Dehai News

Serawr.com: መንግስቲ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ልሙድ ርእሰን ክሽፈና ከምዘይከልከለ ተሓቢሩ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 10 November 2017

መንግስቲ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ልሙድ ርእሰን ክሽፈና ከምዘይከልከለ ተሓቢሩ

ሰራውር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ማእከል
 

10 ሕዳር 2017

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል እስላምያ መርበብ ሓበሪታ ዓብሊሉ ቀንዩ። ካብቲ ጉድይ ንላዕሊ፣ ዝተፈላለዩ ናቶም ረበሓን ዕላማን ዘለዎም ኣካላት ነቲ ጉዳይ ንረበሐኦም ንኽቕይሩን ክጥቀምሉን ብዑቱብ ስለ ዝሰርሕሉን ነናቶም ፈጠራታት ኣተሮጓጉማን ብምዝርጋሕ ግዝያዊ ምድንጋራት ፈጢሩ እዩ።

ኣብዚ ዓብይቲ ኣሁጉራውያን መራኸቢ ቡዚሓን ኢደን ዝሓወሳሉ ናይ ምድንጋር ዘመተ ቡዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣማኢት ከም ዝቖሶሉን፣ ከምእውን ናዕቢ ናብ ካልእ ዞባታት ከምዝተዘርገሓን ሓቅነት ከምዘይብሉ እንዳፈልጡ ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ብናይ ሓሶት ዋዕዋዕ ገለ’ዶ ናብ ናዕቢ እንተምርሓ ብዝብል እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ሓበሬታ እዋን ግን ኩሉ በኒኑ ተሪፉ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጉዳያት ቅድሚ እቲ ዕለት ናይ ምንዓዓብ’ዉን ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝተዘርገሓ መንግስቲ ኤርትራ ሕጃብ ንደቀ ኣንስትዮ ከይክደና ኣብ ቤትምህርቲ ከምዝኸልከለ ዝብል እዩ ኔሩ። ስጋብ ሕጂ’ዉን ከምዚ ኣረዳድኣ ኣሎ። ዝተፈላልያ መራኸቢ ብዙሓን’ዉን ሓደ ከም መበገሲ ናይቲ ጉዳይ ገሊጸነኦ። ነዚ ብግርህነት ከም ሓቂ ዝወሰድዎ’ዉን ኣለዉ።

ሰራውር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ማእከል ነዝን ካልኦትን ሕቶታት ንምንጻር ፈተነታት ኣካይዱ፣ በዚ መሰረት ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ገለ ካብቶም ረኺብናዮም ዘለና ሓበሬታታት መንግስቲ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ንቡር ወይ ልሙድ ርእሰን ክሽፈና ኣይከልከለን። እቲ ዝመጸ መምርሒ ነተን ፍጹም ተሸፊነን ዝኸዳ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዋላ ኣዕንቴን ዘይራኣይን እዩ። እዚ ብቡራካ ወይ ኒካብ ዝፍለጥ ዝምልከት እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ብብሕቲ ዝምሓደራ ምንባርምረንን፥ መንግስቲ ድማ ከም ኩለን ካልኦት ክኾና ድሕሪ ምወሳኑ፥ እተን ሰልስተ ክትግብርኦ ከለዋ እታ ናይ ኣኽርያ ኣድማ ጌራ። ትሕቲ ሚእቲ ዝኾኑ መብዝሕታኦም ንኣሽቱ ዘካይድዎ ኣድማ ኣብ ሓጺር ደቓይቕ ፖሊስ ከምዝሃድእ ጌሮሞ። ሒጂ ኩለን እተን 4 ኣብያተ ትምህርቲ በቲ መንግስቲ ዝበሎ ጽቡቅ ጀሚረን ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ኣብ መደምደምታ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ሕብረትሰብ ዝህነጸሉ ትካል ኢዩ። ብጀካ ኣካዳማዊ ህንጸት ቤት ትምህርቲ ኣብ ምህናጽ ሓበራዊ ሃገራዊ መንነት ዓቢ ተራ ኣለዎ። እቲ ሕብረተሰብ ከም ኤርትራ ብዝተፈላለየ ሃይማኖታት፤ ባህልን ልምድታት ዘለዎም ብሄራት ዝቆመ ምዝኸውን ተራ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምህናጽ ሓበራዊ ሃገራዉነት ወሳኒ ኢዩ። ሓበራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ምሕናጽ ሓድነት ህዝብን ምርግጋእ ሃገርን ወሳኒ ስለዝኾነ ንትካላት ቤት ትምህርቲ ካብ ሃይማኖታዊ ትካላትን ሃይማኖት ናጻ ኮይነን ክመሓደራ ናይ ግድን እዩ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events