Dehai News

ECSS-Online.com፡ ቃለ-መሕትት፡ “ዞባዊ ምትሕብባር፡ ምርጫ ዘይኮነ ግድነታዊ እዩ” ፕረዚደንት ኢሳይያስ (1ይን 2ይን 3ይ መወዳእታን ቃለ-ምልልስ)

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 14 October 2017

ቃለ-መሕትት፡ “ዞባዊ ምትሕብባር፡ ምርጫ ዘይኮነ ግድነታዊ እዩ” ፕረዚደንት ኢሳይያስ (1ይን 2ይን 3ይ መወዳእታን ቃለ-ምልልስ)

ጥቅምቲ 14, 2017 ዓም ፈረንጂ

"ኣብ ብሕታዊ ክፋል - ‘ኣነ ገንዘብ ኣለኒ ከውፍር እኽእል እየ’ ዝብል ሰብ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ከውፍር ይኽእል እዩ። ናይ ብሓቂ ዓቕሚ ዘለዎም፡ ንጥፈታት ወፍሮም ኣብ ‘ቁጠባ ሃገርን መነባብሮ ህዝብን’ እንታይ ኣበርክቶ ይገብር ተረዲኡዎም ክሰርሑ ዝደልዩ እንተደኣ ኣለዉ - እነሆ ጐልጎል እነሆ ፈረስ"።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ7 ጥቅምቲ፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባትን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ቃለ-መሕትት፡ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣካዪዱ። ኣብ’ዚ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ ቃለ- መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ውሕስነት መግቢ ዘሎ ኣተሓሕዛን ገስጋሱን፡ ክዘና ማይ ንምዕባይ ዝተተግበሩ ፕሮጀክትታትን ናይ መጻኢ መደባትን፡ ናብ መስኖኣዊ ሕርሻ ንምስግጋርን እቶት ንምኽዕባትን ዝተገብረ ወፍሪን ውጽኢቱን፡ ሸርፊ ባጤራ ንምርግጋእን ኮንትሮባንድ ንምቊጽጻርን ክካየድ ዝጸንሐ ስራሓት፡ ኣብ መተካእታ እታው ዝነጥፍ ኢንዱስትሪያዊ ብሕታዊ ክፋል ንምስታፍ ዘሎ ተኽእሎን ብመንግስቲ ክግበር ዝግባእ ምትብባዕን፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ብመንጽር ዝጽበየና ዘሎ ሰፊሕ ልምዓታዊ መደባት፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይሊ መኸተኡን፡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ምዕባር ክራማት ሎሚ-ዘበን ተፈጢሩ ንዝነበረ ሻቕሎትን መደባት ውሕስነት መግቢን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ውሕስነት መግቢ ከም ናይ መወዳእታ ዕላማ ክውሰድ ስለዘይከኣል፡ ኪኖኡ – ኣብ ዓይነታዊ ለውጢ መነባብሮ ክትሓስብ ከምዝግባእ፡ እቲ ቀዳማይ ረቛሒ ድማ ምፍዋስ ማይ ክዖታት፡ ምቊጽጻር ማይ፡ ምድላው መሬት፡ ምውዳድ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጽን ምትእትታው ቴክኖሎጂን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝተዋህለለ ተመኲሮ ቀሊል ከምዘይኮነን ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ተበጺሑ ከምዘሎን፡ ንዝበረኸ ውጽኢት ድማ ንኹሉ ዓቕሚታትና ብግቡእ እናኣጐሳጐስና፡ ዓጸፋ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊጹ።....................

"እቶም ካብ ደገ ብናይ ከትሪ ባንክታት ኣቢሎም ናብ ቤተ-ሰብ ገንዘብ ዝሰዱ ዘለዉ፡ ዘይሮም-ዘይሮም ንሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ይቐትልዎ ከም ዘለዉን፡ እቲ ክሳራ ዘይሩ-ዘይሩ ንዓኣቶም’ውን ምዃኑን፡ ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም። ናይ ዝተፈላለዩ ባጤራታት ምንቅስቓሳት፡ ናብ ምንታይ ይኸይድ ከምዘሎ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ"።

......ምንባብ ቀጽል።


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events