ቤት ትምህርቲ ኣልድያዕ ኣል እስላምያ ንቡር ኣገልግሎታ ጀሚራ
By BBC Tigrinya
ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 31 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኸስተ ናዕቢ ዝሞተን ዝተጎድአን ሰብ ከምዘየሎ እንተኾነ፡ ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ብዙሓት መንእሰያት ግን፡
ኣብ ቀዳማይ፡ካልኣይ፡ሳልሳይ፡ራብዓይን፡ሓምሻይን መደበራት ፖሊስ ተኣሲሮም ምህላዎምን፡ ሎም መዓልቲ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ብጃምላ ዝተኣስሩ'ሞ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቖልዑ ከምዝተፈትሑ ምንጭታትና ኣረዲኦም።
እቲ ንሓለዋ ኣብ ኣኽርያ ተዘርጊሑ ዝነበረ ሰራዊት እውን ካብቲ ቦታ ከምዝተኣልየን፡ እታ ቤት ትምህርቲ ስሩዕ ኣገልግሎታ ክትህብ ከምዝወዓለትን እውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ደቆም ዝተኣስሩዎም ወለዲ ናብ ዝተፈላለያ መደበራት ፖሊስ እናኸዱ ደሃይ ደቆም ይሓቱን ደሃዮም ምስረኸቡ ከኣ ስልጣንያ መግቢ የብፅሑሎምን ከምዘለዉ እውን ምንጭታትና ሓቢሮም።
ኣባል ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ኣስመራ፡ ሚስተር ዲየጎ ሶሊናስ እውን ብወገኑ ኣብቲ ፍጻሜ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከምዘይተጎድአ ሎሚ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ዜና መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ፡ "ኣብቲ ብቤት ትምህሪቲ ኣድያዕ ብሰሉስ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወላ ሓደ ሰብ ከም ዘይተቐትለ" ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ ነይሩ።
ብዛዕባ እቶም ንምህጋር እታ ቤት ትምህርቲ ብምቅዋም፡ ንወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ መግለጺ ምስ ሃቡ ዝተኣስሩ እስታዝ ሓጂ ሙሳ መሓመድን፡ ብድሕሪኦም ዝተአስሩ ሓያሎ ሰባት ግን ንሃለዋቶም ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ደሃይ ከምዘየሎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም
____________
By Yemane G. Meskel, Ministry of Information
Let us state incontrovertible facts for the umpteenth time: Not a single person was killed in A'diae school demonstration in Asmara on Tuesday.