Date: Wednesday, 08 November 2017
ብኣምበሳደር ሙሳ ናይብ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነተን ኩሎን ሃይሞኖትን ትምህርትን ዝሓዋውሳን ኩለን ናይ ብሕትን ህዝብን መንግስትን ኣብያተ ትምህርታት *ብስርዓተ-ትምህርቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጥራሕ ተቀይደን ክኸዳ ዝእዝዝ መልእኽታት ሰዲዱ። እተን ካብዚ ትእዛዝ ወጻኢ ዝኸዳ ግና ናይ ምምሃር ፍቃድ ከምዝኽልከላ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ብሰለስተ ወከልቲ ሚንስትራትን ወከልቲ ህዝብን ዝሓቆፈ እዩ! ሃይማኖትን ትምህርትን ክፈላለ ኣለዎ ዝብል ሕጊ ብመጀመርያ ዝጸደቀ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ እዩ። እተን ሃይማኖት ከምህራ ዝፍቀደለን ኣብ መስጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ዝምርሓ ናይ ሃይማኖት ትካላት ክኾና ከለዋ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርታት ግና ንኹሉ ኤርትራዊ ከፉታት ኮይነን *ብስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ዝምህራ እየን ክኾና ዘለወን።
*ካሪክለም ቃል ትግርኛ ስለ ዘይኮነ በቲ ሃብታም ቛንቓና ቃል ትግርኛ ብስርዓተ-ትምህርቲ ቀይረዮ ኣሎኹ።
ብርሃነ ሃብተማርያም