Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ብኣምበሳደር ሙሳ ናይብ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ነተን ኩለን ሃይሞኖትን ትምህርትን ዝሓዋውሳ ኣብያተ-ትምህርቲ *ናይ ብሕቲ ኮና ናይ መንግስቲ* ብስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ብሕጊ ተቕይደን ክምህራ መልእኽቲ ተመሓላሊፉለን።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 08 November 2017

ብኣምበሳደር ሙሳ ናይብ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ነተን ኩለን ሃይሞኖትን ትምህርትን ዝሓዋውሳ ኣብያተ-ትምህርቲ *ናይ ብሕቲ ኮና ናይ መንግስቲ* ብስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ብሕጊ ተቕይደን ክምህራ መልእኽቲ ተመሓላሊፉለን።
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡
ሕዳር ዕለት 8, 2017 ዓም ፈረንጂ

ብኣምበሳደር ሙሳ ናይብ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነተን ኩሎን ሃይሞኖትን ትምህርትን ዝሓዋውሳን ኩለን ናይ ብሕትን ህዝብን መንግስትን ኣብያተ ትምህርታት *ብስርዓተ-ትምህርቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጥራሕ ተቀይደን ክኸዳ ዝእዝዝ መልእኽታት ሰዲዱ። እተን ካብዚ ትእዛዝ ወጻኢ ዝኸዳ ግና ናይ ምምሃር ፍቃድ ከምዝኽልከላ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ብሰለስተ ወከልቲ ሚንስትራትን ወከልቲ ህዝብን ዝሓቆፈ እዩ! ሃይማኖትን ትምህርትን ክፈላለ ኣለዎ ዝብል ሕጊ ብመጀመርያ ዝጸደቀ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ እዩ። እተን ሃይማኖት ከምህራ ዝፍቀደለን ኣብ መስጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ዝምርሓ ናይ ሃይማኖት ትካላት ክኾና ከለዋ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርታት ግና ንኹሉ ኤርትራዊ ከፉታት ኮይነን *ብስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ዝምህራ እየን ክኾና ዘለወን።

*ካሪክለም ቃል ትግርኛ ስለ ዘይኮነ በቲ ሃብታም  ቛንቓና ቃል ትግርኛ ብስርዓተ-ትምህርቲ ቀይረዮ ኣሎኹ።

ብርሃነ ሃብተማርያም

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events