክብ ራይስን ኣባካንን ንዘቃልዐ ሰነዳት “ዊኪሊክስ” ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ ቱርካዊ ኣምባሳደር (ኣባካን)፡ ሃገሩ ምስ’ቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሶማል እትኽተሎ፡ “ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ብሰፊሑ ምድጋፍ” ዝብል መስመር ከም እትሰማማዕ ክሕብር እንከሎ፡ ኣምባሳደር ራይስ ብወገና፡ ቐጠር ብመገዲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ወገናት (ሶማል) እትገብሮ ምወላ ከምዘተሓሳስባ ከምዝገለጸት ይጠቅስ። ራይስ ወሲኻ፡ ኣብ’ቲ እዋን ንዝነበረ ዝምድና ቱርኪን ቐጠርን ንረብሓ ኣመሪካ ንምምዝማዙ ሓሳብ ከምዘቕረበት፡ እቲ መርበብ ወሲኹ ሓቢሩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ዝተቓልዐ ሰነዳት፡ ራይስ ኣብ’ቲ ርክብ ነየናይ ጸጥታዊ ሓበሬታ ከምእተወከሰት ኣየነጸረን።

መርበብ ሓበሬታ ‘ቐጠር ኢንሳይደር’ ወሲኹ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ 2009 ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ናብ’ቲ ኣዝዩ ንኡስ ክፋል ሶማል ጥራይ ከምዝቈጻጸር ዝንገረሉ ‘መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል’ ኣጽዋርን ተተኰስትን ክጓርት ከምዝጀመረ ብምጥቃስ፡ ኣመሪካውያን በቲ ሓደ ወገን ንምንቅስቓስ “ሸባብ” ኣብ ሶማል ክቃለሱ ከምዝደልዩ እናገለጹ፡ በቲ ኻልእ ድማ ቐጠር ነቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ክትምውል ይደፋፍእዋ ምንባሮም የነጽር።

እዚ ድማ፡ ምስ’ቲ ቐጠር - ኣአንጋዲት ዝዓበየ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ምዃና፡ ንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንተቐናቐንቲ ወገናት ሶማል ብምዕጣቕ፡ ኣብ ምንዋሕ “ኲናት ብውክልና” ተራአን ከምእተጻወታ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ እቲ መርበብ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምድጋፍ ብምዕላም፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2006 ኣብ ሶማል ንዝገበረቶ ወራር ከምዝደገፈት ብምጥቃስ፡ እዚ ንደገፍ ኤርትራ ን“ኣልሸባብ” ምኽንያታዊ ዝገብሮ ከምዝመስል የመልክት።

መርበብ ሓበሬታ ‘ቐጠር ኢንሳይደር’ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ መንጎ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ጆኒ ካርሰንን ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ሼኽ ሸሪፍ ሼኽ ኣሕመድን ኣብ ስርት - ሊብያ ኣብ ዝተኻየደን፡ ኣብ ደገፍ “ኣልቓዒዳ” ን“ኣልሸባብ” ዘተኰረን ርክብ፡ ሼኽ ሸሪፍ፡ ገለ መንግስታት ብፍላይ ድማ መንግስቲ ቐጠር ንግብረ- ሽበራዊ ጉጅለ “ኣልሸባብ” ንዝገብሮ ዓይነታዊ ደገፍ ወቒሱ።

እቲ ዝለሓዀ ሰነዳት፡ ኣብ’ቲ እዋን ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝነበረ ዓምሩ ሙሳ፡ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ምስ ኣሚር ቐጠር ዝነበረ - ሓመድ ቢን ኸሊፋ ከም እተዘራረበ፡ ከምጽኣሎም ንዝኽእል ሳዕቤናት ብምጥቃስ፡ ን“ኣልሸባብ” ዝገብርዎ ምወላ ደው ከብሉ ከምዝሓተቶ፡ ኣሚር ቐጠር ድማ፡ ነተን ጉጅለታት ብመገዲ’ተን ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ኩባንያታት ወፍሪ ሃገሩ ከም ዝምውልወን ከምእተኣመነ የቃልዕ።

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events