Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) መበል 30 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን 8ይ ኮርስ ‘ማሞስ’ን ብልዑል ማዕርግ ተመሪቖም

Posted by: Yemane Abselom

Date: Monday, 17 July 2017

መበል 30 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን 8ይ ኮርስ ‘ማሞስ’ን ብልዑል ማዕርግ ተመሪቖም

ስነ-ስርዓትመመረቕታመበል30ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ 8ይ ኮርስ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትን፡ ትማሊ 15 ሓምለ ኣብ ሳዋ ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ከምኡ’ውን ወለዲ ዝተረኽቡሉ ስነ- ስርዓት፡ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ንመደባትን ውጽኢትን መበል 30ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ተመረቕቲ ንዓመት መመላእታ ኣብ ዝተዋህቦም ኩሉ ዓይነታት ትምህርቲ፡ ብገምጋም ኣስታት 77 ሚእታዊት ብምምዝጋብ ብዓወት ከምዝዛዘሙዎ ገሊጹ። ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ስራሕን ትምህርትን ክዕቅብዎ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ዳይረክተር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ኣቶ ተስፋይ ተወልደ እውን፡ ኣብ 8ይ ኮርስ ንዝተዋህበ ስልጠናታትን ውጽኢቱን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተመሃሮ ንክልተ ዓመታት ኣብ 11 ዓውድታት ሞያ ንዝተዋህቦም ስልጠና ብግቡእ ዛዚሞም - ንመመረቕታ ብምብጽሖም ዮሃናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘርኣየኦ ልዑል ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ሞጒሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንፍርቂ ዘመን ዝዓነወ፡ ዝተወንዘፈን ዝተዀልፈን ልምዓትን ዕብየትን ኣምሊስካ፡ ንዘላቒ ርግኣትን ራህዋን ሃገር፡ ፍልጠት፡ ሞያን ፍናንን ዝዓጠቐ ወራሲ ወለዶ ምዂስኳስ፡ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ክብገስ እንከሎን ሕጂ ዘለዎ ደረጃን ርኢኻ ዘሎ ፍልልይ - ዓቢ’ኳ እንተኾነ፡ ክንድ’ቲ ዝተቐየሰ ዕላማ ንክኸይድ፡ሞያውንኪነታውንስልጠናታት ንምምዕባል ዝተኣታተወ ፕሮግራማት ሞያዊ ስልጠናታት፡ ናብ ዝበለጸ ስርዓት እናማዕበለ ይኸይድ ምህላዉ ከኣ፡ ዓቢ ሃገራዊ ልምዓታዊ መኽሰብ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናታትን ጸብለልታ ዘርኣዩ ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ኣብነታውያን መማህራን፡ ኣለይትን ኣሃዱታትን፡ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሜዳልያን ካልእ ሽልማትን ተቐቢሎም።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ ተመረቕቲ መበል 30 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘቕረብዎ - ንዝቐሰምዎ ስልጠና ዘንጸባርቕ ምርኢትን፡ ብባህላዊ መሰናድኦታትን ተሰንዩ ነይሩ።

ተመረቕቲ ኣብ መወዳእታ፡ ንውፉይ ስራሕ ቃለ-ማሕላ ፈጺሞም።


 

 

 


 

182871-haddas_ertra_20170716_sawa_ceremony.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events