Dehai News

ከዳዓት ደቂ ሃገር ፣ ትርጉም ህግደፍ ትፈልጥዎዶ?

Posted by: Tesfamariam Hagos

Date: Monday, 16 October 2017

 

ከዳዓት ደቂ ሃገር ፣ ትርጉም ህግደፍ ትፈልጥዎዶ?

ብተስፋማርያም ሓጎስ

ንሓደ ሰብኣይ ክትቅተል ተወሲኑልካ ኣሎ ኢለሞ ። ንሱ ድማ ብሰብ ኢኻ እትቕተል ምስ በልዎ ዝሃቦም መልሲ ምቕታልስ እቀተል እቲ ዝቐትለኒ ሰብ ግን ምሁር ይኹነለይ በለ ይበሃል።
ኣብ እተካይዶም ስራሓት ብዙሓት ሰባት ዕላማን ውጽኢት ስራሕካን ብግቡእ ገምጊሞምን ተረዲኦምን ኣብቲ ኣዎንታዊ ሸነኹ ሞገስን ምትብባዕን ሓገዝን ይግብሩ ፣ ገለ ጉድለታት ምስ ዝህሉ ድማ ሃናጺ ርእይቶን ሓሳብን ክውፍዩ ይረኣዩ። ገለ ብተፈጥሮ ዝምቡዓትን ጎደሎን ኮይኖም ዝተፈጥሩን ፣ ርእሰ ተኣማንነት ዝጎደሎምን ድኹማት ድማ ንነገራት ክርድኡን ክግምግሙን ስለ ዘይክእሉ ዓይኖምን ነቲ ድኹም ሕልንኦምን ዓሚቶም ሙዚቃ ጸላኢ እናደገሙ ፣ ኣብ እግሪ ጸላእቶም ተምበርኪኾም፣ ብፕሮፓጋንዳ ጸላኢ ተመሊኦም ኣብ ንዘለኣለም ክወጽእዎ ዘይክእሉ ታኼላ ተሸሚሞም ብኡ ኣቢሎም ይዓርቡ።

እዞም ከዳዓት ደቂ ሃገር ብሓሶትን መናፍሕን ጃንዳ ወያነ ተመሊኦም ዝኣተዉዎ ታኼላ ሕሰም ምስ ለብለቦም ዓንጺ ዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝበሃል ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ጠንቂ ስደቶም ብምግባር ከካፍእዎ ይውዕሉ ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ንዝዓበየ ንዝነኣሰ ኤርትራዊ ዝብሎን ዝበሎን እንተሃልዩ፣ ንሕና ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ከርተት ዝበልናን ዝደሜናን ዝቖሰልናን ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈልናን፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብነጻነትን ሓርነትን መታን ክነብር፣ ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ዓለም ፋሕ ኢሉ ሕሱም መነባብሮ ስደት ዘሕልፍ ዘሎ ኤርትራዊ ዓዱ ክምለስን፣ መጻኢ ትውልዲ ውግእን ወረ ውግእን ከይርእን ከይሰምዕን እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብትምህርቲ ተኾስኲሱ ክዓብን፣ ብሃገራዊ ፍቕሪ ተኾስኲሱ ነዛ ኣያታቱን ኣዴታቱን ረዚን መስዋእቲ ከፊሎም ዘረከብዎ ነጻ ኤርትራ ኣለኹልኪ ሃገረይ ኣነ ብደወይ ከለኹ መን እዩ ዝደፍረኪ ዝብል ነቕ ዘይብል ብዝረብሑን ዘይረብሑን ዘይድፈር ዓርሞሽሽ ህዝባዊ ሰራዊት ከቕውም፣ መንእሰይ ኤርትራ በቲ ክምህ ዘይብል ኒሑን ጉልበቱን ሃገሩ ክሃንጽን ከልምዕን ንኤርትራ ማዕረ ዓለማ ክሰርዓን ሰማእታቱ ዘረከብዎ ሕድሪ እዩ። እዚ ሕድሪ ናይቶም ሚእቲ ሽሕ ሰማእታትና ኣብታ ብደም ዝጨቀወት ጥውያ ነጸላ ቆጺሮም ነቶም ብህይወት ዝኣተዉ ጀጋኑ ብጾቶም ኣረኪቦሞም ንሳቶም ከኣ ንዓና ኣረኪቦሙና።

ኣብቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ብዙሓት ኤርትራውያን ውድባት እኮ ኔረን እየን ፣ ተቓሊሰን ቆሲለን ሰንኪለን መስዋእቲ ከፊለን እየን። ኣብቲ ዝርዝር ክኣቱ ኣይደልን እቲ ምንታይ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ተዘሪብሉ ስለ ዝኾነ። ይኹን እምበር ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪር ቃልሲ ብምክያድን ረዚን መስዋእቲ ብምኽፋልን ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ዘብጸሐን ንመላእ ኤርትራ ነጻ ዝገበረን ግን ህግሓኤ እዩ። ህግ ዝፈጸሞ ቅያ ጅግንነት ኣብ ዓለም ካብ ዝተኻየዱ ሓርነታውያን ቃልስታት መዳርግቲ ኣልቦን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እዩ፣ እቲ ምንታይ እቶም ካልኦት ሓርነታውያን ቃልስታት ናይ ጎረባብትን ሓንቲ ካብተን ክልተ ርእሰ ሓያላን ናይ ዓለምና ናይ ዕጥቅን ስንቅን ደገፍ ኔርዎም እዩ። ህግ ግን ዝድግፍ ጎረቤት ኣይነበሮ ናይ ስንቅን ዕጥቅን ደገፍ ዝህብ ጎረቤት ይኹን ርእሰ ሓያላን ኣይነበሮን ብኣንጻሩ እተን ርእሰ ሓያላን ዓለምና በብእብረ ኣብ ጎድኒ ጸላኢና እየን ኔረን። ከምኡ ውን ጎረባብትና ጉልባቦም ዝቐልዑ መርገጺ ኣልቦ ስለ ዝነበሩ ካብኦም ንረኽቦ ደገፍ ኣይነበረን እንተ ኔሩ ስማዊ እዩ። ህግ ግን ንጸላኢ ብብረቱ ብጥይቱ፣ ሓይልና ህዝብና፣ ነብስኻ ምኽእል ኣብ ዝብል መትከል ረጊጹ እዩ ንሽሾ ጸላእቱን ዓንገልቶም ርእሰ ሓያላን ትሕቲ መሬት ኣስፊሩ ንኤርትራ ነጻ ዘውጸአ።

ህግ ሃገር ነጻ ወጺኣ ኢሉ ኣራጢጡ ኮፍ ኣይበለን፣ ነታ ካላሽኑ ንጐድኒ ኣቐሚጡ ሓመድ እግሩ ከይነገፈ ዛባን ኣፍራዛን ሒዙ ነታ ዝዓነወት ሃገር ኣብ ምህናጽ እዩ ተጓይዩ። በዚ እዩ ከኣ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝዛዘመ ህግሓኤ ኣብቲ ካልኣይ ምዕራፍ ዝተሰጋገረ ህግደፍ ዝብል ናይ ቃልሲ ውርሻን ሕድርን ሰማእታቱ ዝተቐበለ ውድብ እዩ። ህግደፍ ክንብል እንከሎና ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ቅጅል ክብል ዘለዎ እቶም ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ዝሓለፉ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መሳቱናን መተዓብይትናን መማህርትናን ፣ እቶም ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ኣዒንቶም ዝሰኣኑ፣ ክልተ መሓውሮም ዝሰኣኑ፣ ክልተ ኣእዳዎም ዝሰኣኑ፣ ዓንዲ ሕቚኦም ዝተሰብሩ ፣ ኣብ ዓረብያ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ኩሎም እዚኦም እዮም። ስለዚ ሎሚ ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ተምበርኪኽካ ስም ህግደፍ ከተጸልም ምውዓል መወዳድርቲ ዘይርከቦ ገበን እዩ። ኣንቱም ከዳዓት ንምዃኑ ብዘበን ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ዑና ዓደብርሂም ጸላም ሰንበት ኣቝርደት ዝተፈጸመ ህልቂት ትፈልጡዶ? መን ፈጺምዎ! ሰራዊት ኢትዮጵያ ደይኮኑን! ኣብ ዘበነ ደርጊ ኣብ ሞልቂ ኣብ ሽዕብ ኣብ ምጽዋዕ ዝተፈጸመ ህልቂት ረሲዕኩሞ ዲኹም ወይስ ኣይትፈልጡን ኢኹም ? እዛ ሓንካስ ጭፍራ ዝፈጸመቶ ግፍዕታት ዘዕነወቶ ዓድታትከ ረሲዕኩሞ ማለት ድዩ ? ነዚ ኩሉ እናረኣኹም ኣብ ብርኪ ወያነ ተምበርኪኽኩም ስም ህግደፍ ከተጸልሙ ከለኹም፣ እዚኣቶምሲ እምበርዶ ኤርትራውያን እዮም ? ወይሲ ፍርቂ ኣካሎም ተጋሩ እዮም ዝብል ሕቶ የለዓዕለልካ። ኣብ ስራሕ ኣብ ገለ ጉድለታት ዘይክንረዳዳእ ንኽእል ኢና ፣ ይኹን እምበር ምስቶም ንሰላሳ ዓመታት ብዘይ ምቍራጽ ደምና ዘፍሰሱ ዓድታትና ዘዕነዉ ኢትዮጵያውያን ኮይንካ እቲ ንሶም ዝብልዎ መዛሙር እናዘመርካ ኣንጻር ሃገርካ ምዃን ግን ኣዝዩ ከቢድ ገበን እዩ። ኣይፋልኩም ከዳዓት ስም ህግደፍ ኣይተልዕሉ፣ ብሰማእታትና ኣይትምጽኡና ነዛ ሃገር ክንደይ ብሉጻት እኳ ኢና ከፊልና ! ኣይፋልኩም ከዳዓት ብስዉኣትና ኣይትምጽኡና ባሕሪ ከብድና ኣይትነቓንቕዎ ንሕልናና ኣይትጕድእዎ ! ህግደፍን ኤርትራን ሰማእታትናን፣ ከም ዘይነጻጸሉ ሰለስተ ስላሰ እዮም፣ ነዚኦም ዝትንክፍ ወይለኡ ! ንነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ጥቓኹም ኢና ዘለና፣ ካብ ዓይንና ዝተኸወልኩም ከይመስለኩም ።

