ሰራውር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ማእከል
28 መስከረም 2017
ኣብዚ ቅንያት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝብገስ ብዛዕባ "ቅኒት መዝርሙ ሰላም ንክልቲኡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን" ዝብል ጎስጓሳት ቀንዩ። እቲ ሓዲሽ ዝመስል "ቃና መዝሙር ሰላም" ብጉድሳት ዜጋታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ከምዝተበገሰን ዕላምኡ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምቅርራብ ንሰላም ምዃኑ ቡዙሕ ክዝረብ ጸኒሑ።
እዚ ምሉእ ብሙልእ ሓሶት ምዃኑ ዘረጋግጽ ሰነዳት ኣብ ኢድ ሰራውር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ማእከል በጺሑ ኣሎ። እዚ ካብ ሓደ ኢትዮጵያዊ ምንጪ ዝተረኽበ ሰነዳት ከምዘረጋግጾ፤ ወያነ ባዕሉ፣ ብመንገዲ ናይ ድሕነትን ወጻኢ ጉዳያትን ትካላቱ ዘበገሶን ከትግብሮ ዝፍትን ዘሎ መደብ ምዃኑን፣ ዕላማታቱ'ዉን ከም ቃና መዝሙሩ ከምዘይኮነ ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ናይ ኣርባዕተ ካብቶም ሰነዳት ዝርዝራት ከነቕርብ ኢና። እተን ሰለስተ ሰነዳት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ክኾና ከለዋ፣ እታ ራብዓይቲ ብእንግሊዘኛ እያ። ናይ ወያነ ጸጥታ፣ ነዚ መደብ ከም ኣዳላዊ ዝመረጾ ውልቀ ሰብ ኣብርሃም ገብረሊባኖስ ለምለም ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ፣ ተቀማጣይ ኣዲስ ኣበባ ብስም ሰለብሪቲ ኢቨንትስ (celebrity events) ክነጥፍ ናይ ንግዲ ልቸንሳ ተዋሂብዎ።
እቲ ቀዳማይ ሰነድ ከምዝሕብሮ፣ እቲ ብምምሓዳር ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ንግዲ ቢሮ ፣ ዝተዋህበ ልቸንሳ ካፒታሉ 15,000.00 ብር ጥራይ ምዃኑ የርእይ። እቲ ልቸንሳ ዝተዋሃበሉ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ብዕለት 12 ጉንበት 2017 ከምዃኑን፣ ዝነጥፈሉ ንግዲ ድማ ናይ ትራንስፖርት ደጋፊ ኣገልግሎት ከምዃኑ እቲ ሰንድ ይሕብር።....................................
...............ኣብ`ቲ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም እቲ ዝርዝር ሓበሬታ ኣምብብዎ።
ብርሃነ ሃብተማርያም