Dehai News

Tigrigna.VoanNews.com: ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ትቀራረበሉንን፡ ምስኣ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ሽርክነት ትምስርተሉን ግዜ ኣኺሉ`ዩ ይብል ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 05 August 2017

ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ትቀራረበሉንን፡ ምስኣ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ሽርክነት ትምስርተሉን ግዜ ኣኺሉ`ዩ ይብል ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ

ነሓሰ 05, 2017
ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለ ኮንግረስማን ዳና ሮራባቸር
ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለ ኮንግረስማን ዳና ሮራባቸር

ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለ ኮንግረስማን ዳና ሮራባቸር፡ ሻቕሎት ሰብኣዊ መሰላት ንምሕዝነትና ዝቕይድ ክኸውን የብሉን ይብል።

ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ፡ ኣብ የመን ኢራን ተካይዶ ዘይቀጥታዊ ውግእን፡ ቀዳምነታት ኣሜሪካ ኣብ`ቲ ዞባን፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝግበር ምቅርራብ ደራኺ ከምዝገብሮ እቲ ኣባል ሓጋጊ ባይቶ የስምረሉ። ኣተሓሒዙ፡ በታ ናይ ነዊሕ ጸላኢታ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሕብሪ ዝተቐብአ ፖሊሲ ኣሜሪካ ክቕየር ኣለዎ ይብል።

“ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ተንጠልጢልና ንፖሊሲታትና ክመርሑልና ስቕ ኢልና ክንርኢ የብልናን። ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስትራተጂያዊ ስፍራ እትርከብ ሃገር`ያ። ብመንጽር ጸረ-ሽበራዊ ኩናት፡ ምስ ሓላፍነታውያን ዝኾኑ ሰባት ክንሰርሕ ኣለና። ”

ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ትርከብን፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስን ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ንወተሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ኣተኣናጊዳ`ላ።

ኣሜሪካ ፡ኣብ ግዜ ዝሑል ኩናት ብፍላይ ከኣ ካብ 1943-1977 ዓ.ም፡ ኣብ ኣስመራ “ቃኘው ስተሽን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ መደበር ከምዝነበራ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/3972997.html

 

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events