Dehai News

ECSS-Online.com: ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 01 February 2018

ቃለ-መሕትት
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት

ወርሒ ለካቲት ዕለት 01, 2018 ዓም ፈረንጂ

ሕቶ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፋ 26 ዓመታት፡ ኣብ ምርግጋጽ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብፍላይ ኣብ ጽላታታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቀረብ ማይ፡ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጽታት ክትግበር ዝጸንሐ ስርሓት ኣሎ። ኣብ ካልኦት ጽላታት ከም ኢንዱስትሪ ሃብቲ ዓሳን ቱሪዝምን ዝኣመሰሉ ግን፡ እቲ ገስጋስ ትሕቲ ጥሙሕናን ተኽእሎታትናን እዩ ክበሃል ይከኣል። ናይ ቀረባ መደብና ኣብዞም ጽላታት እዚኣቶም እንታይ እዩ?

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኹሎም ጽላታት ዝጸልዉ መሰረታውያን ናይ ልምዓት መደባት ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ቀረብን ኣገልግሎትን ማይ እዩ። ቀረብ ማይ፡ ንሕርሻ፡ ኢንዱስትሪን መስናዓትን ካልእን ዝጸሉ እዩ። ቀረብ ማይ ኣብ ዝናብ’ዩ ክምርኰስ ጸኒሑ። ካብኡ ክንወጽእ ክንክእል ኣለና። ኣዝዩ ከቢድን በዳሂን ስራሕ ድማ እዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ዝማላእ ኣይኮነን። ቀረብ ማይ እንተድኣ ተማሊኡ፡ እቶም ካልኦት ጽላታት ኣገዳሲ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ፈለማ ግን ዝኣክል መጠን ማይ ክህልወና ኣለዎ። ማይ ምሓዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንጥቀመሉ እውን ኣብቲ ዝድለ ቦታ ከነብጽሖ ክንክእል ኣለና። ብዘይ ማይ ኢንዱስትሪ ይኹን ካልኦት ጽላታት ክህልዉ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ካልኣይ መሰረታዊ ቀረብ፡ ጸዓት እዩ – ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ። ኤለክትሪክሲቲ ንዘቤታዊ ኣገልግሎት፡ ሕርሻ፡ ኢንዱስትሪን ፡.....................

....................ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ።

ብርሃነ ሃብተማርያም


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events