Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ሽዱሽተ ኤርትራውያን መንእሰያት ትሕተ ማያዊት ድሮን ወይ ሮቦት ምሂዞም

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 22 September 2017

ሽዱሽተ ኤርትራውያን መንእሰያት ትሕተ ማያዊት ድሮን ወይ ሮቦት ምሂዞም

መስከረም 22, 2017
Eritrea Underwater Drone
Eritrea Underwater Drone

ተኪአ ታደሰ፡ ኣሜን ክብረኣብ፡ ሰለሙን ወ/ገርግሽ፡ሮቤል መንግስተ ኣብ፡ ኣቤል ሓጎስን ሚልኪያስ ተወልደን ዝተብሃሉ 6 ተመረቕቲ ምህንድስና ኤለክትሪክ ኮለጅ ማይ ነፍሒ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መዛዘሚ ትምህርቶም 50 ብ 50ስ.ሜ ዓቐንን ኣስታት 7 ኪ.ግ ክብደት ዘለዋ ኣብ ትሕቲ ማይ(ባሕሪ)ንምስኣል እተገልግል ትሕተ ማያዊት ድሮን(ሮቦት)ሰሪሖም ኣለዉ።

Eritrea Underwater Drone
Eritrea Underwater Drone

እዛ ሮቦት ብዝተገጠመላ ካሜራን ካልእ መሳርሒታትን ተሓጊዛ ኣብ ውሽጢ ማይ ፡ ሰብ ኣብዘይኣትዎ ቦታታትን ጥልቀትን ኣትያ፡ ዘድሊ ሓበሬታን ስእልታትን ብቕልጡፍ ናብ ኮምፕዩተር ክትልእኽ መሳርሒት ከምዝኾነት ማሃዝታ ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ መደብ መንእሰያት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

https://tigrigna.voanews.com/a/4038952.html



Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com

Eritv

Latest Video


SHE'S THE ONE - ASMARA - ERITREA