Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ / ጐደናታት ኣስመራ ጸሓያዊ መብራህቲ ይትከለሉ ኣሎ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 18 November 2017


ቀዳም 18 ሕዳር 2017  ሓዳስ ኤርትራ

ጐደናታት ኣስመራ ጸሓያዊ መብራህቲ ይትከለሉ ኣሎ


ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ናይ ጐደናታት መብራህቲ ብሰፊሑ ይትከል ከምዘሎ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ጸዓት ኣቶ ግርማይ በርሀ ሓቢሩ።

እቲ ምስ መንግስቲ ቻይና ብዝተበጽሐ ምርድዳእ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ካብ ሰምበል ከባቢ ፋብሪካ ኦሞ ጀሚሩ ብስፔስን ጐደና ዋርሳይን ኣቢሉ ክሳብ ጋራጅ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ብሰሜናዊ ወገን ኣስመራ ድማ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት - ካብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ብዕዳጋ ዓርብን ኣኽርያን ክሳብ እግሪ ምህራም ጭራን መንገዲ ዓዲ-ንፋስን፡ ከምኡ’ውን ሞዶሽቶ፡ ዕዳጋ ሓሙስን መሕረድ ከብትን ዝሽፍን- 10 ኪሎ-ሜተር ዝተዘርግሐ ልዕሊ 300 ኣዕኑድ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ድሮ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ፡ ኣቶ ግርማይ ገሊጹ።

እቲ መደብ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን መናፈሻታትን እውን ይትግበር ከምዘሎን፡ ነቲ መሳርሒታት ዝከታተሉን ኣብ ዝበላሸወሉ እዋን ዝጽግኑን ሰብ-ሞያ ሰልጢኖም ከምዘለዉን ኣረዲኡ።

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ስራሕ ኣብ 2013፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ ፋብሪካ ኦሞ፡ ከምኡ’ውን ካብ ባር-ጅማ ክሳብ ኤክስፖን ከባቢ ሲነማ-ሮማን - ን3 ኪሎ ሜተርን ፈረቓን ዝተዘርግሐ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ ኣገልግሎት ከምዘሎ ይፍለጥ።




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events