Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: *ንሕጊ ሃገራዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ሰረት ብምርዓምን ብክፍሊ ትምህርቲ ዝተዋህበን መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምትርጓምን ኣብ ግልን ኣብ ሃይማኖትን ዘተኩራ ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ስሩዕ ትምህርተን ክጅምራ እንከለዋ፣ ገለ ሓደ ክልተ ሕጊ ዘየኽበራ ትካላት ትምህርቲ ግን ዛጊት *ብኣኽበርቲ ሕጊ (ፖሊስ) ተዓሺገን ኣለዋ።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 10 November 2017

*ንሕጊ ሃገራዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ሰረት ብምርዓምን ብክፍሊ ትምህርቲ ዝተዋህበን መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምትርጓምን ኣብ ግልን ኣብ ሃይማኖትን ዘተኩራ ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ስሩዕ ትምህርተን ክጅምራ እንከለዋ፣ ገለ ሓደ ክልተ ሕጊ ዘየኽበራ ትካላት ትምህርቲ ግን ዛጊት *ብኣኽበርቲ ሕጊ (ፖሊስ) ተዓሺገን ኣለዋ።
 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡ (ኤርትራ)
ሕዳር ዕለት 10, 2017 ዓም ፈረንጂ

መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን እታ ፈጺሞም ዘይፈትውዋን ዘይቅበልዋን ምጉዕባዕ እያ። ብከምኡ ኣካይዳ መሊሶም ከትርርዎ እንተዘይኮይኖም ምንቅ ኢሎም ኣይፈልጡን። ምኽንያቱ ቀደምን ሕጅን ኣብ ናይ ምሉእ ዓለምን ዝሓለፉ መንግስታት ኢትዮጵያን ወያነን ምጉብዕባዕን ፈኻራን ኣናቂጽና እምበር ካብ ዝመጽእ ሽግራት ፈሪሕና ንድሕሪት ተመሊስና ኣይንፈልጥን። ናይ ህዝባዊ ግንባርን መንግስትን ታሪኽን ኣካይዳን እንተሪኢና ንምጉዕባዕን ፈኸራን ፈሪሑን ተዳሂሉን ሓንቲ ስጉምቲ ዋላ ትኹን ንድሕሪት ተመሊሱ ኣይፈልጥን። ንመንግስቲ ኤርትራ ክትምክቶ እንተደሊኻ ብመስመርን ሕግን ተመሪሕካ ዓቅሊ ጌርካ ጉዳይካ ስጋብ ፕረዚደንት ናይ ምብጻሕ ኣካይዳን መስርሕን ስለ ዘሎ ክትጥቀመሉን ክትምዝምዞን ጥራሕ እዩ ዘለካ።

90 ተጋደልቲ ብውሕዳት ገዳይም ተመሪሖም ረሽራሽን ብሬንን ዓጢቆም ንመንግስቲ ኤርትራ ሓሳቡ ብዘይኮነ መንገዲ ከቀይሩ ኣብ 1993 ንኣስመራ ኣብ ዘዕለቅልሉ ጊዜ ዘጋጠመ ኩነታት ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። ብሓይሊ ብረት ከይተጻዕደ ዝኸይድ መንግስብን ግንባር ናይ ኤርትራ ጥራሕ እዩ። ፕረዚደንት ኣብ ስታድዮም ንዝተኣከቡ ናይ 90 ተጋደልቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ ቁሩብ ንምጥቃስ በቲ ግቡእ መንገዲ ከም እቲ 95 ሚኢታዊት ተጋዳላይ ዝገብሮ ዘሎ መጺኹም እንተትኾኑ ክንደይ እኳ ምስ ተረዳዳእና፣ የግዳስ ኩላትኩም ሎሚ ናብ ኣስመራ ዓጢቕኩም ዝኣተኹም እቲ ገዲም ተጋዳላይ ዘይገበሮ ኣብ ህግ ዘይፍቀድን ብምግባርኩም ኩላትኩም ክትሕተቱ ኢኹም። ንስጋብ ኣፍ ዝዓጠቀ 10 ሽሕ ሰራዊት ክትሕተቱ ኢኹም ኢልካ ኣብ ገጾም ምዝራብን ብዙሓት ዘገረመ እዩ ኔሩ። ሕጂ መመዓስከርኩም ተመለሱ ብምባል ነቲ ተኣኪቡ ዝዝነበረ ፉሕ ኣበሎ። ከምታ ዝበሎም ከኣ ኩሎም ተጻርዮም ናብ ማሕዮርን መኣረምታን ተለኣኹ። እዚኣ እታ ዝዓበየት ክትከውን ከላ ብድሕሪኡ ሓሓሊፉ ዝርአ ሒቅታ ግና ኣይተሳእነን። ናይ ፈርቶ ኣድማ ተመሃሮ ኢሳቅ ተወልደመድህን ዩንቨርቲን ከኣ ንምጥቃስ ይከኣል።

