Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ *ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ሓድሕድን ሕንፍሽፍሽን ናይ ግዳም ሓይልታት ኣእዳው ዝተኣታተዎ ኮይኑ፣ ኣሳሰይቱ ድማ ብኸብዶም ዝተዓስቡ ተበለጽቲ ገለ ክፋል ደቀ ሃገር ደቡብ ሱዳን እዮም።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 29 November 2017

*ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ሓድሕድን ሕንፍሽፍሽን ናይ ግዳም ሓይልታት ኣእዳው ዝተኣታተዎ ኮይኑ፣ ኣሳሰይቱ ድማ ብኸብዶም ዝተዓስቡ ተበለጽቲ ገለ ክፋል ደቀ ሃገር ደቡብ ሱዳን እዮም።
 
*ናተይ ርእይቶ*
 

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ወርሒ ሕዳር ዕለት 29, 2017 ዓም ፈረንጂ

ከም መዓልታዊ ዝስማዕ ሎሚ መዓልቲ ከኣ ኣርብዓ ሰባት ኣብ ደቡብ ሱዳን ተቀቲሎም። እዛ መዓልቲ ኣብ ትውድኣሉ ክንደይ ክበጽሑ እዮም ዝፈልጥ ሰብ የለን። ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ተመሳሳሊ ዓመታት ተቃሊሰን ክልቲኤን ከኣ ነጻነተን ረኺበን። እቲ ፍልልዩ ናትካ ኩሉ ባዕልና ዝገበርናዮ ክኸውን ከሎ ናቶም እቲ ኩሉ ዝሓገዞም ድሕሪ ነጻነቶም ክበልዕ ኢዱ ዝሰደደሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ። ፕረዚደት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ናይ ነጻነት ጽምብሎም ተረኺቡ ሓንቲ ምኽሪ ፈይ ኣቢልሎም ኔሩ።

ነጻነትኩም ክትዕቅቡ እንድሕር ደሊኹምን ንዝመጽእ ወለዶ ናጻ ሃገር ከተረክቡ ሓላፍነት ስለዘለኩም፣ ንናይ ወጻኢ ካምፓኒታት ኣብ ነዳዲ ከውፍሩ ጌርክሞ ዘለኹም ጻውዒት ሰርዝዎ። መጀመርያ ኣብ ካልእ ጽላታት ሓገዝ ሕተቱ። ንጋዝን ነዳድን ኢሎም ብቀጥታ ወይ ብዕሱባት ሃገር ከፍርሱ ዝጓየዩ ጎሓላሉ ስጋብ ዘለው፣ ሰራዊትኩምን ናይ ጸጥታ ኣካላትኩምን ምስ ደልደለ ምጽዋዕ ይሓይሽ። እዚ እንተዘይጌርኩም ግና፣ ኣብ ውሽጢ ውሕዳት ዓመታት ፉሕፉሕ ክኣትወኩም እዩ። ምኽንያቱ እቶም ዓዲምክሞም ዘለኹም ተመክሮ ናይ ምፍራስ ዘለዎም እዮም። ሓዊ ኣሳዊሮም፡ ልዕሊ መንግስቲ መንግስቲ ዝኾኑ ካምፓኒታት መሳርሒ ምዕራብ ግዳይ ክትኮኑ ኢኹም። እዚ እንተጌርኩም ኤርትራ ክትሕግዝ ቅርብቲ እያ። ነቶም ካብ ንህዝቦም ንኻልኦት ረብሓ ድሮ ዝተሸጡ ከም ምክትል ፕረዚደንት ቀልጢፍኩም እለይዎም። ከይተርዓኑ ከለው

ነዚ መልእኽቲ ብጽቡቅ ተቀበሉ ብዙሓት ኔሮም። ፕረዚደንት ወሲኽካ ካብ ኤርትራ ንመሃር፣ ኣብዚ ከባቢ ኤርትራ ጥራሕ እያ ብናታ ነጻ ሕርያ ትጉዓዝ ዘላ ክብሉ ከለው፣ ምክትል ፕረዚደንትን ተሓባበርቱን ከኣ ኤርትራ ከምዚ ትብል ዘላ ከይንበልጻ ብቅንኣት እዩ። ስለዚ ንዓበይቲ ሃገራት ዓዲምና ይከላኸላልና ብምባል ነጺገሞ። ወከልቲ ኣሜሪካ ዝኾና ኢትዮጵያ ኡጋንዳ ካልኦትን ብቀጥታ ኢደን የእትየን ብትንትን የእተዋላ። እቲ ዘገርም እቲ ምክትል ፕረዚደንት ሕጂ ነታ ሃገር ኣብ ዓዘቅቲ የእቲዋ ይርከብ። ከምታ መንግስቲ ኤርትራ ተተንበያ ከኣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመቶም ነታ ሃገር ናብ ውግእ ሕድሕድ ሸሚሞማ ይርከቡ። ክንደይ ህዝቢ ተሰውኣሉ ነጻነት ንከንቱ ኮይኑ።

ናይ ወያነ ጀነራል ጻድቃን ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዘገርም ቃላት ፈነወ፣ ንሱ ይብል ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ትግራዎት ዝዓለመ ጸለመ የካይዱ ኣለው። ናብ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ናብ ትግራይ፡ ወያነ ንትግራዎት ገዲፍሎም ዝኸይድ ዘሎ ዘይውዳእ ህያብ ምስኩሉ እዚ ከባብን ምስ ኢትዮጵያውያንን ኣቀሓሕርዎም።

ደቡብ ሱዳናውያን ሃገሮም ተቆጻጺሮም ንኹሉ ብስም ምዕቃብን ካልእን ኣትዮ ዘሎ ሰራዊታት ብምስጓግ ጎይታ ሃገሮም ክኾኑ ተስፉና እዩ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events