Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ምራራ ሶሊኾም ብምእታው፡ ኣብ ናይ ሓመድ ጽርግያ ፈንጂ ክተኽሉ ዝተላእኩ ሹዱሽተ ወይጦታት..... 4 ክማረኹ እንከለዉ 2 ተቐቲሎም፣ 1 ትግራዋይ ሓባር መገዲ`ውን ድሒሩ ተታሒዙ።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 30 November 2017

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ምራራ ሶሊኾም ብምእታው፡ ኣብ ናይ ሓመድ ጽርግያ ፈንጂ ክተኽሉ ዝተላእኩ ሹዱሽተ ወይጦታት................  4 ክማረኹ እንከለዉ 2 ተቐቲሎም፣ ሓደ ትግራዋይ ሓባር መገዲ`ውን ድሒሩ ተታሒዙ።

Bild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen, Personen, die sitzen und im Freien

https://scontent-frt3-2.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p50x50/21475_1046186245454724_5941710253388869559_n.jpg?oh=16614307a9e53cc1862bc2a05f459c7a&oe=5A970251

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ወርሒ ሕዳር ዕለት 30, 2017 ዓም ፈረንጂ

ከምቲ ቃል ዝኣተናልኩም፣ ወያነ ዝለኣኸቶም 6 ገበርቲ እከይ ሞትን ምምራኽን ኮይኖም ክንብል ገሊጽናዮ ኔርና ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሚራራ ንምዕራብ 12 ኪሜ ዘሎ ናይ ሓመድ ጽርግያ ጸረ መኪና ተፈንጀርቲ ንኽተኽሉ ብዝተዋህቦም ትእዛዛ እዮም ለይቲ ብምእታው ነቲ እከይ ተግባሮም ክፍጽሙ ዝፈተኑ። እንተኾነ ናይ ለይቲ ሓለዋ ወጺኣ ብዝነበረት መስርዕን ኣብቲ ከባቢ ዘለው ህዝባዊ ሰራዊትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። እቶም ዝተኽሉ ዝነበሩ ሓለዋ ዝነበሩን 4 ሰባት ቀልጢፎም ኢዶም ክህቡ ከለው፣ብድሕሪት ንሓለዋ ተሪፎም ዝነበሩ ግና ጸልማት ጉልባብ ብምግባር እግረይ ኣውጽእኒ ብምባል ሃደሙ።እታ ኣሃዱውን ደድሕሪኦም ሰዓበት። ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኣሸጋሪ ናይ ቅርጺ መሬት ግና ክስወሩ እኳ እንተፈተኑ፣ ብረድዮ እቲ ኩነታት ንኹለን ሓይልታት ስለዝተሓበረ ካልኦት ሓይልታትና ነቲ መውጽኢ ይኾኖም ኢለን ዝኣመና ከርደንኦ። ከምቲ ተጸበይዎ መሬት ብርህ ክብል ከሎ ናብ መሬት ትግራይ ክሰግሩ ስለ ተኸሸፉ ደው ክብሉ ተሓበሮም። ቀሪብና ኢና ብምባል ግና እንዳተኮሱ ክሃድሙ ፈተኑ። እቲ ሓደ ብኡንብኡ ተሃሪሙ ወደቐ። እቲ ሓደ ግና ሓላፊ ናይታ ጉጅለ እንዳተኮሰ ክሰግር ስለ ዝፈተነ ኣብኡ ከሎ ደፍእዎ። ርእሱ ተሃሪሙ ከኣ ኣብኣ ተረፈ። ሕማቅ ኣማውታ!

