Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ንሕሉፍ ምትሕግጋዝ ህውሓትን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ዝዋሃብ ጠዋይ ትንታኔታት።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 24 September 2017

ንሕሉፍ ምትሕግጋዝ ህውሓትን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ዝዋሃብ ጠዋይ ትንታኔታት።

ወርሒ መስከረም ዕለት 24, 201 7ዓም ፈረንጂ

*ኣብ`ቲ ታሪኻውን ጅግንነታዊ ሕዝባዊ ሰውራዊ ዂናት ዝተሳተፍኩም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ሕግሓኤ፣ ነቲ ሕውሓት ብፍላይ ድሕሪ 1998-2000 ዓም ኣንጻር ኤርትራ ዘካየዶ ፍሹል ወራራት ዘካይዶ ዘሎ ዘይነበረን ዝተፈብረኸን ናይ ሓሶት መናፍሕ ታሪኽ በድህዎ።  

*ብርሃነ


ገለ ካብኡ ብዕለት 6-3-2015 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ''ገረግር'' ካብ ዝተጻሕፈ ጠቒሰ መልሲ ክህበሉ እየ። ተጋደልቲ ወያኔ ኣብ ኤርትራ ንሻዕብያ ካብ ምንጋጋ ደርጊ ንምንጋፍ ዘካየድዎ ኲናት፡ምስሊ እንዳ ሻዕብያ ግና ነቶም 13000 ተጋደልቲ ትግራይ ኣብ ምሬት ኤርትራ ኣትዮም ዝፈጸምዎ መስተንክራዊ ስርሒት ናይ ባዕሎም ኣምሲሎም እዮም ዝዛረቡ። ሻዕብያ ግና እንትርፎ ከም ወኻርያ ኣብ ጎዳጉዲ ምሕባእ ካልእ ዝሰርሖ የለን። ሻዕብያ ቅድሚ ወያኔ ንዓሰርተው ሰለስተ ዓመታት ተስፋ ቆሪጹ ኣብ ጎዳጉዲ ሳሕል ተሓቢኡ ኣሪጉ እዩ ነይሩ። እምበር ሻዕብያ ካብ ድፋዕ ወጺኡ ተዋጊኡ ኣይፈልጥን ዝብል ጽሑፍ ምዃኑ እዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ጅግንነትን ትብዓትን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ንምድዋን ዝተፈብረኸ ሰንኮፍ ኣረኣእያ ናይ ብቕርሕንቲ ዝኻሓኑ ነዳያት ባእታታትን ኣአንገድቱ ገረገራውያንን እዩ።መጀመርያ ንክልተ ነገራት'የ ከብርህ፣

ህ-ምትሕግጋዝ ወያኔን ህዝባዊ ግምባርን፡

ለ- ህዝባዊ ግምባር ኣብ ጉድጓድ ወኻርያ ተሓቢኡ ዝዋጋእ ሓይሊ ንዝበልዎ ከብርህ ክፍትን እየ፣

6ይ ወራር ብብዙሕ ሆይሆይታ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነ፡ብምሉእ ምትሕብባር ሶቬት ሕብረት ኣጽዋሮምን ኣማኸርቶምን ስለያን ዝተወሃሃደ ወራር ኣዩ ነይሩ። ነዚ ንምምካት ሰራዊት ህውሓት ከም ተደራቢ ሓይሊ ኣብ ሳሕል፡ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ተሳቲፎም ዓቢ ግደ ተጻዊቶም፡ግቡኦም እውን ፈጺሞም። ንኽልቲኤን ውድባት ኣብዚ ታሪኻዊ ኩነታት ተሓባቢረን ንኽዋግኣ ዝገበረ እቲ ጭካን ስርዓት ደርግን ምትእትታው ሶቬት ሕብረትን እዩ። ሻዱሻይ ወራር ኣብ ቀዋሚ ዕርድታት ጥራይ ኣይኮነን ተኻይዱ፣ብዙሕ ክፋሉ ካብ ቀዋሚ ዕርድታት ወጻኢ ተኻይዱ እዩ። ሰራዊት ወያኔ ናይ ደባይ ልምዲ ዝነበሮ ሰራዊት'ዩ ነይሩ። ገና ምስ ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋር ሶቬት ሽዑ'ዩ ዝላለ ነይሩ፣ብዙሕ ክፋሉ እውን ሓድሽ እዩ።እዚ ተባሂሉ ዘሎ ኣሃዝ ብዝሒ ሰራዊት ወያኔ ናይ ሓሶት ቁጽሪ እዩ፣ሰለስተ ብሪጌዳት ተሳቲፈን ምንባረን'ዩ ዝፍለጥ።ወሳኒ'ዩ ነይሩ ዝባሃል ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ምዃኑ ከብርህ ይፈቱ።

