Dehai News

ECSS-Online.com: ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራ ቀዳማይ መጽሓፍ – ኣፈናዊ ነገራት ቀዳማይ ኣርእስቲ – መሰረታውያን ድንጋገታት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 09 September 2017

ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራ ቀዳማይ መጽሓፍ – ኣፈናዊ ነገራት ቀዳማይ ኣርእስቲ – መሰረታውያን ድንጋገታት

ወርሒ መስከረም 9, 2017 ዓም ፈረንጂ

ዓንቀጽ 1. – ተፈጻምነት

(1) እዚ ሕጊ፣ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ-ኤርትራ ተባሂሉ ኺጥቀስ ይከኣል። ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ድማ ተፈጻምነት ይህልዎ።
(2) ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት፣ ኣብ ክለ-ስልጣን ኮማዊ ኣብያተ ፍርዲ፣ ኣብያተ ፍርዲ ዞባ፣ ላዕለዋይን ርእሰ-ኣብያተ ፍርድን ንዚቐርቡ ሲቪላውን ንግዳውን ጕዳያት ንምድናይ ኣብ ዚካየድ መስርሕ ዳንነት ተፈጻምነት ይህልዎ።

ዓንቀጽ 2. – ትርጉም

(1) ኣተኣታትዋኡ ዝተፈልየ ትርጉም ዚህብ እንተ ዘይኰይኑ፣ እዞም ስዒቦም ዚርከቡ ቓላት ወይ ሓረጋት ከምዚ ዚስዕብ ትርጉም ይህልዎም፥

(ሀ) “ቃለ-ማሕላ” ማለት በቲ ወሃብ ቃል ሓቅነቱ ብሕጋዊ ኣገባብ ብዝተዋህበ ማሕላ ወይ ምርግጋጽ ተሰንዩ ብጽሑፍ ዚወሃብ መግለጺ ኽውንቶታት ማለት እዩ።.....................

..................ምንባብ ኣብ ታሕቲ ቀጽል


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events