Dehai News

ቢቢሲ / ተቖጻጻሪ ጉጅለ፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከም እትሕግዝ ዘረጋግጽ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 10 November 2017

aa

ተቖጻጻሪ ጉጅለ፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከም እትሕግዝ ዘረጋግጽ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ


10 ሕዳር 2017 

ኣልሸባብ
ኤርትራ ንእልሽባብ ምድጋፋ ዝሕብር ጭብጢ ኣይተረኽበን ተባሂሉ
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ዋላኳ ስመን ዘይጠቐሰን ክልተ ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ኤርትራ ንሶማላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ትሕግዝ'ያ ዝብል ክስን ንዕኡ ዝድግፍ ሓበሬታታትን እንተቕረባ፡ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ግን ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ኣነጺሩ።
እንተኾነ ግን፡ "ምምስራትን ምስፋሕን እቲ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ኣቑሑት ምጉዕዓዝን ምትሕግጋዝ ዘካተተ ስለዝኾነ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ዝጥሕስ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፡ ን4ይ ግዚኡ፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ሂባቶ ዝተባህለ ሓገዛት ዝድግፍ ደምዳሚ ጭብጥታት ክረክብ ከም ዝይከኣለ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ'ውን፡ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ይኹን ዝወጽእ ገዚፍ ናይ ኣጽዋር ምጉዕዓዝ ዝሕብር ጭብጢ ከም ዘይረኸበ እቲ ጸባብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡትን ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ምሕጋዝ ትቕጽሎ ከም ዘላውን እቲ ጉጅለ ኣብ ጸባጻቡ ኣስፊሩ'ሎ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ኤርትራ እትሕግዞም ዝተባህሉ ጉጅለታት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉል፡ ግንባር ዳግመ ምቕናዕ ሓድነትን ደሞክራስን (FRUD-Arme)፡ ግንቦት ሰባት፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሕዝቢ ትግራይ (ደምሕት) ይርከብዎም።
ኢትዮጵያ እውን ብወገና ሓያሎ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቖሙ ናይ ኤርትራ ዕጡቓትን ዘይዕጡቓት ተቓወምቲ ከም እትድግፍ ይፍለጥ።
ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንቐርኒ ኣፍሪቃ ጸልይዎ ከም ዘሎን፡ በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ተፈጢሩ ንዝነበረ ግጭት ንምህዳእ ተባሂሎም ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣትዮም ዝነበሩ ናይ ቐጠር ተዓዛቢ ሓይሊ፡ ከም ዝወጽእ ኮይኑ'ዩ።
ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ዝኾነ ከባቢ ራስ ዱሜራ ገለ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን፡ ጂቡቲ፡ ብኤርትራ ተታሒዞም እትብሎም ምሩዃታ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን ድማ እቲ ጸብጻብ ይጠቀስ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፡ ን4ይ ግዜ፡ ኤርትራ፡ ንኣልሸባብ ከም እትድግፍ ከረጋግጽ ዝኽእል ጭብጢታት ክረክብ ስለዘይከኣለ፡ "እቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ እገዳ ስርዓት ተፈላልዩ ንክረአ" ለበዋኡ ኣሕሊፉ።
እቲ ጸብጻብ፡ "ምብኳር ግልጹነት፡ ምኽንያት ናይቲ ሕማቕ ምሕደራ ባህርያዊ ጸጋታት ኤርትራ ምኹኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ግዱድ ስራሕ ተጠቒሙ ተባሂሉ ብጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኽሰስ ነቭሱን ዝበሃል ናይ ዕደና ኩባንያ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ 43.3 ሚልዮን ዶላር ካብ ኣታዊታት ዕደና ቢሻ ከም ዝሃቦ ሓቢሩ።
ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን፡ ነቲ ኣብ 2009 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን (ካብ 1992 ኣትሒዙ) ዘንበሮ፡ ብውሳነ 1907 ዝፍለጥ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ንምቁጽጻር ዝቖመ ምዃኑ ይዝከር።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events