Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: እናኸደ ዝቐርብ፡ ስነ ጥበበኛ ኣልኣሚን...

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 11 August 2017

እናኸደ ዝቐርብ፡ ስነ ጥበበኛ ኣልኣሚን...
 
 
 
 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

 

ራይሞክ ዳንኤል ካብ ኦክላድ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ናይ ማስተርስ ዲግሪ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ንምድላው ኢያ ናብ ኣስመራ መጺኣ። ዝመረጸቶ ኣርእስቲ ተራ ሙዚቃ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ፡ ነቲ ካብ ክፍላ 1950ታት ክሳብ 1991 ዝሽፍንን፡ ትሕዝቶኣዊ ትንተና ክኸውን ኢያ መሪጻ። ነቲ መደብ ዝምጥን ሓበሬታታት፡ ቀዳማውን ካልኣውን ምንጭታት ድሕሪ ምስራዕ፡ ካብቶም ቃል መሕተት ክግበረሎም ዝሓጸናዮም ሓደ፡ በሃር ስነ ጥበበኛ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ነበረ። 


ብቀጥታ ምስ ደወልክሉ ስሒቑ። ናይ ኩል ግዜ ስሓቑ። ስሓቂ ጥራይ ዘይኮነ ግን ንስሓቕ ወሊዱ ዘዕብይ ኣቦ ስሓቕ ኢዩ። ነቲ ከም መድሃኒት ዝጥቀስ ስሓቕ ዝመልኽ፡ ክእለት፡ ተውህቦ፡ ተመክሮን ወዘተን ይውንን። ምስ ስሓቐ ስሒቐ።


ኣብ እንራኸበላ ኩነት ዋዛታት ይህብ ኢዩ። "ከምዚ ሰሚዕካያ ዶ?" ይብል። እዚ ኣብ ካዛደል ኢጣልያ ልሙድ ምስ ሰላምታ ሕውስ ነብሎ ዕላል ኔሩ። ድሮ ኔሩ ተቐይሩ። 


ወትሩ፡ ሕጒስን ውሽጣዊ ቅሳነቱ ኣብ ግዳሙ ብቅልጡፍ ክንበብ ዘጸግም ኣይኮነን።
ጽፈቱ ጽሬቱ፡ ዘናጥ ኣካድንኡ፡ ምዕቡል ሰብ፡ ክረዳዳእ፡ ክርዳእን ከረድእን ዘይጽገም ስልጡን ሰብ።
... ኣርእስትና ጠቒሰ፡ መዳለዊ ወይ ዝኽርታቱ ኣሐዲሱ ክጸንሕ እትደልዮ ሓበረታ ነጊረዮ። 
"ጽቡቕ" ንእትብል ዘይጠራጠራላ ቃሉ ምስ ሰማዕኩ፡ ናብ ቦታን ሰዓትን ቆጸራ ሓቲተዮ። 
"ገዛ ምጽኡ ተጸሊኡኒ ኣሎ። ቡንን ቁርሲ ቡንን ካባኹም፡ ምፍላሕ ካባና ኢዩ" ኣስሒቑኒ። እዘን ቃላት ናይ መወዳእታ ክኾና ይኽእላ እየን ዝብል ግምት ኣይነበረንን። 


ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኔራ ቆጸራና። ኣብ ሰዓትና ጠበቕ ኢልና፡ "ደኺሙ ደቂሱ ኣሎ እሞ እንታይ ይሓይሽ?"ነታ ሕቶ ካልእ መወሰኽታ ኣይደለናላን። ባዕሉ ክድውለልናን ካልእ መዓልቲ ክንምለስን ተረዳዲእና። ራይሞክ ስራሕ ቀጺላ። ንሓያለ ስነ ጥበበይናታት፡ ኣዘራሪባ፡ መጽሔት ጋዜጣታት፡ ናይ ኦድዮ ደርፍታትን ፖስተራትን ካልእን ደጋፊ ሓበሬታትን መወከሲን ጠርኒፋ ቅድሚ ምብጋሳ፡ "ንኣልኣሚን ከይረኸብኩዎ ይኸይድ ኣለኹ" ብዝብል ተፈልያትኒ። ናይ ብሓቂ ኣነውን ድሕሪ ሕጂ ኣይክረኽቦን እየ። ሰለስተ ሳዕ ቃል፡መሕተት ኣካይደሉ። ብዘይ ስሩዕ ከኣ ካብ 1997 ኣትሒዘ ጽቡቕ ምቅርራብ ኔሩና። ሓደ ካብቶም፡ ኣብ ሳዋ ፡ኣንብህጎ በዓል ምቁር ዕላል ኢዩ ኔሩ። ኣብቲ፡ኣብ ራድዮ ኑማ ንኣስታት ክልተ ሰዓትን ዓሰርተ ደቂቕን ዘካየድናዮ ዕላል፡ ናይ ምዝካር ዓቕሙ፡ ናይ ምዝንታዉ ክእለቱ፡ ናይ ምንጽጻር ብቕዓቱ፡ ፍጻመታት ናይ ምትእስሳር ብሉጽነቱን ሕቶታት ኣብ ምስፋሕን ኣነጺርካ ናይ ምብራህን ምምላስን ሓያልነቱ ዓቢ ትምህርቲ ዝህብ ኔሩ። 


