Dehai News

መልሲ ን `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ'

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 08 October 2017

መልሲ ን `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ`
By Eritrean Media Group Holland

ጥቅምቲ 8, 2017 ዓም ፈረንጂ

ኣብ መስከረም `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ` ብዝብል ኣርእስቲ ብጸጋይ ኣስመሮም ተዳልዩ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ዘንበብናዮ ብዙሓት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣነ ሓደ ካብቶም ዘንበቡ ስለ ዝኾንኩ ከምቲ ብቕድሚኡ ን`መዝሙር ሰላም` ኣመልኪቶም ዝቐረቡ ጽሑፋት ኣንቢበ ትም ዝበልኩ ሕጅስ ከጽቅጥ ኣይመረጽኩን። እነሆ ድማ ከም ኤርትራውን ናይቶም ንውዲታት ሃጸይነትን ዝርያ ክልቲኡ ደምበታትን ከምኡውን ቀንዲ መጋበርያኦም ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንበይኖም ገጢሞም ውዲታት ዘምከኑን ብቕልጽሞም ናጽነቶም ዝኣወጁን ጀጋኑ  ኣቦታት ውላድ ምዃነይ ስለ ዝሕበን፣ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ምስሉይነትን ንገርሀኛታት ከደናግር ተባሂሉ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢለ ክምልሰየ።

ጸጋይ ኣስመሮም ብመሰረት ኣርእስቲ ጽሑፍካ `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ` ኣነን ከምናተይ እምነት ዘለዎም ደሚርካ ብኤርትራውነትና ንኾርዕን ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ይምልከት ኢልና ንኣምንን፣ ካብ ኢድ ምዕራባውያን ብመንገዲ ወያነ ትኳቦ ዘይንጽበን ስለዝኾና ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ታሪኽን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ወለድና ኢና ንመስል። ንስኻን መሰልትኻን ድማ ምናልባት ውላድ ናይቶም ምስ ስርዓት ሃይለስላሴ ይኹን መንግስቱ ተጸጊዖም ህዝቢ ኤርትራ ዘድመዩን ዘሳቐዩን፣ ጉዕዞ ናጽነትና ኪዓናቕፉ ዝሰርሑን ኣዝዮም ውሑዳት ከዳዓት ስለዝኾንካ (ብመሰረት ጽሑፍካ)  ንመን ድኣ ክትመስል ንወለድኻ እምበር። እዚ ዝሕመረቱ ጽሑፍካ እምበኣር ወያነ - ወያነ ከምዝሽትት ነዞም ዝስዕቡ ጭብጥታት ንመልከት። ..........

............ኣብ ታሕቲ ምንባብ ቀጽል።

ምንጪ ጽሑፍ፡ መርበብ ሓበሬታ ሰኪዔት መስከረም

217026-መልሲ ን `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ`.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events