ወሳኒ እቲ ምስ መካናይዝድ ሓይሉ ክሳብ 50 ሽሕ ሰራዊት ደርጊ ዘረብረበ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር እዩ።እዚ ሓይሊ'ዚ ከቢድ ብረት ወሲኽካ 10 ብሪጊዳት ዝነበሮ ሓይሊ ንዓመታት ብደባይን ቀዋምን ቅዲ ኲናት ዝላደየ ሓይሊ እዩ ዝነበረ።ብዘይ ወያኔ ሻዱሻይ ወራር ምፈሸለዶ? ዝብል ኣባሃህላ፣እወ እዩ መልሰይ።ምኽንያቱ ህዝባዊ ግምባር ሓይሉ ብምንቅስቓስ እዩ ንጸላኢ ዝስዕር ዝነበረ፣ደርጊ ነዚ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ እዩ።ንኣብነት ብባርካ ክጎብጠና ዝመጸ ''መብረቅ እዝ'' ደምሲስና፡ሓይልና ብምንቅስቓስ፡ብሸነኽ ቃሩራ ደምቦቤት ዝሰሎኸ ሓይሊ ተደምሲሱ።ወያኔ ድሕሪ'ዚ ውግዚ እዮም ተሳቲፎሞ።ኣብ ውግእ ጋንታ ትኹን ክፍለሰራዊት ነናተን ግደ ኣብ ውግእ ኣለወን።ስለዚ እቲ ሰራዊት ህውሓት ዘራኣይዎ ጅግንነት ዓብን ኣገዳስን እዩ ነይሩ፡ወሳኒ ግን ኣይነበረን። ወሳኒ እቲ ምኩር ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ኣዩ ነይሩ።ከም ኣብነት ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ንምድምሳስ መካናይዝድ ብሪጌድ ህዝባዊ ግምባርን ሓደ ቦጦሎኒ ኮምንዶ ህዝባዊ ግምባር ተሳቲፎም፣እዚኣቶም ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ወሰንቲ ነሮም ድዮም? ኣይነበሩን። ወሳኒ ሓይሊ እቲ ዝሓበረ ሓይሊ ኢሂወደግ እዩ ነይሩ።ናይ ሻዱሻይ ወራር እውን ተምሳሉ እዩ ነይሩ። ብዘይ ደገፍ ወያኔ ሻዱሻይ ወራር ክምከት ኣይከኣልን ነይሩ ዝባሃል ካብ ሓቂ ዝራሓቐ እዩ።ዝኸፍአ ውግእ ሰላሕታ ወራር እዩ ኣጋጢሙና።ኣብ ሰላሕታ ወያኔ ኣይነበሩን ከመይ ገይሩ ደኣ ህዝባዊ ግምባር መኪትዎ? ብብልሓትን ምትዕጽጻፍን ተወፋይነትን እዩ'ቲ መልሲ።