 

ኣብቲ ከባቢ ዓሪዶም ዝነበሩ ምልሻታት ትግራይ ግና ካብ ምዕዛብ ሓሊፎም ስጉምቲ ክወስዱ ኣይፈተኑንእንተስ ከይትትኩሱ ተባሂሎም እንተስ እንተቶኪስና ንዓናውን ኣይገድፉናን እዮም ወይውን ብብዝሒ ሰራዊት ምንቅስቃስ ተዳሂሎም ስቕ መረጹ። ጽቡቅ ውሳኔ! ሓይልታትና ከኣ ምሩዃቶም ሒዞም ናብ ቦትኦም ብሰላም ተመሊሶም። ብድሕሪኡ ሓደ ጉዳይ ኣጋጢሙ። መሬት ምስ ወግሐ ብኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት እቲ ከባቢ ሓደ ሲቪል ዝተኸድነ ውልቀሰብ ተሓቢኡ ረኸብዎ። ትግራዋይ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ንሱ እኳ ከብቲ ጠፍኤናኒ እንዳደለኩ መስዩኒ ኣብዚ ደቂሰ እንተበለ፣ ነቶም ምስቲ ከባቢ ብዙሕ ፍልጠት ዘይብሎም ገበርቲ እከይ ክመርሕ ዝተዓስበ ከይከውን ኣይተርፍን እዮ ብምባል ናብ ሓይልታትና ኣረኪቦሞ። ምኽንያቱ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ከምኡ ስለ ዘጓንፍ፣ እቶም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት እቲ ከባቢ ከምዝሓበርዎ ኣብቲ ከባቢ ንከብቲ ኢሉ ክመጽእ ዘይሕሰብ እዩ። እንተ እቶም ገበርቲ እከይ ከምቲ ኩልሻዕ ዘጋጥሞም ወለሓደ ጉድኣት ከየውረዱ ፈሸሉ።


እቲ ቦታ ምድንጋር ከይፈጥር ምራራ ሰንዓፈ ሓሊፍካ ኣብ መንጎ ጾሮናን ዓሊቴናን ወይ ከኣ ጥቃ መስሓል ወደከለ እዩ። ኣብ ዶብ ትግራይ ዝርከብ ቦታ እዩ። እቶም ነዚ እከይ ተግባር ክፍጽሙ ዝሓሰቡ ብስም ቢሄረ ዓፉር ዝሽቅጡ እንተኾነ ግና ብህዝቢ ዓፉር ተቀባልነት ዘይረኸቡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ከይተረፈ ከም ግብረ ሽበራውያን ዝተመዝገቡ እዮም። ምዃን ኣብዩዎም እምበር እቲ ቀንዲ ዕላምኦም ንዓፋር ናይ ኤርትራ ምስ ናይ ዓፉር ናይ ኢትዮጵያ ክንሕወስ ኣለና ብምባል ንወያነ ባሕሪ ንምርካብ ፈንጠርጠር ዝብሉ እዮም። እቲ ቀንዲ ዘቅርብዎ ምክንያት ኣብ ኢትዮጵያ ሚልዮናት ዓፉር ኣለው ኣብ ኤርትራ ግና ካብ 100 ሽሕ ዝውሕዱ ስለዚ ናብ የሕዋቶም ይጸንበሩ ዝብል ጽጽዋይ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ግና ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዝተፈንፈነት ንዓፉር ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምሓዝ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ክገሃድ ዘይክእል ሕልሞም እዩ። እቲ ናይ ምንቅስቃስ ዓፉር ድሕሪ ፍሽለት ጾረና ኣብ ከባቢ መስከረም  ዘሎን ዘየለን ሓይሊ ብምካብ ብባሕሪ ጅቡቲ ኤርትራ ዘይሕሰብ ዝፈተነን እቲ ዝበዝሑ ዘዕጠቆምን ሓለፍቶምን ዝቀሃሙሉ ጉዳይ ስለዘሎ ምስ በጽሓና ከነቕርቦ ኢና። ድሕሪኡውን ስርሒት ከምዝተካየደን 90 ሚኢታዊት ሓይሉ ከምዝተደምሰሰ ካብ ትግራይ እቶም ዝበዝሑ ናብ ኢዲስ ኣበባ ከምዝቀየሩን ይፍለጥ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ቀንዲ ነጥቢ ግና እዞም ብስም ብሄረ ዓፉር ዝሽቅጡ 95 ሚኢታዊት ዓፉር ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ክፍለጥ ኣለዎ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events