Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ኣባላት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ወለጋ፣ ኢትዮጵያ።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 30 November 2017

ኣባላት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ወለጋ፣ ኢትዮጵያ።

Bild könnte enthalten: im Freien
 

 

https://scontent-ams3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p50x50/21475_1046186245454724_5941710253388869559_n.jpg?oh=16614307a9e53cc1862bc2a05f459c7a&oe=5A970251 https://scontent-ams3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p50x50/21475_1046186245454724_5941710253388869559_n.jpg?oh=16614307a9e53cc1862bc2a05f459c7a&oe=5A970251

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ወርሒ ሕዳር ዕለት 30, 2017 ዓም ፈረን ·


ሻዕብያ ንመንግስቱ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን ተዋጊእዎን ስዒርዎን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ`ውን ከምድላዮም እንዳዓንደሩ ንኦሮሞን ትግራይን ተጋደልቲ ይመርሑን ኔሮም። ከምኡውን እዞም ሰብ ስረ ኤርትራውያን ኣብ ወለጋ ጥቓ ሱዳን ዝነበረ ናይ ደርጊ ናይ ሕርሻ መዓስከር ብምጥቃዕ ዓበይቲ መካይንን ከምኡውን 120 ትራክተራት ብምጽዓን ናብ ሱዳን ብምውሳድ እተን ዝተረፋ ከኣ ኣቃጺሎመን። ብድሕሪኡ ብሱዳን ጌረን ናብ ሓራ ቦታታት ኤርትራ ከምዝኣትዋ ጌሮም።


ናይ`ዛ ስርሒዝገርም ግና ተጋደልቲ ህግ ኩላቶም እንዳዘወሩ ክኸዱ ሓደገኛ ስለ ዝኸውን ብቅልጡፍ ደርጊ ከይደብደበን ካብ ክሻፋ ክስወራ ስለ ዝነበረን መብዛሕትአን እተን መካይን ብሙርዃት ጌሮም ከምዘዘወርወን ይፍለጥ። ንተጋዳላይ እሞ እንታይ ይጽግሞ!።


መንግስቱ ድሕሪ ምህዳሙ ከምዝኣመነሉ ንሱ ይብል፣ ንሕና ውግእና ምስ ሻዕብያ እዩ ኔሩ። ብዛዕባ ትግራይ ተጨኒቕና ኣይንፈልጥን። ብከምኡ ኢና ከኣ ኣብ መላእ ትግራይ ሓንቲ ክፍለ ሰራዊት ጥራሕ እያ ኔራትና። ኣብ ኤርትራ ግና ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸር ሰራዊት ኔሩና። ንወያነ መሳርያ ጥራሕ ዘይኮነ ስረ ዘዕጠቅዎም ሻዕብያ እዮም! ወያነ ብናይ ሻዕብያ ሓይሊ ከምዚ ውሕጅ ዝረኸቦ ዝግፍጥ ብከምኡ እዮም ኣዲስ ኣበባ በጺሖም!

 

ትግራዎት ግና ነዚ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓለምን ዝፈልጦ ሓቂ ብሓሶት ክሽፍኑ ህርድግ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓሉን። ናይ ውሽጢ ሽግር ነብሰ ምትእምማን ንምፍዋስን ጎብለል እዚ ዞባ ንምዃንን፣ ንኣሜሪካ ሒዝና ኣለና ኢሎም ምስ ሓሰቡ እቲ ቀዳማይ ገንሸል ክገብርዎ ዝፈተኑ ሻዕብያ ምጥፉእ እዩ። ኣብ ሕልሞም ንሻዕብያ እንድሕር ኣጥፊእና ናይ`ዚ ዞባ ጎባልል ብሙዃን ንኢትዮጵያ 100 ክንገዝኣ ኢና ኢሎም ብምእማን ከጥፍኡና ነቀሉ። እንታይ እሞ ይገበር ሻዕብያ ምጥፉእ ኣብዮ፣ ሻዕብያ ብዝወሰዶ ጸረ መጥቃዕቲ ከኣ እግሮም ተቀርሺሙ 100 ዓመት ዘይኮነስ 30 ዓመት ኣብዘይርእይሉ ደረጃ በጺሖም።


እሞ ንምሕሳው ንጎኒ ገዲፍና ካብዘን ክልተ ውድባት ኣየናይ እዩ እቲ ሓያል? ከም ቆልዓ ካብ መላእ ዓለም ዘድልዮ ሓገዝ ረኪቡ ከሎ ንኢትዮጵያ ክቋጻጸር ዘይከኣለ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዘሎ`ዶ ወይስ እቲ ምስ ኩሉ ተጻብኦ ሓያላት ሃገራትን እገዳን ኩሉ ሽርሕታት በጣጢሱ ደው ዝበለ ሻዕብያ? መልሲ ናባኹም። እንተ እቶም ባድመ ክብሉ ዝሓመሙ ትግራዎት ኣይንገደሰሎም ምኽንያቱ ዓወት ርእዮም ዘይፈልጡ ስለ ዝኾኑ። ረሲዖማ እታ ብዘይዝኾነ ሓገዝ ነብሱ ኪኢሉ ዝሕግዞም ዝነበረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር! እወ ኣሉ ኢሎሞ ነቲ ታንክታቱ መሪሑ ኣዲስ ኣበባ ዘብጽሖም ሻዕብያ። ሕጂ ግና ንባድመ ዘይኮነ ንኢትዮጵያ ክስእንዋ ምዃኖም ብሩህ እዩ። ብዘይ ሻዕብያ ወያነ ወለሓደ ከምዘይብላ እዚ ሕጂ ትገብሮ ዘላ ፉሕተርተር ዓቢ ምስክር እዩ። እዚ ወደሓንኩም።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events