Dehai News

BBC.com: ዝተናውሐ ገምጋም ህወሓት ናበይ የብል?

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 21 November 2017

ዝተናውሐ ገምጋም ህወሓት ናበይ የብል?

Nov. 21, 2017
 
https://ichef.bbci.co.uk/news/768/cpsprodpb/B4AE/production/_98845264_tplf1.jpg
 
ናይ ምስሊ መግለጺ ውድብ ህወሓት ፀረ ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ ዓሲሉኒ ይበል

ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ግዜ ምስ ወሰደ ምግምጋም ከምዝተረረ ብዙሓት ገሚቶም።

ብድሕሪኡ ውድብ ህወሓት ፀረ ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ከምዝተፅዓና፣ ማእከላይ ኮሚቴ ኣብ ምጥቕቓዕ ተፀሚዱ ከምዘሎ፣ ምስ መሓዙት ውድባት ፀገማት ከምዘለውዎ፡ ካልኦት ኢንታታት እውን ከም ዝወረሮን ብዘይንሕስያ ከምዝገምገመን ተዛሪቡ።

ነዚ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት የካይዶ ኣለኹ ዝብሎ ዘሎ ገምጋምን ምንቕቓፍን ከመይ ትርእይዎ ብምባል ንዝተፈላለዩ ሰባት ሓቲትና ኣለና።

"በትሪ ህወሓት ንህዝቢ ክወሃብ ኣለዎ"

ምሁር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ልኡላውነትን ብምዃን ዝቃለስ ዘሎ እዩ። ኣይተ ኣብርሃ ነቲ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘውፀኦ መግለፂ ብልቢ ከምዘዳመፆ ይገልፅ።

ብመሰረት ርእይቶ ኣይተ ኣብርሃ እቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ገምጊመዮን ተረዲኡንን ዝብሎ ዘሎ ፀገም ቅድሚ ሎሚ ንብሎ ነይርና።

ንሳቶም ግና 'እዚ እማ ወረ ፀላእቲ እዩ' እንትብሉ ይነፅግዎ ነይሮም። እቲ ሓድሽ ነገር ነቲ ፀገም ምእማኖም እዩ ዝብል ትርጉም ይህብዎ ኣለዉ።

"እቶም መሓዙት ውድባት እውን ስለዝነዓቕዎም እዩ እቲ ርክብና ፀገም ነይሩዎ ዝብሉ ዘለዉ። ንብዙሕ ዓመታት መሪሖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ደኺሙዎም ክኸውን ስለ ዝኽእል እቲ ስልጣን ብኻልኦት ከይተመንዝዑ ንህዝቢ ከረክቡ ኣለዎም።

ህዝቢ ብነፃነት ተወዲቡ ካብ ፀላእቱ ክከላኸል ምእንቲ በትሪ ህወሓት ንህዝቢ ክወሃብ ይግባእ። እናወደቑ ህዝቢ ምስኦም ክወድቕን 'ኣርጎ ኣርጐ' ተታሒዝካ ምውዳቕን ክመርፁ የብሎምን" ኢሉ።

መሓዙት ውድቦም ንተቓወምቲ ሒዞም ፀረ ህወሓት ተሰሊፎም ናብ ስልጣን የምርሑ ኣለዉ፤ ህወሓት ምስ ተቓወምቲ ኣይሰርሕን ዘሎ።

ህወሓት ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀገምና ብግልፂ ኣውፂእና እንተዘይገምጊምና ከቢድ ሓደጋ ክወርደና እዩ ኢሎም ስለዝኣመኑ እዮም ገምጊሞም ዘለዉ፤ እዚ ድማ ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ።

"ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ክጥቀምሉ ህዝቢ ዓቕሚ ከጥሪ እውን ባይታ ክፈቕዱ ይግባእ። እቲ ኣይንግዛእን ዝብል መንፈስ ቃልሲ ናብቲ ሓዱሽ ወለዶ ክሰግር ኣለዎ" ዝብል መደምደምታ ድማ ሂቡ።

ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል መፅናዕቲ ስነ ህዝቢ እዮም።

https://ichef-1.bbci.co.uk/news/660/cpsprodpb/14FC2/production/_98845958_tplfpic.jpg

ናይ ምስሊ መግለጺ ርእይቶ ወሃብቲ፥ ውፅኢት ገምጋም ህውሓት ኣብ ተግባር ክውዕል ይሓቱ

"እቲ ህልው ኩነታት ተገምጊሙ'ሎ። ገምጋም ድማ ኣገዳሲ እምበር እኹል ቅድመ ኩነት ኣይኰነን። ብድሕሪኡ ተግባር ክስዕብ ኣለዎ። ስጉምቲ ማለት፡ ግድን ሰብ ምእሳር ማለት ዘይክኸውን ይኽእል።

ነቲ ዝሓለፈ ግዜ ተከሓሕሰሉ ክኸውን ኣለዎ። በሰላ ናብ ዘተኣማምን ዋሕስ ክቕየር ይግባእ። እዚ ንምግባር ኸዓ ውፉይ ኣመራርሓ የድሊ" ይብሉ ዶክተር ክንፈ።

ከም ኣገላልፃ ዶክተር ክንፈ ውድቀት ከምዘይድገም ገይርካ ክስረሐሉ ይግባእ። ካብ ውድቀት ምምሃር ማለት ዳግም ከይረአ ምስራሕ ማለት እዩ ብምባል የብርሁ።

ዶክተር ክንፈ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ንምብራህ ተምሳሌታዊ መግለፂ ይጥቀሙ።

"ህዝቢ ኣሳፊራ ኣብ ትኸይድ ኣውተቡስ መኪና ምዝዋር ዝመልኽ መራሒ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ተብሎ እሞ ካልኦት ተሳፈርቲ በብቦትኦም ኮፍ ክብሉ ይግባእ።

መኪና እናተገልበጠት እናረአኻያ ኣበየናይ ወንበር ክኸውን ኢልካ ምምራፅ ርኢና ኢና። ብስም ምትኽኻእ ብዕድመ ጥራሕ እንተይኰነስ ብዓቕሚ ዝነኣሰ ሰብ ክኣትው የብሉን።

ስራሕ ተይኰነ ንሰብ ክዕደል ዘለዎስ ኣየናይ ሰብ ኣበየናይ ስራሕ ክምደብ ይግበኦ እዩ ክኸውን ዘለዎ" ብምባል የረድኡ።

ህወሓት ብዋናነት ክልተ ሓይሊ ነይሩዋ ይብሉ ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ። ሰራዊትን ኣብ ህዝባዊ ስራሕቲ ዝነጥፍ ሓይልን ኢልካ ምምቃል ይከኣል።

እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ዝነበረ ናብ ስልጣን ተሓንኪቡ። እቲ ኣብ ሰራዊት ዝነበረ ተሓዲጉ። ካብ ሰራዊት ምስ ወፀአ ናብ ውድባዊ ስራሕቲ ኣእቲኻ ክትጥቀመሉ ይግባእ።

ኮታስ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ነባኽኖ ሓይሊ ሰብ ፈፂሙ ክህልው የብሉን ዝብል ሓሳብ ሂቦም።

"ኣብ ገምገም ገደል ስለዘለና ናብቲ ሰጣሕ ጐልጎል ክሳብ ንወፅእ ኩሉ መማረፂ ምጥቃም ከድሊ እዩ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ መለማመዲ እንተይኰነስ ልምዲ ዘለዎ ሰብ ናብ ቅድሚት ክመፅእ ኣለዎ።

