Date: Tuesday, 28 November 2017
ወርሒ ሕዳር ዕለት 28, 2017 ዓም ፈረንጂ
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ንገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ መስተርሆ ዝፈጠረ ስርሓት ይርአ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ሽግር *ጸዓት ኣስመራ ከረን ደቀምሓረ ከምኡውን ብዙሓት ኣብ መንጎ እዘን ከተማታት ዝርከባ ዓድታት ከምዝተፈትሐ ገሊጽና ኔርና። ከምኡ`ውን ቅድሚ ቁርብ ኣዋርሕ ኣቁርደት ሻምብቆን ኣብ ዞባ ዓንሰባ 16 ገጠራት ምስ ከርከበት ልምዓት ዝተተሓዘ ናይ 24 ሰዓት *ጸዓት ከምዝረኸባ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ዓመት`ውን ተሰነይን ሃይኮታን ወሲኽኻ ብዙሓት ዓድታት ተመሳሳሊ ናይ 24 ሰዓት ጸዓት ረኺበን እየን።