Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ኤርትራ፡ ብውሑድ ወጻኢታትን ጸዓትን ትሰርሕ ኮምፕዩተር ተማሂዛ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 16 September 2017

ኤርትራ፡  ብውሑድ ወጻኢታትን ጸዓትን ትሰርሕ ኮምፕዩተር ተማሂዛ 

ወርሒ መስከረም ዕለት 15, 2017ዓም ፈረንጂ
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡
Bild könnte enthalten: 5 Personen, Personen, die lachen, Personen, die stehen und Anzug
መሃዝቲ መንእሰያት ኤርትራ

ኤርትራ፡ ብውሑድ ወጻኢታትን ጸዓትን ትሰርሕ ኮምፕዩተር ተማሂዛ 
ሓንቲ ሓሙሽተ አባላት ዘለውዋ ጉጅለ ተማሃሮ ክፍሊ ኮምፒተር ምህንድስና ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂን ሳይንስን ኤርትራ፡ ኣብ ናይ መዛዘሚ ትምህርቲ ፕሮጀክት፡ብኣዝዩ ውሑድ ወጻአታት፡ብውሑድ ጸሓያዊ ጸዓትን ኤለትሪክን ትሰርሕን ብሓሙሽተ ቋንቋታት ክትጥቀመላ እትኽእልን ኮምፒተር ምሂዞም ።

 


“ዕላማ ናይዛ ስራሕ፡ ሕቶ ባጀትን ሃልኪ ጸዓትን ኣብ ግምት ብምእታው ፡ተጠቃምነት ኮምፕዩተር ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ፡ደረጃ ናብራን ትምህርትን ዘለዉ ሕ/ሰብ ንምዕባይ እዩ።" መሃንድሳት ሓድጉ ኣፈወርቂ፡ሄኖክ ጸሃየ፡ኣቤል ክፍሉ፡ስምኦን ዑ/ገርግሽን ስምኦን ኣለማን።


ገለ ካብ ቀንዲ ብልጫ ናይዛ ኮምፕዩተር 8ኦ ሚእታዊት ዋጋን ሃልኪ ጸዓትን ተጉድል፡ክብደታ ፈኩስ መሸፈኒኣ ድልዱል፡ በቐሊሉ ዘይትበላሾ ምስትበላሾ’ውን ብውሑድ ውጻኢታትን ብቐሊሉ ክትጽገን ትኽእልን፡ኣብ ዝተበላሸዋ ኮምፕዩተራት ነታ ክንዲ ኣይፎን ትኸውን ቦርድ ኣላጊብካ ክትጥቀመላ ትኽእል፡30 ከምዚአን ኮምፕዩተራት ብሓደ ናይ መኪና ባተሪ ክሰርሓ ዝክእላ ምኻነን ከምዝኾነ፡ ከም ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ዛ ጉጅለ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣባል ስምኦን ዑ/ገርግሽ ይገልጽ።
ቃለ መሕትት ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቁ
https://tigrigna.voanews.com/a/4029225.html


ቅድሚ ሕጂውን ተመሃሮ እዚ ኮለጅ ድሮን (ሰብ ኣልቦ ነፉሪት)፧ ሓዊ ዘጥፍእ ሮቦት፡ ንቆልዑት ዝምህር ሮቦት፡ ብሞባይልካ ዝዝወራ ማሽነሪታትን ካልእብዙሕ ነገራትን ምህዞም ኣብ ጥቅሚ ኣውዒሎም እዮም።

Bild könnte enthalten: 5 Personen, Personen, die lachen, Personen, die stehen und Anzug
 
 
Kein automatischer Alternativtext verfügbar.
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events