Dehai News

ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ / ክትዕ ኣብ ጉዳይ ምዕጻው ኣብያተ-ንግዲ ኤርትራ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 29 December 2017

ክትዕ ኣብ ጉዳይ ምዕጻው ኣብያተ-ንግዲ ኤርትራ

 ታሕሳስ 29, 2017

ተወልደ ወልደገብረኤል


ዋሽንግተን — መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብጥረ ገንዘብ፡ ብቸክን፡ብባንክታት ብምስግጋርን ንክሰርሓ፡ ዝተዋህበ መምርሒ ዘይተኸተላ ዝበለን መብዛሕቲኣን ናይ መስተንግዶ ዝኾና 450 ትካላት ንግዲ ከከም ደረጅኣን ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ ሾመንተ ወርሒ ክዕጸዋ ምውሳኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ።


ነቐፍቲ ግን እቲ ምዕጻው ኣብያተ ንግዲ፡ ንሰራሕተኛታትን ነቶም ከም ፍርያት ሕርሻ ዝበሉ ጥረ-ኣቕሓ ናብ ትካላት ንግዲ ዘቕርቡን ሰባት ከም ዝሃሰዮም ይገልጹ። ተወልደ ወልደገብሬል ንክልተ ኤርትራውያን ሰብ-ሞያ ኣካቲዑ`ሎ።


ዶ/ር. ተስፋማርያም መሓሪ፡ መምህር ዩኒቨርሲቲ ስነቑጠባ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣቶ ኢብራሂም ዓብደኑር ክኢላ ሒሳብ ኣብ ሃገራዊ ዲሞክራቲክ ኮንግረስ`ዩ -ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ብዛዕባ ቲ ጉዳይ ዘካየድዎ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



Dm eri tv subscribe

ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋገጸ ውሳኔ

Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com