Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ኣብ ናይ ዓለምና ታሪኽ በትሪ ሒዙ ወፊሩ ብዘይዝኾና ናይ ሳልሳይ ወገን ሓገዝ ልዕሊ 500 ዘመናውያን ታንክታት ካብ ጸላኢ መንዚዑ ዓጢቁ ዝተዓወተ ህዝባዊ ግንባር ጥራሕ እዩ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 18 July 2017

 
ኣብ ናይ ዓለምና ታሪኽ በትሪ ሒዙ ወፊሩ ብዘይዝኾና ናይ ሳልሳይ ወገን ሓገዝ ልዕሊ 500 ዘመናውያን ታንክታት ካብ ጸላኢ መንዚዑ ዓጢቁ ዝተዓወተ ህዝባዊ ግንባር ጥራሕ እዩ!
 
 
***እቲ ሓቀኛ ጭብጢ ብቃል ናይ ቀደም  መራሒ ኢትዮጵያ ነበር ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ሰንስለታዊ-ጽሑፍ ስምዕዎ።
 
Image result for images of eplfhttps://encrypted-tbn0.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcQRDF_mefMISF6zBWJHvMTg_wxlnQesUJ0XCplMFFBPUsdT7ukl-w

ኣብ ናይ ዓለምና ታሪኽ በትሪ ሒዙ ወፊሩ ብዘይ ዝኾና ናይ ሳልሳይ ወገን ሓገዝ ልዕሊ 500 ዘመናውያን ታንክታት ካብ ጸላኢ መንዚዑ ዓጢቁ ዝተዓወተ ህዝባዊ ግንባር ጥራሕ እዩ! ነዛ ሓቂ መንግስቱ ሃይለማርያም ብከምዚ ገሊጽዋ ኔሩ። ንሕና ኣብዮት ክንጅምር ከለና ሻዕብያ ቁሩብ ሰብን ዘይጠቅም ጠበንጃን ሒዛ እያ ናይ ሽብር ተግባራት ተካይድ ኔራ። ሕጂ ግና ሓይሊ በጠሎኒ ብብርጌድ ሓሊፎም ብክፍለሰራዊት ከምኡውን ብመከናይዝድ ሰራዊቶም የዕብዮም ይርከቡ። እዚ ከኣ ንሕና ብዝሃብናዮም መሳርያ እዩ። ሓደ መሳርያ ሒዝኩም ትኸዱ ውግእ ምስ ኮነ ንሻዕብያ ኣረኪብኩም ትምለሱ። ስለዚ ኣብዮታዊ መንግስትና ንዓኹምን ንሻዕብያን ፍርቂ ፍርቂ እዩ ዘዕጥቅ ዘሎ። ከምዚ ዓይነት ሽግር እዩ ገጢምና ዘሎ ብምባል ንሰራዊቱ ተዛሪቡ።

 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events