ደርፍታቱ፡ ንፍቕሪ፡ ናፍቖት፡ ኣድናቖት፡ ንትዝታ፡ ንሕድገትን ሰላምን ዘንጸባርቑ ኢዮም። 
"ሰላም ክበለኪ ሰላም ፍቐድለይ
በደለይ ኩሉ ሰርዝዮ ኣይትሓዝለይ" እትብል ባዕላ ሽማግለ ዕርቂ፡ መንጎኛ ዘይትደሊ ዳኛ ፍትሒ ኢያ። ካልእ ሰብን ሓቀኛ ስብእነትን ከመይ ዝበለ ኢዩ? ምንባር እንታይ ማለት ኢዩ? እቲ ልክዕ እንብሎ ሰብ ከመይ ዝበለ ኢዩ? ወዘተ ሕቶታት እትምልስ ደርፉ፡-
" ሰብ ንከብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር 
ክሓስብ ኣለዎ፡ ክግምት ክዝክር "
ነታ ዝዓበየላ፡ ነታ ህይወትን ምንባርን ዘስተማቐረላ ብልቢ ዘፍቅራ፡ ቦታ ወይ ቤት መንእሰይ ኣስመራ ዝኾነት ዓባይ ኣባ ሻውል፡-
"ኣባይ ኣባሻውል ሎሚ ክደርፈላ
ጠሪሻ ብኩላ ከይፈረሰት ከላ" 
...ኣዚምላ። ብዘስቆርቁርን ስምዒት ብዝቕስቅስ ቃና። ትሕዝቶ ናይታ ደርፊ፡ ውከላ ስለ ዝነበሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰማዒ ክንዮ ምምርማር፡ ሙዚቃ፡ ብኣዛማዲ ትንተናን ዓሚቕ ዝኽርን ከስተማቕር ትድርኽ።

ደቂ ጎረቤትና መታን ከቃልሉ፡
ጸብሒ ጾም ይብሉኺ... ይብል ናይ ኣካል ቪታሚን።
ጀለምታ ዘርእስታ ደርፉ ጀለም ዘብል ትሕዝቶ ኢያ ትውንን። ንብዓት ኣየቋርጽን። ትዝታ ወሰን የብሉን። 
ኣብቲ ናይ ዳሕረዋይ መድረኽ ጉዕዞ ሙዚቃኡ፡ 
1 ሎሚ ከም ትማሊ ሃገር ሰብ ኣለዋ
2 ላም ቀርና ኣይከብዳን ኢዩ። ዝብላ ካብተን ዘይሃስሳ ፍራያት እየን።
እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ስራሕ ምምህርና ዝፈለመን ኣቐዲሙ ኣብተን ቀዳሞት፡ ዘመናዉያን ጉጅለታት ስነ ጥበብ ዝተጸምበረ እሞ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ልደት ናብ ማሕበር ተዋስኦ ኣስመራ( ማትኣ) ዝተጸምበረን ከም ኣቦ ዘመናዊ ሙዚቃ ቋንቋ ትግረ ዝስመ ስነ ጥበበኛ ኣልኣሚን፡-
ውላድ ከረን ወ ኣስመራ 
ርኤኩማ ምገብእ ማይ ዛራ 
ሰላም በልዋ ፋጥና ዛህራ
**^^^
ወይ ይማ ይማ ይማ
ወይ ይማ ይማ።
ስነ ጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን፡ ክትግንጽሎ መሊሱ ዝምቅር።፡መመሊሱ ዝምቅር። መመሊሱ ዝናፈቕ ኢዩ ኣፍርዩ። ግን ሰብ ኮይኑ ሰብ ተፋናዊ። ሰብ ከም፡ብርሃን ጸኒሑ ከም ጽላሎት ዝስወር። ስነ ጥበበኛ ብምዃኑ ድማ፡ ብፍርያቱ ህልዋነቱ ይቕጽል። ዓቢ እምባ ኔሩ፡ እምባ ጥበብ!
እዛ ስእሊ ፈለማ ናብ ማተኣ ዝኣተወላን ካብ መጽሔት 1962 ዓወት ዝተወስደት ኢያ።
(ጫሬ)

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events