እቲ ሻዕብያ ካብ ጉድጓድ ወኻርያ ከይወጸ ዝዋጋእ ኣብ ጎዳጉዲ ሳሕል ዝኣረገ ውድብ ዝብል ናይ ክሑናት ልቢ ኣባሃህላ፣ጥራይ ዘይኮነ ገለ ካብ መራሕቲ ወያነ እውን ሰሚዐዮ እየ፡''ሸብረኽ'' ኢሉ'ዶ ገለዶ እናበሉ እውን ይዛረቡ ነይሮም እዮም።

እምበኣር ቀዋሚ ዕርድታት ህዝባዊ ግምባር፡ዋልታ ደጀን ህዝባዊ ግምባር እዩ፣ወታሃደርዊ ግምባር ብዘይ ደጀን ጠጠው ክብል ኣሸጋሪ ኣዩ።እምበኣር ደጀን ህዝባዊ ግምባር፡ዓበይቲ ሆስፒታላት፡ፋብሪካ መድሃኒት፡ፋብሪካ ሽዳ፡ፋብሪካ ባተርን ጎዝን ሞዴስን ጋራጃትን ወዘተ ዝተተኽሎ፣በቲ ካልእ ድማ ካብ ዓድታቶም ዝተመዛበሉ ህዝቢ ዘዕቆበ፡ቆልዑ ዘዕቢ ትካላትን ኣብያተ ትምህርቲ ኣካዳምን ትክኒክን ዝማሃሩ መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝሓቖፈ እዩ ነይሩና።ወያኔ ዓቕሚ ተክኒክ ዝባሃል ኣይነበሮምን፡ሓደ ሓደ ኪኢላታት እንተረኸቡ እውን መሳርሒ የለን፣ኣብ መብዝሕትአን ክፍልታት ህዝባዊ ግምባር መንእሰያት ሰዲዶም የምህሩ ነይሮም።ኣሽሓት ወታሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም ዓጢቖም ይኸዱ ነይሮም፣ሕጂ ንህዝባዊ ግምባር ኢደሰባራ ክገብሩዋ ግቡእ ኣይኮነን። መቐለ ምስ ሓዝዋ ዓዲ ጸልሚታ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ንጉሰ(ክሻ) ተኽለ ሕድሩን ዝመርሕዎ ጉጅለ ኪኢላታት ካብ ባጽዕን ሳሕልን ዝመጹ እዮም ኣብሪሆማ እዚ ሓቂ'ዶ ኣይኮነን? ኣብ ገዳርፍ ዝነበረ ጋራጅ ወያኔ ብሓገዝ ክፍሊ መጓዕዝያን ኢደስርሓትን ብሓባር መሳርሒ ብምሃብ ከምዝቐውም ኣይተገብረን ድዩ፣


ኣብ መውዳኣታ ክብሎ ዝደሊ እንተሎ፡ምድምሳስ ውቃው እዚ፡ምድምሳስ ናደው እዚስርሒት ፈንቅል ዛዛሚ ኲናት ናጽነት ግምባር ደቀምሓረ፡እዚ ኲናት እዚ ኣብ ቅዋሚ ዕርድታት ጉድጓድ ወኻርያ ድዩ ተኻይዱ? ነቲ ምኩር ሓይሊ ባሕሪ ዝሰዓረ ዕሸል ማሪን ኮማንዶ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ማዕበል ባሕሪ እናሕምበሰ ወደብና ባጽዕ ሓራ ዝገበረ ኣብ ቅዋሚ ዕርድታት ድዩ ተፈጺሙ?ስለዚ ሓሰውትን ወቀርትን ሓምሮግቲ ታሪኽ ኣፍኩም ሓዙ። እቲ ምትሕግጋዝ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ባህርያዊ ስለዝኾነ ብድሕሪ ሕጂ እውን ናብ ዝዓበየ ምትኽግጋዝ ክድይብ ምዃኑ ንኹሎም ደለይቲ ሰላም ከዘኻኽሮም ይደሊ።


ኣበድ ተስፋይ

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events