Dehai News

ስያትል---ደጀን መኸተና

Posted by: abeba ghebremedhin

Date: Sunday, 20 August 2017

ስያትል---ደጀን መኸተና

ስያትል ከምቲ ንፈልጦ ኣብቲ ጫፍ ሰሜናዊ ምዕራብ ሰሜን ኣመሪክ ኣብ ዋሽንግቶን ስተይት ከምትርከብ ርዱእ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ኤሪትራ ኣብ ጫፍ ሰሜን ናይ ኤርትራ ካርታ እንተሪኢና ኣብ መወዳእታ 70ታት ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ቀንድ ማእከል ናይ ሰውራ ጉባኤታት ከም ናይ ሃማደኤ ዝተመስረተሉ ናይ ሰራሕቲኛታት ጉባኤ ካልእን ዝተከየደላ ከተማ ኣራግ ዝዝከር ኢዩ። ሓደ ጊዜ ሕጂ ኣምባሳደር ጸጋይ ተስፋጽዮይ ወይ ጸጋይ ድንሽ ንጦፍ ይኸይድ ነይሩ፡ ሓደ ብጻይ ከኣ ጸጋይ ድንሽ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ ምስ በሎ “ናብ ኣራግ ዳውን ታውን ኢሉ” መለሰሉ ካብኡ ከኣ ዳውን ታውን ኣራግ ተባሂላ ኣብቲ ክፍልና ተፈሊጣ ተዘርጊሓን። በዚ  ከኣ ከተማ ስያትል ካብ 8 ነሃሰ ክሳዕ 13 ነሃሰ ናይ መኸተና ደጀን ኮይና ጉባኤታትን ፈስቲቫል ከም ኣራግ ከተአንግድ  ቀኒያ።

ተሳተፍቲ ዋዕላን ፈስቲፋል ካብ ኩሉ ኣመሪካ ከምኡውን ካብ ኣመሪካ ወጻእን ዝመጹን ንስያትል በቲ ዝነበረ ፍቕርን ኣቀራርባን ተሳትፎን ንህዝቢ ስያትል ዘሕብን ንኩሉ ኤሪትራዊ ከኣ ዘኹርዕን ንዓለም ከኣ ዘገርምን ነይሩ። ንጸላእትና ከኣ ሓመድ ድበ ነይሩ ተበልኩ ዘገርም ኣይኮነን። በዛ ሓጻር ሽዑ ዝገጠምኩዋ ታሪኽ ስያትል ከኣ ይፋነወኩም።


ደቂ ኤረይ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳዕ ራስ ዱመራ
ካብ ባድመ ክሳዕ ደሴት ዳህላክ፡


      እንቋዕ ብደሓን መጻእክን መጻእኩምና
ናብ ደጀን መኸተ ከተማና
ናብዛ ልምዕቲ ደጀን መዲናና ፡


ስያትል መካቲት ካብ 70 ታት
መካቲት ገና ክሳዕ 20ታት
ዘይትሕለል ከምተን ጽኑዓት ደጀናታት፡

      ወራር ተጀመረ
ስያትል ተበራበረ
ከም ንህቢ ዝተበርበረ፡


ስያትል ደጀን መኸተና

     ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ከተተ
ዋልትኡ ጨበጠ
ዲግዲግት ተዓጥቀ፡

ጨረሐ ሎሚ ዘይከተተ ከም ዝሞተ
ብዘይ ሃገር የለን ክብረተ
ፈሰሰ ዶላራት ብሚልዮናተ
ወረደ ወርቂ ኣደታት ብኪሎታት
ደርዓሞ ናይ ኣገልገልቲ ወራራት፡


     ቀጸለ መኸተ ስያትል ከም ጨረር ጸሓይ
ናብ ዋሽንግቶን ኒውዮርክ ብብርሃን ጸሓይ
ናብ ሳንፍራንሲስኮ ብለይቲ ብጸሓይ፡

ስያትል ደጀን መኸተና


     ኣደታት ስያትል ጀጋኑ መከቲ
ኣቦታት ስያትል ጀጋኑ መከቲ
መንእሰያት ስያትል ምስ ዋርሳይ ጀጋኑ መከቲ
ምስ ኩሎም ኣጋይሽ ተጋየሽቲ
ኣኹዱዱ ኣብዚ ጎልጎል ጋሽ-ባርካ ሰቲ፡

ሓደራ ሓደራ መንእሰያት ተረከብቲ ሕድሪ
እንሆ ተረከቡዎ እዛ ሓያል ዕርፊ ሕድሪ
ኣንብርዋ ኣብ ቦታ ናይ ክብሪ
ክትሳስን ክትፈሪ ብንቕሓት ብክብሪ፡

ስያትል ደጀን መኸተና

በሉ ካብ መጻእና ናብዚ ሃገራዊ ንግደት
ኩሉና ብሓባር ንመክት ብንቕሓት
ዋጋ ኣይንሃቦ ንወረ ናይ ሸራፋት፡


     ህዝበይ ሸጥ! ሸጥ! ሸጥ! መዓንጣና
ንሰከም ሓደራ ናይ ዝሓለፉ ህዝብና
ከም ትማሊ ንቀጽል መኸተና
መታን ሰላም ክትርክብ ምጭውቲ ኤሪትራና።


ዓወት ንሓፋሽ
ኣስመላሽ ገብረመድህን
ፈስቲፋል ኤርትራ ሰሜን ኣመሪካ ስያትል 2017



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events