Dehai News

(haddas ertra) ሓድሽ ህንጻ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ተኻዪዱሉ

Posted by: Yemane Abselom

Date: Friday, 28 July 2017

 ሓድሽ ህንጻ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ተኻዪዱሉ





መንግስታት ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ኣብ ሓምለ 2014 ብዝኸተምዎ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ከባቢ ማይ-ነፍሒ ብልዕሊ 25 ሚልዮን ዶላር ናይ ዝተሰርሐ ቀዳማይ ገጽ ሓድሽ ህንጻ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት - ስነ-ስርዓት ምርኽኻብ ትማሊ 27 ሓምለ ተኻዪዱ። 

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ነቲ ህንጻ ዝሰርሐ ቻይናዊ ኮርፖረሽን ሲቪላዊ ምህንድስና ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ እቲ ህንጻ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ቻይናን ዘሎ ድልዱል ዝምድና ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ያንግ ዢያንግ፡  እቲ ፕሮጀክት መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ቻይናን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ዝግበር ዘሎ ምድግጋፍ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸቱ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ቻይናውያንን ሰራሕተኛታት ንዝተራእየ ውህደት ሞጒሱ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ፕሮፌሰር ገብረሂወት መድሃኔ፡ እቲ ዘመናዊ ህንጻ፡ ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምራት ዝሳተፍ ዓቕሚ-ሰብ ብብዝሕን ዓይነትን ኣብ ምዕባይ ዝህልዎ ኣበርክቶ ዓቢ ከምዝኸውን እምነቱ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ቻይናዊ ኮርፖረሽን ሲቪላዊ ምህንድስና ሚስተር ዪዋን ሊ ድማ፡ ኮርፖረሽኖም ኣብ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ኤርትራ ኣበርክቶ ምግባሩ ክብሪ ከምዝስመዖ ጠቒሱ፡ ኣብ ምህናጽ’ቲ ኮለጅ ኣብነታዊ ተራ ንዝተጻወቱ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ወረቐት ምስክር ሂቡ።

እዚ ኣብ 37,979 ትርብዒት ሜትሮ ዝተደኰነ ትሸዓተ ብሎካት ዘለዎ ህንጻ፡ ናይ ምምሕዳር፡ ስታፍ መማህራን፡ ላቦራቶሪ፡ ንመምሃሪን መአከቢን ዘገልግል ኣዳራሻት፡ ኣብያተ-ንባብ፡ መምሃሪ ክፍሊታት፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ትምህርታዊ መሳለጥያታት ዘጠቓለለ እዩ።

እዚ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ንኮሌጅ ስነ- ፍልጠት ተዋዲዱ ዘሎ ህንጻ፡ ንኣስታት 6 ሽሕ ተመሃሮ ኣገልግሎት ክህብ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ገጻት ድማ፡ ንኮሌጃት ምህንድስናን ትምህርትን ዘገልግል ህንጻታት ንምስራሕ መደብ ኣሎ።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events