Dehai News

ECSS-Online.com: ራብዓይ መጽሓፍ – ውሳነ፣ ክሳራን ም’ቍራጽ ክስን ቀዳማይ ኣርእስቲ – ውሳነ ምዕራፍ 1. – ሓፈሻዊ ድንጋገታት-ሻብዓይ ክፋል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 21 October 2017

ራብዓይ መጽሓፍ – ውሳነ፣ ክሳራን ም’ቍራጽ ክስን
ቀዳማይ ኣርእስቲ – ውሳነ
ምዕራፍ 1. – ሓፈሻዊ ድንጋገታት-ሻብዓይ ክፋል

ጥቅምቲ 22, 2017 ዓም ፈረንጂ

Part VII

ዓንቀጽ 263. – ውሳነ ዚወሃበሉ ግዜ

(1) ምስማዕ መርትዖ ምስ ተወደአ፣ ብተኸራኸርቲ ወገናት መግለጽን መልስን፣ እንተ ነይሩ፣ ምስ ተዋህበ፣ ቤት ፍርዲ ይውስን።
(2) ምስማዕ መርትዖ ምስ ተወድአ፣ ቤት ፍርዲ ብኡብኡ፣ ወይ ብድሕሪኡ ብዚከኣል ኣብ ዝቀልጠፈ ባዕሉ ዝውሰኖ መዓልቲ ቘጸራ ውሳነኡ ንሰብ ጕዳይ የስምዕ። እቲ ውሳነ ብኡብኡ ምስ ዘይወሃብ፣ ቤት ፍርዲ፣ ውሳነ ዚወሃበሉ ዕለት ንኸሳስን ንተኸሳስን ይሕብር።
(3) ቤት ፍርዲ፣ ብሓታትነት ናይ ክልቲኣቶም ወገናት ውሳነ ዚህበሉ ዕለት የመሓልፎ።
ዓንቀጽ 264. – ምስማዕ ውሳነ ኣብ ክፉት መጋባእያ

ቤት ፍርዲ ኣብ ክፉት መጋባእያ ውሳነኡ የስምዕ።

ዓንቀጽ 265. – ቅጥዕን ኣወሃህባን ውሳነ

(1) ውሳነ ብጽሑፍ ዚወሃብ ኰይኑ፣ ብኣባል ወይ ኣባላት ቤት ፍርዲ ተፈሪሙ፣ ብዳኛ ወይ ብማእከላይ ዳኛ ድማ ይንበብ።

.........................ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም  ምንባብ ቀጽልዎ።

ብርሃነመስቀል  ሃብተማርያም

ዝሓለፉ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ራብዓይን ሓሙሻይን  ከምኡ`ውን ሻዱሻይ ሕታማት፣


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events