Date: Tuesday, 14 November 2017
ብሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ ተዳልዩ ብመንገዲ ኣብነታውያን ሓረስቶት ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ንፈተነ ዝተዘርኡ ስርናይን ድንሽን ውጽኢታውያን ከምዝኾኑ ኣብ ምብዛሕ ምሩጽ ዘርኢ ዝነጥፉ ኣብነታውያን ሓረስቶት ገሊጾም።
እቶም ምሩጻት ኣዝርእቲ ስርናይን ድንሽን ደርቂ:ባልዕን ዋሕዲ ዝናብን ዝጻወሩ ብምኳኖም፥ኣብ ሓደ ሄክታር ልዕሊ 35 ኩንታል ምህርቲ ስርናይ ከምኡ’ውን ካብ ሓደ ኩንታል ዘርኢ ድንሽ ካብ 10 ኩንታል ምህርቲ ክረኽቡ ትጽቢት ከምዝገብሩ ሓቢሮም ።