Date: Tuesday, 18 July 2017
ኣብ ናይ ዓለምና ታሪኽ በትሪ ሒዙ ወፊሩ ብዘይ ዝኾና ናይ ሳልሳይ ወገን ሓገዝ ልዕሊ 500 ዘመናውያን ታንክታት ካብ ጸላኢ መንዚዑ ዓጢቁ ዝተዓወተ ህዝባዊ ግንባር ጥራሕ እዩ! ነዛ ሓቂ መንግስቱ ሃይለማርያም ብከምዚ ገሊጽዋ ኔሩ። ንሕና ኣብዮት ክንጅምር ከለና ሻዕብያ ቁሩብ ሰብን ዘይጠቅም ጠበንጃን ሒዛ እያ ናይ ሽብር ተግባራት ተካይድ ኔራ። ሕጂ ግና ሓይሊ በጠሎኒ ብብርጌድ ሓሊፎም ብክፍለሰራዊት ከምኡውን ብመከናይዝድ ሰራዊቶም የዕብዮም ይርከቡ። እዚ ከኣ ንሕና ብዝሃብናዮም መሳርያ እዩ። ሓደ መሳርያ ሒዝኩም ትኸዱ ውግእ ምስ ኮነ ንሻዕብያ ኣረኪብኩም ትምለሱ። ስለዚ ኣብዮታዊ መንግስትና ንዓኹምን ንሻዕብያን ፍርቂ ፍርቂ እዩ ዘዕጥቅ ዘሎ። ከምዚ ዓይነት ሽግር እዩ ገጢምና ዘሎ ብምባል ንሰራዊቱ ተዛሪቡ።