እቲ ዝለዓለ ብኽነት ሓይሊ ሰብካ ብግቡእ ዘይምጥቃም እዩ። ነቲ ምሁር እውን እንተዀነ 'ናብ ቅድመኻ ዝመፀአ ዲኻ ትወስድስ ወይስ ኣፅኒዕኻ ኢኻ ትፀንሕ' ዝብል ብዝግባእ ክተሓዝ ኣለዎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዕሙቕ ዝበለ ገምጋምን ምንቕቓፍን ምክያድ ድማ ህወሓት ናብ በዓል ዋናኣ ትምለስ ዘላ ትመስል። ብወገነይ ብሩህ መፃኢ ይረአየኒ'ሎ" ብምባል ዛዚሞም ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ።

"ብሕሱም ብዝሒ መግለፂ ደኺሙና'ሎ"

ንካልኦት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ወፊሮም ካብ ዘለዉ ሰባት እውን ንገሊኦም ሓቲትና ኣለና።

ኣይተ ናትናኤል ተኽለብርሃን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ መንጐ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ገምጋም ዘውፀኦ መግለፂ መደምደምትኡ ርእይኻ እዩ ዝፍረድ በሃላይ እዮም።

ኣይተ ናትናኤል "ፀገማቶም ኣነፂሮም ምግምጋሞም ዓብዪ ክብሪ ኣለኒ። እቲ ኣብቲ ገምጋም ዘርዚሮምዎ ዘለዉ ድኽመታት እውን ሓቂ እዩ። ኰይኑ ግና ብተግባር ተዘይኣርእዮምና ኣይንኣምኖምን።

ንኣብነት ፀረ ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ነይሩና እንተይሎም ኣብዚ ንዝተሳተፉ ቦርቊቖም ከውፅኡ ኣለዎም። እንተዘየለ ምስማዕ ደኺሙና እዩ። ብሕሱም ብዝሒ መግለፂ ደኺሙና'ሎ። ኣብ ባይታ ርኡይ ለውጢ ኢና ንደልይ" ኢሎም።

https://ichef-1.bbci.co.uk/news/660/cpsprodpb/102CE/production/_98845266_tplf2.jpg

ናይ ምስሊ መግለጺ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዓᎁቕ ምንቕቓፍ ከምዘለዉ ይዝረብ

ዓሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። መራሕቲ ትግራይ ንኣብነት ኣይተ ኣባይ ወልዱ ናብቲ ህዝቢ ብምቕራብ ሰሚዖምዎ። ህዝቢ እቶም ዘለዉ ፀገማት ዝርዝር ኣቢሉ ነጊሩዎም።

ኣይተ ናትናኤል ርእይቶኦም ንምጥንኻር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ኣብነታት የቕርቡ።

"ግን'ከ እንታይ ለውጢ ተራእዩ? ደጊም ብዘረባ ጥራሕ ዝኣምን ለዋህ ወለዶ የለን።

እትፈትዎ ስረስ ምስ ኣረገ ትድርብዮ እምበር ኣይትኽደኖን። ብተግባር እንተዘይኣርእዮምና ሎሚ እውን ኣይዕወቱን" ይብል።

"ንመኸምበቲ እተን ኣብቲ ገምጋም ቀሪበን ዘለዋ ድኽመታት ናብ ተግባር ንምቕያር ክጭክኑ ኣለዎም። ቁርፂ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ።

ምእንተ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኢሎም ክጭክኑ ይግባእ" እንትብሉ ኣይተ ናትናኤል ይምሕፀኑ።

ገምጋምን ምንቕቓፍን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብተነፃፃሪ ምሽጥራዊ ኰይኑ ከምዝተኻየደ ይእመን። ብሒም ዝብል ግዲ ዘይተረኸበ ኰይኑስ ኣፋፍኖት ኣይተረኸበን።

እንተ እቲ ገምጋምን ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን ክቕፅል እዩ ተባሂሉ'ሎ።

ምንቕቓፍ እንተዀይኑ ዝተነቐፉ ሰባት ስለዝህልዉ እንታይ ስጉምቲ ተወሲዱ ዝብል ኣብ ቀፃሊ ዝረአ ክኸውን እዩ።

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events