Dehai News

EriGazette.org: ኤርትራዊ ፍጹም ኣይትተሃመል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 05 November 2017

ኤርትራዊ ፍጹም ኣይትተሃመል

 
 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 31 ጥቅምቲ፣ ገለ ተመሃሮ ኣልዲያእ ኣልኢስላሚያ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ኣንፈት ዝተፈላለየ መራከቢ ብዙሃን ስሒቡ ነይሩ። ሓያለይ ከኣ ዘይመልዑ ንምትሓዝ ዓብን ካብ መንግታዊ ቁጽጽር ወጻኢን ምንባሩ  ከምስሉን ንዜጋታትና ከሀምሉን ክሳብ ዓንቀሮም ዝነቅዕ ክግዕሩ ተራእዮም።

ብዙሓት ከም ዝተንተንዎ፣ ጠንቂ ናይቲ ቁልጭ ኢሉ ዝቀሃመ ምንቅስቃስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዘተኣታተዎ ሓዲሽ ካሪክሉም ምኳኑ ኢዩ ይብሉ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ማለት ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ላዕለዎት ኮለጃት፣ ሃይማኖታውያን ይኹና መንግስታውያን ወይ ውን ብሕታውያን ብክፍሊ ካሪክሉም – ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና ተማእኪለን ክኸዳ ግቡእ ኢዩ። ከምኡ እንተዘይ ኮይኑ ከኣ ደረጃታት ብቅዓት ክፍሊ ትምህርትና ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ዝስጉም፣ ኣንቆልቊሉ ንታሕቲ ክሽመም ማለት ኢዩ። ከም ውጺኢቱ ከኣ ካብ ጃልባ ምዕባለ 21 ክፍለ ዘመን ንድሕሪት ምትራፍ ኢዩ።

ኣንቱም ሰባት እዛ ሃገር ኣፍደገታት ኩሎም ተንኮልትን ተጻባእትን ማዕጾኣ ገጥ ኣቢላ ስለ ዘጽንዐት እምበር፣ ቁጠባኣ ንምርኹማሽን፣ ቀጻልነታ ከም ሃገር ሓንሳብን ንሓዋሩ ገንሸል ንምግባራን ዘጋጠማ ፈተነታት እኮ ማእለያ የብሉን።  ወናኒት ራኢኣ ኮይና ልዑላውነታ ዓቂባ ክትከይድ፣ ኣፍደገ ረዲኤትን መሓውራት ልቓሕን ረጊጣ ካብ ተመጽዋትነት ሓንሳብን ንሓዋሩን ክትናገፍ፣ምስ መርገም ዶ ይቚጸር ኢዩ? ንትኳቦ ኢደይ ዊጥ ኣየብልን፣ ብጽፍፍረይ ክነብር ኢየ ምባል ምስ ገበን ዲዩ ዲዩ ዝቑጸር፧

እምበኣር እዛ ውልዶ ሃገር ወናኒት ክብራ ንክትከውን ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ኢያ በሊዓን ገና ውን ሰፍ ዘይብል ሰግለለት ድምነት ኣብ ርእሲኣ ተንጠልጢሉ እንከሎ ኣብ ጎደና ልምዓት ትምርሽ ዘላ።

እልቢ ዘይብሉ ውዲታት ገጢሙዋስ – ኣፍሺላ ብድርብ ማርሻ ምዕባለ ንቕድሚት ትስጉም ዘላ።

ሓንሳብ ብውክልና ኲናት፣ እንሓንሳብ ሃሱሳት መልሚልካ ብምልኣኽ፣ ካልእ ሳዕ ገለ ጥቕሞም ዝተተንከፎም ከዳዓት ኣስዲዕካ ነታ ሃገር ንምብዳም፣ እንሓንሳብ ውን ኤርትራውያን መሰልቲ ኣሰልጢንካ ኣብ ፈቐዶ መጋባእያታትን ነዛ ሃገር ንምዂናን ወዘተ ወዘተ ዝቐረበን ዝቐርብ ዘሎን ምኲልይነት ከከም ኣመጻጽኡ ብሓያል መኸተ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ጊዜኡ ሓልዩ ከም ዝበርዓነን ዝብርዕን ዘሎን ርኢናን ንርኢ ኣለናን።

