Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ጠንቂ ተቓውሞ ከተማ ኣስመራ ኣብ መንጎ መንግስቲን እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ዝጸንሓ ምስሕሓብ’ዩ ተባሂሉ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 08 November 2017

ጠንቂ ተቓውሞ ከተማ ኣስመራ ኣብ መንጎ መንግስቲን እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ዝጸንሓ ምስሕሓብ’ዩ ተባሂሉ


መሕተሚ
ዋሽንግተን — 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘይልምዱ ክብሉ ነቲ ዞባ ዘጽንዑ ክኢላታት እቲ ዞባ ይገልጹ።

እቲ ብዙሕ ዘይረአ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝለዓለ ጠርዚ’ቲ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ሚንስትሪ ትምህርትን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ካብ ካሪክለም ከውጽእ መንግስቲ ዝሃቦም ትእዛዝ ኣይንቅበልን ዝብሉ መራሕቲ’ቲ እስላማዊ ቤት ትምህርቱ ድያእ ኣል እስላምያ ዝነበረ ምምልላስ’ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ እዋን’ቲ ተቓውሞ ሰልፊ ዝሞተ ኾነ ዝቆሰለ ግዳይ ምህላው ዝኾነ መረጋገጺ የብልናን፡ እቲ ሰባት ሞይቶም ክብል ንኣሶሴትድ ፕረስ ቃሉ ዝሃበ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሩ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ተአማኒ ምንጪ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ሓደ ዲፕሎማት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

ኣባል ቦርድ እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላሚያ ዝኾኑ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ብዩቱብ ኣብ ዝተዘርግሓ ቪድዮ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተቃውሞ ክዛረቡ ኸለው የርእይ።”ንልውጦ ነገር የለን” ክብሉ ሓጂ ሙሳ ኑር ነቲ ብጣቅዒትን ድምጽን ዝድግፎም ዝነበረ እኩብ ክዛረቡ ኣብቲ ዝወጸ ቭድዮ ይረአ ።

ሓጂ ሙሳ ኑር ተአሲሮም። ብዙሓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ድማ መንግስቲ ነቲ ቤት ትምህርቲ ክወስዶን መፍትሕ ክእኸብ ሰበ ስልጣን ልኢኹ እዩ ይብሉ። ነዚ ስዒቡ እኩባት ሰባት ኣብ ጎልጎል እቲ ቤት ትምህርቲ ንምዕጻው እቲ ቤት ትምህርቲ ብምቅዋም ሰልፊ ምኽያዶም ድሒሮም ናብ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ትምህርቲ ከምዘምርሑ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4105219.html


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events