ዝሓለፈ ሰሙን ንመግስቲ ኤሪትራ ብእምኒ ምድርባይ ንበዲሉ ዝተኣሰረ ሰብኣይ ከፍትሑ ዝፈተኑ ከኣ ሕጂ ጽቡቅ ጌሮም ክጠዓስሉ ይርኣዩ ኣለው። ንመንግስቲ ኤርትራ ብብረት ዝዓጠቁ ዘይተዳህለ ብምውጫጭን ብእምኒ ምድርባይን ሕጊ ዝሓዞ ሰብኣይ ሐራይ በቃ እምኒ ኣይትደርብዮ እምበር ፈቲሕናዮ ኣለና ኢሉ ክገድፎም ዝጽበዩ እንተኔሮም ዕሽነት ጥራሕ እዩ።


ሰራዊት ኤርትራ ደሞዝ ከይተጀመረሉ ከሎ ንኹሉ ዓመታት ስኑ ነኺሱ ዝኸደ ናይ ስድራቤትን ደቅን ሽግር ስለ ዘይብሉ ዶ ይመስለኩም? ንሕና ንዕረፍቲ ክንመጽእ ከለና ብዙሓት ኣባላትና ደሓን እዚኤን ንሰበይተይ ተመላኣላይ ብምባል ዝልእኹና ውሕዳት ኣይኮኑን ኔሮም። ግና ካብ ባባ እዚኣ ግዝኣለይ ዝብሉ ቆልዑት ንምድሓን እዩ ኔሩ። እሞ ከኣ ታንክታትን ሚሳይላትን ዓጢቕካ፣ እቲ ዘይከኣለ ውሕድ ተሰዲዱ ስድርኡ ክሕግዝ እምበር ብረት ሒዙ ክዝርፍ ወይ ሓላፊኡ ክቐትል ኣይተራእየን። እቲ ዝበዝሐ ከኣ ስኑ ነኺሱ ጸኒሑ ከም ትጽቢቱ ከኣ እቲ ደሞዝ ምትዕርራይ ተጌሩ። ወላ እቲ ተሰዲደ ስድራይ ክኣልይ እየ ዝበለ ከማን ብረቱን ንብረቱን ኩሉ ኣብ ሃገሩ ገዲፉ ወጺኡ። ሓደ ጊዜ ሓደ ናይ ወያነ መራሒ ንሰራዊቱ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ኔሩ። ኤርትራውያን ብረቶም ሒዞም ኣይመጹን እዮም። ጃኬቶም ከማን ኣብ ሃገሮም ገዲፎሞ እዮም ዝመጹ። ንስኻትኩም ግና ካብ መካይን ብረትን ስጋብ ኣየርን ሄሊኮፕተርን ሒዝኩም ናብ ኤርትራ ትሰግሩ። እወ ኤርትራዊ ሃገሩ የሕሊፉ ከምዘይህብ ዘርኢ ዘረባ እዩ። ኣንጻር ሃገር ዝኾነ ክትገብር ከለኻ ኣፎም ከፊቶም ክውሕጥና ዝደልዩ ከም ዘለው ዘይምርሳዕ።

እቶም ዓሰርተ ዝኾኑ ናብ ፎርቶ እንተደይብና ኩሉ ሰራዊት ክስዕበና እዩ ጥራሕ ብደሞዝ ምሕታት ንጀምር ምእንቲ ቀልቢ ሰራዊት ክንስሕብ ብምባል ብተንኮል ክብገሱ ከለው፣ 80 ዝኾኑ ሰራዊት ምስ ክልተ ታንክታት ብስራሕ ከምዝተጸውዑ ኣምሲሎም ምስ ኣምጽእዎም፡ እቶም ብወዲ ዓሊ ዝምርሑ ገበርቲ እከይ ናብ ላዕሊ ደይቦም ነቶም ሰራዊት ንፈርቶ ክኸቡ ነጊሮሞም። ኣብ ፈርቶ ምስ በጽሑ መንግስቲ ንፈርቶ ክንሕሉ ስለ ዝኣዘዘ ንዝኾነ ሰብ ከይተውጹኡን ከይተእትውን ብምባል እዮም ኣታሊለሞም።