ናብቲ መንቀሊ ጽሑፍና ክንምለስ፣ ዳርጋ ኩሎም ተማሃሮን ወለድን ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልኢስላሞያ ነቲ ናይ ቅድሚ ሳልስቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብፍላጥ ኢዩ ምባል የሸግር ይኸውን። ምናልባ ብኣብ ውሽጦም ዝነበሩ ገለ ሓለይቶም ዝመስሉ ቁንጣሮ  መሳርሒ ፈጣሪት ራዕዲ ዝኮነት ጃንዳ ተላኢኾም ዝወሰድዎ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል። ነቲ ዝተወስደ ናዕቢ ንምህዳእ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከኣ ብጣዕሚ ውሕሉል ምንባሩ ክሳብ ሕጂ ጉድኣት ዝወረዶ ወገን ዘይምህላዉ መስክሩለይ ዘየድልዮ ጭብጢ  ኮይኑ ኣሎ። ንምንጽጻር ክጥዕም፣ እታ ብዲሞክራሲያዊት ሃገር እትሰምየት ኢትዮጵያ፣ እታ ብተኸታታሊ ዓመታት- ክልተ ኣሃዛዊ ዕብየት ኣመዝጊባ እትበሃል ሞ – ገለ ካብ ህዝባ ካብ ክቱር ድኽነት ኣብ ጎሓፍ ሰፊሩ ካብኡ ውን እንዳተመገበ ግዳይ መጽቀጥቲ ኩምራ ጎሓፍ ዝኮነን፣ እቲ ስርዓት ብዝመልመሎም ተጋሩ- ኣግኣዛውያን፣ኣግኣዚ ብዘሳወሮ ኲናት ዳርጋ ኩለን ሄራትን ክልላትን ፍጹም ሰላም ተዘሪጉ፣ ብዙሓት ግዳይ ሞትን መቕዘፍትን ስደትን ዝኮኑን ብግፍዒ ሰራዊት ከኣ ሰላማውያን ኣዴታት ኣምሓራ/ኦሮሞ ኣብ ሪሳ ግዳያት ደቀን ብሓይሊ ኮፍ ክብላ ዝገበረ ኣረሜናዊ ሰራዊት ናይቲ ስርዓት ወዘተ ርኢናን ንርኢ ምህላውናን ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ከምዚ ዘይምኳን ኣዚና ንሕበን። እዚ ከኣ ኣፈሙዝና ናብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይኮነስ ናብ ጸላኢና ጥራይ ከም እነቅንዕ ጽቡቕ ትምህርቲ ዶኮን ምኮኖም ነቶም ብሳንቡኦም ዝሓስቡ ፈጠርቲ ራዕድን፣ በአኦም ዝምወላ መራኸቢ ብዙሃንን፧

እቲ ዘገርም ከኣ “ነንበይኑ ኮቦሮን እግርን – ጓይላ ኣየስምርን” ከምዝበሃል፣ ሓጂ ሙሳ ኣብ ሓደ ናይ ጁምዓ ኹጥባ ማለት ኣብ ሓንቲ ናይ ዕለተ ዓርቢ ንምእመናን ዝገበርዎ ሃይማኖታዊ ቅዱስ ስብከት፣ ብናይ ካልእ ሰብ ድምጺ ኣሰኒኻ፣ ኣብ ሚድያ ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ውዲት ዝሓስቡ ዕሱባት ወይጦታትን ነቲ ህውከት ዝተተምነዩ  ሃሱሳትን ምህላዎም ኢዩ ዘርኢ። ከይተሃመልኩም ነታ ኣብ መስከረም ዶት ነት ኮነ ገጻት ፌስቡክ ዘላ ሞ ተመልከትዋ፣ ኣእዳው ዘይተሳተፍኦ ጣቕዒት ይስማዕ። ምንቅስቓስ ከናፍር ናይቶም ሰባኺ  ሼክ ከይርአ ሞ ከይግጠም ከኣ ኣብቲ ቪድዮ ኢዲቲንግ / ምቅንባር ቪደዮ፣ ውሕሉል ኢድ ሓሊፍዎ ኢዩ ካብኦምሲ። መን ኢዩ ሞ በዚ ክህመል።

እዛ ህያብ ሰማእታትና ዝኮነት ሃገር፣ ይትረፍዶ ሰላማ ዝዘርገላ፣ ትንዕ ዝብላ ውን ዘይቅበል ህብዝን መንግስትን ኢዩ ዘለዋ። እንተስ ተሓንኲሉ ወይስ ሰንከልከል ኢሉ ኣጀንዳ ካልኦት ዘሳሲ ሰነፍ ዜጋ ከኣ ዋላ ውን ኣብ ጉድጓድ ጽጌናይ ይእቶ፣ ብምትሕብባር ህዝቢ ተታሒዙ ዓስቡ ክቕበል ከምዝኽእል ማንም ዘይስሕቶ ሓዊ ኢዩ። ገበነኛ ከም ”ጸጉሪ ካብ ብሕቚ” ፈሊኻ ናይ ምውጻእ ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ዝተመሃረ ናይ ድሕነት ሰራዊት ምውናንና፣ ዓቢ ጸጋ ኣለና።

ኣይንተሃመል ደቂ ኤረይ! ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ እኳ ዝበሃል፣ ብዝነፍስ ንፋስ ኣይንጸሎ። እንከዶ ኣንፈት ኣማእዚና ንፍለጦ። ፈተውትና ተመሲሎም ከጋግዩና ዝመጹ ተጻባእቲ ኣለዉና ሞ ሕጂ ውን ፍጹም ኣይንተሃመል።

ሃገርና ኤርትራ፣ ደሴት ሰላም ኣብዚ ተኣፋፊ ዞን ኮይና ክትቅጽል ዓዓቅምና ምብርካት፣ ከፊላዊ ምፍጻም ሕድሪ ሰማእታትና ኮይኑ – መንፈሳዊ ዕጋበት ይፈጥር። ንስሌኣ ንንበር፣ ንብልጽግናኣ ኢደይ-ኢድካ ንበል

                         ዓወት ንሓፋሽ              

                  aynfalale91@gmailcom

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events