ህግደፍ ነታ ሕድሪ ሰማእታቱ ዝኾነት ነጻ ኤርትራ ክሃንጻ መነባብሮ ህዝቢ ክመሓየሽ፣ ቍጠባ ሃገር ክሃንጽ ለይትን ቀትርን ኣስሚሩ ዲጋታትን ሓጽብታትን ዝሃንጽ ዘሎ ፣ ሕርሻዊ እቶት ህዝብና ተመሃይሹ ካብ ልመናን ምጽወታን ድሒንና ነብስና ንኽንክእል ዝሰርሕ ዘሎ። ሎሚ ጥብ ዝበለትን ኮረር ዝበለትን ማይ ካብ ኤርትራ ከይትወጽእ ንምግባር ዝተዓመመ ስርሓት ኣብ ኣፍሪቃ ብቀዳማይ ደረጃ ከም እንስራዕ ጌሩናሎ።ጥዕና ሕብረተሰብ ክሕሎ መንግስቲትካላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ኣብ ነፍሲ ውከፍ ዞባ ሃኒጹ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ ዓለም ዝመስከረሉ ሓቂ እዩ። መንእሰይ ትውልዲ ብትምህርቲ ተኾስኲሱ ክዓቢ ኣብዛ ሃገር ቤት ትምህርቲ ዘይብላ ዓዲ ዳርጋ የላን፣ መንግስቲ ንምስፋሕ ትምህርቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ምዕራብ ውን የሎን። ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ብነጻ እዩ፣ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብዘይ ገለ ክፍሊት እዩ። ሃገር ብምልእታ ብመራኸቢታት ክትተኣሳሰር፣ ሎሚ ዳርጋ ጽርግያ ዘይ ኣተወን ዓድታት የለዋን ክንብል ንኽእል። ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍን፣ ካብ ዝኾነ ተጻባኢ ንሃገሩ ዝከላኸል ናይ ኣየርን ምድርን ባሕርን ሰራዊት ክሃንጽ ዝብሉ ካብ ብዙሓት ውሑዳት እዮም። እዚ ከኣ ምህናጽ መደበር ታዕሊም ሳዋ ፣ ኣብቲ ጭፍራ ወያነ ዝወለዓቶ ወራር ኣናብስ ሳዋ እንታይ ቅያ ሰሪሖም እግሪ መኸል ዓዲ በጊዖ ባረንቱ ተሰነይ ጾረና ሰንዓፈ ጀጋኑ ሳዋ እንታይ ተኣምር ሰሪሖም፣ ሰራዊት ወያነ ከም ፍሊት ዝነስነስካሎም ተዛሕዚሖም ። እታ ሃገር ብዝረብሑን ዘይረብሑን መታን ከይትድፈር ንቕሓት ዝዓጠቐ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ኣለኹልኪ ሃገረይዝብል ሰራዊት ክህነጽ ኣለዎ እትብል ሕድሪ ሰማእታት ብርግጽ ኣብ ግብሪ ተራእያ። እወ መን ድዩ ህግደፍ ተቐባል ሕድሪ ሓበን ሃገር እኮዩ። መትከል ህግደፍ መትከል ጽንዓት ጅግንነት ተወፋይነት እኮዩ ! ጸላእትና ዝድላዮም እንተ ገዓሩ ኣይኮነንዶ ንዓና ንህግደፍ ከፈራርሑስ ይትረፍ ኣብ ጸጕርና ንዝዓለበ ጽንጽያ ውን ከንፍሩ ኣይክእሉን እዮም። መትከል ህግደፍ መዓስ ንኤርትራ ጥራይ እንተላይ ንጎረባብትናን መላእ ኣፍሪቃ ውን እዩ።

ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት መስመሮም ዘይስሕቱ ብብዝሒ ኣጽዋርን ሰራዊት ጸላኢ ዘይደሃሉ ፣ መዓስን ኣበይን ንጸላእቶም ስዒሮም ብዓወት መሰስ ከም ዝብሉ ዝፈልጡ እዮም። ኩነታት ዋላ ከም ዕንቊ እንተ ጸበበት ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ከም ዝሰግርዎን እቶም ከጥፍእዎም ዝህንደዱ ዝነበሩ ጸላእቲ ትሕቲ መሬት ከም ዝሰፍሩ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ሎሚ ብወያነ ተላኢኾም ኣብ መላእ ዓለም ህላወ ኤርትራ ንኸጥፍኡ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ወይጦታት ወይለኦም !

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሓልታት ምክልኻል ኤርትራ !!!
ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና !!!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events