Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ፡ ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ “ዞባዊ ምትሕብባር፡ ምርጫ ዘይኮነ ግድነታዊ እዩ” ፕረዚደንት ኢሳይያስ-1ይ ክፋል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 11 October 2017

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ “ዞባዊ ምትሕብባር፡ ምርጫ ዘይኮነ ግድነታዊ እዩ”
ፕረዚደንት ኢሳይያስ-1ይ ክፋል
ጥቅምቲ 11, 2017
ዞባዊ ምትሕብባር፡ ምርጫ ዘይኮነ ግድነታዊ ምዃኑ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ድማ ምህዳስን ቅርጻዊ ምትዕርራይን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ከምዝኾነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ።
 
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ንተራ ኣፍሪቃ ኣብ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት፡ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ቅርጻዊ ምትዕርራይ ሕብረት ኣፍሪቃን ርእይቶ ኤርትራን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ 30 ዓመታት ዕድመ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዘይሰመረ ሃንቀውታ ኣህዛብ ክደግሞ ስለዘይብሉ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዘለዋ ስክፍታ ዝሓዘ ርእይቶ ዘብርህን ንናይ ሓባር ረብሓ ዝሰርሕ ኩነታት ንኽህሉ ዝጠልብን መልእኽቲ፡ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝሰደደት ብምሕባር፡ ተሓባቢርካን ጸጋታትካ ኣጐሳጒስካን ክትሰርሕ ከለኻ ዝያዳ ኣድማዕነትን ዝበለጸ ዕድልን ስለዘለዎ፡ እቲ ሕብረት ነዚ ብዝምልስ ኣገባብ ክህደስ እዋኑ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
 
“ኣብ’ዚ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ዝተዋሰነ ክፍለ-ዓለም፡ ኣፍሪቃ ጥራይ’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዚ 60 ሚእታዊት ናይ ጸጋታት ዓለም ዘለዎ ክፍለ-ዓለም፡ ንኻልኦት ክሕግዝ እናተገብኦ ብሓገዝ ካልኦት ክነብር ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝተፈላለየ ኣስማት እናተዋህቦ ዝካየድ መጋባእያታት እውን ንጸጋታት ኣፍሪቃ ካብ ምምዝማዝ ሓሊፉ ዘምጸኦ መሰረታዊ ለውጢ የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ጠንቂ ፍልሰት መንእሰያትን ዘይሕጋዊ ስደትን ኮይኑ ምህላዉ ኣረዲኡ። ኣፍሪቃ ካብዚ ኩሉ ናብ ዳግማይ መግዛእቲ ዘእቱ ጸገማት ክትገላገል እንተኾይና፡ እቲ ንዓኣ ዝውክል ውድብን ካልኦት በብዞብኡ ዝቘሙ ውድባትን፡ ንክውንነት ናይ’ቲ ክፍለ-ዓለምን ሃንቀውታ ሕብረተ-ሰባቱን ዝውክል ቅርጺ ሃልይዎ፡ ብናይ ሓባር ጻዕሪ - ቅኑዕ ናይ ተሃድሶ መገዲ ክቕይስ ከምዝግባእ ድማ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንኣገዳስነት ቅርጻዊ ምትዕርራይ ብዝምልከት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዘሎ ቅርጺ ናይ’ቲ ሕብረት፡ ቅዳሕ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምዃኑ እዚ ድማ ናቱ ጸገማትን ሰለሎን ስለዘለዎ፡ ንክውንነት ናይ’ቲ ክፍለ-ዓለምን ኩነታት ኣህዛቡን ብዝውክል፡ ከምኡ’ውን ምስ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ብዝሳነ ቅርጺ ክትካእ ኣገዳስነቱ ዓቢ ምዃኑ ብምሕባር፡ ረብሓ ናይ’ዚ ንኹሉ ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ምቕሉል ተራኣ ክትጻወት ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊጹ።
 
ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኩነታት ጥጡሕ ኮይኑ፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝሕግዝ ኩነታት እንተዘይብሉ፡ ኣብ ጸገማትን ንዓኡ ኣብ ምፍታሕን ሸንኰለል ጸሚዱ ካብ ምዕባለን ምዕሩይ ጽምዶን ዝዕንቅጽ ስለዝኾነ፡ ጉዳይ ምህዳስን ቅርጻዊ ምትዕርራይን ሕብረት ኣፍሪቃ ይጽናሓለይ ዘይበሃል፡ ንኹለን ሃገራት’ቲ ክፍለ-ዓለም ብማዕረ ዝምልከት ከምዝኾነ ኣነጺሩ።........................
 
...............ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ሕጥበ-ጽሑፍ ተዊቕኩም ምንባብ ቀጽልዎ።
ብርሃነ ሃብተማርያም
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events