ኩነታት ከምቲ ዝሓሰብዎ ከምዘይከደ ምስ ፈለጡ እታ ሓንቲ ታንኪ ናብ ህንጻ ወጻኢ ጉዳያት ገጻ ብረድዮ ርክብ ካብ ወዲ ዓሊ ክትትኩስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ኣብታ ታንኪ ዝነበረ መድፍዓጂ ግና ናብ ኣስመራ ኣይትኩስን ብምባል ኣቅበጸ።


ወዲ ዓሊ ዋላ እነተፈከረሎም ወይከ! ብዙሕ ኣይጸንሑን ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ካባቢ ምስ በጽሐ እቶም ወዲ ዓሊ ሒዝዎም ዝመጸ ኣባላት ሰራዊት ከምዘታለሎም ብምፍላጥ ተገምጢሎም ክሕዝዎ ፈተኑ። ንሱ እኳ እንተሃደመ ተሓባበርቱ ግና ብገዛእ ሰራዊቶም ተማረኹ። እቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ከኣ ምውታትን ቁስላትን ኮኑ። ንሱውን ካብ ኣስመራ ወጽዩ ክሃድም ፈቲኑ ኣብ ዝኣተዋ ዓዲ ህዝቢን መንግስቲ እንዳሓበሩ ከኣ ብሰራዊት ተኸበበ ተቷኺሱ ከኣ ነብሰ ቅትለት ፈጸመ።


እዚ ኹሉ ፍጻሜታት ዘርኢ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርአ ከምዘይሰርሕ እዩ። ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣላህ ወኣክበር ብምባል እምኒ ብምድርባይ ናይ ህዝቢ ሰላም ዝዘረጉ፣ ፓሊስ ዘርኣዮ ምዕጋስ ዝንኣድ እኳ እንተኮነ ንብረት ዝዓጠቀ ምህራም ግና ሓደገኛ እዩ። ኩሉ ኣብኡ ተሳተፈ ከኣ ተኣርዩ ናብ ሕጊ ይቀርብ ኣሎ። እቶም ትሕቲ ዕድመ ከማን ካልኣይ ጊዜ ክሳተፉ ኣይኮኑን፣ እንተሓሲቦም ከማን ብነጻ ከምዘይልቀቁ ተሓቢሮም ንስድርኦም ተረኪቦሞም እዮም። ብድሕሪኡ ንዕዘቦ ዘለና ግና ፓሊስ ኤርትራ ነቶም ዝተሳተፉ ብኸመይ ኣላሊዎም ብዘገርም ኩነታት ብሓንቲ ለይቲ ንኹሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዱ የእቲዎም ሓዲሩ።


ነቲ ኸባቢ ሰብ ከምዘይውጽእ ጌሩ ከቢብዎ ብምሕዳር ነቶም ዝደልዮም ሰባት ብምእራይ ሰዓት 5 ናይ ንግሆ ኩሎም እቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። ሕጂው ነተን ብሕጊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘውጽኦ ኣካይዳ ዘይተኸተላ ናይ ኮቶሊኽን እስልምናን ቤት ትምህርትታት ከምዝተዓጽዋ ተፈሊጡ ኣሎ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ እቲ ፉይል ናብ ፓሊስ ዘረከቦ ይመስል።


ዝሓለፈ ሰሙን ተዓሺገን ዝነበራ ነቲ ሕጊ ዝተቀበልኦ ከኣ ዝተኸፈታ ኣለዋ። ከም እንዳ መድሃኔ ኣለምን እንዳ ማርያምን ከምኡውን ጃልያ፡ ነቲ ሕጊ ብምቅባል ብዘይዝኾነ ዕንቅፉት ትምህርተን ዝቀጸላ ኣለዋ። እታ ናይ ኣኽርያ ቤት ትምህርቲውን ነቲ ሕጊ ከተግብርን ምቅይያር ክገብርን ቁሩብ ዕድል ይወሃበኒ ስለ ዝበለት ፓሊስ ዞባ ማእከል ሚኒስትሪ ትምህርትን ምስ ኮሚቴ ወለዲ ብምዝርራብ በቶም ኣብቲ ኣድማ ዘይተሳተፉን ኣንጻሩ ዝነበሩን ተመሪሓ ስርሓ ቀጺላ ኣላ። እቶም ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ ግና ኩሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣለው።


ሕጂውን እተን መልእኽቲ ቀለልቲ እየን። ዝኾነ ይኹን ንሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገራት ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ተቐባልነት ኣይክህልዎን እዩ። ብሩሑቕ ኮይኖም ዘጣቕዑ ፍሱሳት ሓሞት ካብ ሕጊ ኣየድሕንዃን እዮም። ንወረጃ ማዕዶ ሸለል ብምባል፣ ብሕግን ክብረትን ምኽያድ ጥራሕ እያ ተዋጽእ!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events