Dehai News

ቢቢሲ / ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ ካለይ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ሓሙሽተ ብኸቢድ ቆሲሎም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 02 February 2018

ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ ካለይ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ሓሙሽተ ብኸቢድ ቆሲሎም

ዓርቢ 2 ለካቲት 2018

ኣብቲ ጎንፂ ዝተጎድኣ ሰብ ሕክምና እናተገበረሉ
ኣብቲ ጎንፂ ዝተጎድኣ ሰብ ሕክምና እናተገበረሉ

ወኪል ዜና ፈረንሳ AFP ከምዝፀብፀቦ ዕድሚኦም ካብ 16-18 ዘርከቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን መናእሰይ ኣብ ከቢድ መጉዳእቲ በፂሕዎም። ንመጥባሕታዊ ሕክምና ድማ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

እቲ ሓምሻይ ግን ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ስለዘብፅሖ ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ሊል ተወሲዱ።

ኣካላት ፀጥታ ከምዘፍለጥዎ ካልኦት ተወሰኽቲ 13 ሰባት'ውን ቆሲሎም።

ሚንስትር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ፈረንሳ ናብቲ ቦታ ከምዝኸይድ ኣፍሊጡ'ሎ።

ጌራርድ ኮሎምብ "ብምኽንያት ሎሚ መዓልቲ ዘጋጠመ ከቢድ ኩነታት ናብ ካላይ ኣማሲየ ክኸይድ እየ" ኢሉ።
ንኽልተ ሰዓታት ዝኣክል ዝፀንሐ ከቢድ ብእሲ ስደተኛታት መግቢ ንምርካብ መስርዕ ኣብ ዝሕዙሉ ደቡባዊ ክፋል እታ ከተማ እዩ።

ብምኽንያት እቲ ጎንፂ 100 ኤርትራውያንን 30 ኣፍጋኒስታውያንን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሎም።

ኣብ እዋን እቲ ጎንፂ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብትርቲ ሒዞም ነይሮም
ኣብ እዋን እቲ ጎንፂ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብትርቲ ሒዞም ነይሮም

እቲ ከቢድ ባእሲ ዝተፈጠረ ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ስደተኛ ተኹሲ ድሕሪ ምኽፋቱ እዩ።

ብድሕሪ'ቲ ኣብ ካለይ ዘጋጠመ ጎንፂ ኣስታት 5 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኢንዳስትሪ'ውን ተመሳሳሊ ባእሲ ተወሊዑ ነይሩ።

"ፖሊስ ነቶም ምስ 200 ኤርትራውያን ዝገጠሙ 150 ኣፍጋኒስታናውያን ንምድሓን ኢዱ ሓዊሱ'ዩ" ምምሕዳር እቲ ከባቢ ገሊፁ።

ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ፈረንሳ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኹ ተሓቢሩ'ሎ።

ገበርቲ ሰናይ ታካልት ንቑፅሪ ኣብ ካላይ ዝርከቡ ስደተኛታት ክሳብ 800 እንተብፅሓ ሰበ-ስልጣን እታ ከተማ ግን ካብ 550 ክሳብ 600 ከምዝኾነ ይዛረቡ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events