Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ *ብሕውሓት ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ናብ ጎይቶቱ ቀሪቡ ንሻዕብያ ደይ መደይ ኢሉ ይኸስስ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 01 August 2017

*ብሕውሓት ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ናብ ጎይቶቱ ቀሪቡ ንሻዕብያ ደይ መደይ ኢሉ ይኸስስ!
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ወያነ ብናይ ውሽጢ መስመር ኤውሮፓዊ ሕብረት ንኤርትራ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ሰራዊትን ከቢድ ኣጽዋርን ብምጽጋዕ ከሲሳ። ንሰላመይን ንሰላም ጎረባብትናን ክዘርግ ይቀራረብ ስለ ዘሎ ውድብ ጸጥታ ኣቃልቦ ይሃቦ እዩ ዝብል። እቲ ቦታ ኢሎም ዝጠቀስዎ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ብቡሬን ብናድ ጅቡቲ ወገን ዱሜራን እዩ። ምስቲ ክሲ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታትን ተቃወምቲ ዘይኮነ ናይ ሻዕብያ ተወርዋሪ ዝጽውዑ ፍሉይ ኣሃዱ እዩ ክትብል መርትዖ ኣለኒ ትብል ጭፍራ ወያነ። ሃለውለው ብምቅጻል ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ዓገብ ዝብላ ብኣንጻሩ የተባብዓ ኣሎ። እዚ ናይ ኤርትራ ምስቲ ናይ ሶማል ኣጽዋር ጉዳይ ንከይተሓሓዝ ኤሮፓዊ ሕብረት ዝገበሮ ዕንቅፉታት ደው ኣቢሉ ንመግስቲ ሻዕብያ ክቀጽዓልና እዩ ዝብል። ግና ናይቲ ሕብረት ኣንደር ሰክረታሪ እዚ ዘይጠቅም ሃለውለው እዮ ብምባል ናብቲ ፓርላማ ናይ ሕብረት ከየተሓላለፈ እንዳጉሓፍ ደርብይዎ። ወይ ጉድ እዩ ዘብል 90 ሚልዮን ህዝቢ ብሓይሊ ክትጭፍልቅ ፈቲንካ ሕጂ ህዝቢ ምስ ተገምጠለካ ንሻዕብያ ቅጽዑልና ኢልካ ክትበኪ የሕፍር እዩ። ሕጂ ናበይ ከይዱ ንሓንሳብን መወዳእታን ንሻዕብያ ክንቀጽዖ ኢና ፈኸራ፡ ካልኣይ ከኣ ኣብ መሬቱ ሻዕብያ እንተደልዮ የንቀሳቅስ ዋላ ይወዝዕ ንኤርትራ ጥራሕ እዩ ዝምልከት።

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events