Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 19 October 2017

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ

ጥቅምቲ 19, 2017
  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ሞቓዲሾ ዘጋጠመ ግዙፍ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ናብ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ኣብ ዝለአኾ ደብዳበ መንግስቲ ሶማል ንኣልሸባብ ንምስዓርን ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእ ንምስፋን ኣብ ዝገብሮ ቃልስን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጎኑ ደው ከምዝብል ምርግጋጹ፡ ሓላፊ ፖለቲካ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረአብ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ፡ ኣብ ዝለአኾ ናይ ሓዘን መልእኽቲ “ ኣብ’ዚ ህዝቢ ሶማል ግዳይ ከቢድን ዘሰቅቕን ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ኮይኑ ኣብ ዘሎ እዋን ብስመይን ብስም መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንዝተሰመዓና ዓሙቕ ሓዘን፡ ንመንግስትን ህዝብን ሶማል ይገልጽ” ኢሉ’ሎ።

ንምኳኑ ፡ እዚ መልእኽቲ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ምስሊ’ዶ የመላኽት ይኸውን ንዝብል ሕቶ ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4078024.html

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events