Dehai News

-ድሕረ-ባይታ ታሪኻዊ ተዘክሮታት፡ 'ስርሒት ፈንቅል' ብዓይኒ ደርጋውያን

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 09 February 2018

-ድሕረ-ባይታ ታሪኻዊ ተዘክሮታት፡ 'ስርሒት ፈንቅል' ብዓይኒ ደርጋውያን-

The End Chapter of The Ethiopian Navy

ለካቲት ዕለት 9, 2018
The Battle of Massawa (Operation Fenkil) took place in February 1990 in and around the coastal city of Massawa, Eritrea. This offensive was conducted by both land and sea by the Eritrean People's Liberation Front (EPLF) against the Ethiopian Derg Army. During this battle EPLF used its small fleet of armed speedboats to sink or cripple most Ethiopian navy ships anchored in and around Massawa harbor.
 
The Battle of Massawa (Operation Fenkil) took place in February 1990 in and around the coastal city of Massawa, Eritrea. This offensive was conducted by both land and sea by the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF) against the Ethiopian Derg Army. During this battle EPLF used its small fleet of armed speedboats to sink or cripple most Ethiopian navy ships anchored in and around Massawa harbor.

ካብ 'ዛዛሚ ምዕራፍ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ', ዝተቐንጨበ

ሰበ-ስልጣንን ኣዘዝትን ሰራዊት ደርግ ነበር፡ ኣብ ኤርትራ ንዝወረዶም ሰፍ ዘይብል ሰባውን ንዋታውን ክሳራታት፡ ብዓቢኡ ኸኣ ታሪኻዊ ስዕረት ዝምልከት ዕረ እናጠዓሞም ክእመንሉን ብመልክዕ መጽሓፍ ከስፍርዎን ይርኣዩ ኢዮም። “ገማግም ባሕርን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያን” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብናይ ቀደም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ ነበር ዝተጻሕፈት ኢያ። ኣብ 2006 ኣቢላ ዝተጻሕፈትን 762 ገጻት ዘለዋን ከኣ እያ። ኣብ መቕድምን መእተውን ከም እትሕብሮ፡ ሓፈሻዊ ዕላምኣ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ ነበር” ካብ ኣመሰራርትኡ፡ ምዕባለኡ፡ ክሳብ’ቲ ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ፍጹም ዝተደምሰሰሉ ንዝነበሮ ተራን ኣስተዋጽኦን ንምዝንታው ኢዩ።

ኣብታ ወደባዊት ከተማ፡ ነቲ ብኣጋርን ሜካናይዝድ ኣሃዱታትን ዝተኻየደ መሪር ውግኣትን ህዝባዊ ሰራዊት ንዝፈጸሞ ቅያን’ውን ከይጸወየትሉ ኣይሓለፈትን። ኣብ ገለ ሸነኹ’ውን፡ ነቲ መሪር ስዕረት ብስነ-ጽሑፋዊ ሓይሊ፡ ብቓላትን ሓረጋትን ክጠዓዓም፡ ናብ ረብሓኻ  ክጥምዘዝ’ውን ዘይተፈተነ ኣይኮነን። ገሊኡ “ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ” ዝዓይነቱ መመኽነይታ’ውን ከየስሓቐካ ዘይሓልፍን ከም ዋዛ ዝውሰድን ኢዩ። ብዝኾነ እታ መጽሓፍ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ምዕራፋት ዝተኸፋፈለት ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ገጻታ፡ ንስርሒት ፈንቅል ዝምልከት ዘቕረበቶ ባዕላዊ መግለጺታት ኣለዋ። እዚ ዝስዕብ፡ ጽማቚ ትርጒም ናይቲ “ዛዛሚ ምዕራፍ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝሰፈረ ጽሑፍ’ዩ፦
– – – – – – – – – – – – – – – – – –

እቲ እዋን ን10 ዓመታት ዝኣክል ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሓደ-ሓደ ኩነታት ዝተኸሰተሉ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ምጽዋዕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥርን ለካቲትን ናይ ክልተ ዓበይቲ ቁም-ነገራት ውዕሎ ኢዩ ዝህሉ። ጥሪ 1990 ካብ ኣስመራን ዝተፈላለየ ከባቢታትን ንማርያም ኣስተርእዮ ዘብዕሉ ምእመናን ዝመጽሉ፡ ብዓቢኡ ፈለማ ለካቲት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ ንኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ብናቫል ሳይንስ ዘምሃሮም ሕጹያት መኮንናት ብዲግሪን ሰ/ሌፍትናንት ማዕርግ ዘመርቐሉ ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ ከተማ ባጽዕ ብኣጋይሽ መሊኣ፡ ብፍላይ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ነቲ መመረቕታ ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ዝንቀሳቐስሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።

ከምዚ እናሃለወ ኣብ መዓልቲ ማርያም ኣስተርእዮ፡ ንምሸቱ ሓደ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ነገር ተኸስተ። ሓይሊ መብራህቲ ሴዳው ንነዊሕ ሰዓታት ጠፍአ። እዚ ጉዳይ’ዚ ልሙድ ኣይነበረን። ከምኡ’ውን ንጽባሒቱ፡ ስግር ቤት ትምህርቲ ‘ልዑል መኮነን’ ጠጠው ኢላ ዝነበረት፡ ናይ ኣባላት ሓይሊ ምድሪ ኢትዮጵያ ማይ ዝመልአት ቦጥ፡ ኣብ ትሕቲኣ ቦምባ ኢድ ተፈንጂሩ። ብተወሳኺ ንምሸቱ ቅድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ተዂሲ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢ ሓደ ዓይነት ጸገም ክፍጠር ከም ዝኽእል፡ እዚ ዘይልሙድ ተርእዮታት ኣማቲ’ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ላዕለዋይ ሕጥበ-ጽሑፍ ኣንባቢ ዘልዕሎ ሕቶ ኣይሰኣንን ኢዩ። እዚ ትርኪ- ምርኪ ተርእዮታት ምስቲ ደርማስ ስርሒት ፈንቅል ብኸመይ ክተኣሳስር ይኽእል? ህዝባዊ ግንባር ነቲ ስርሒት ክሳብ’ቲ ናይ ዜሮ ሰዓት ብዓቢ ምስጢር ክሕዞ ከምዝኽእል ዘተሓታትት ኣይኮነን። እንኮ ቡምባ ኢድ ፈንጂርካ ቦጥ ማይ ምፍሳስ ኣብቲ ስርሒት እንታይ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል? ዶስ እቲ ትርኪ- ምርኪ ጉዳያት ከም ሕማቕ ፋል ናይ ዝወረዶም ስዕረት ክቖጽርዎ ስለዝድለዩ ኢዩ! እቲ “ዛዛሚ ምዕራፍ ሓይሊ- ባሕሪ ኢትዮጽያ” ዝብል ምዕራፍ በዚ ‘ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ’ ዝዓይነቱ መመኽነይታ’ዩ ዝፍልም – እስከ ንቐጽል፦

ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣትሒዙ ናይ ሻዕብያ ሓደ ሜካናይዝድ ክፍለ- ሰራዊት ኣበይ ከምዘሎ ክፍለጠሉ ዘይከኣል ኩነታት’ዩ ተፈጢሩ ነይሩ። ኣብ ኣጋር ሰራዊትና፡ ናይ ጸላኢ ኣሃዱታት ኣበይ ከም ዘለዋ ዝሕብር ናይ መቆጻጸሪ ብልሓት ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ሬድዮ ርክባቶም ኣንፈቱን ርሕቀቱን ብዝሕብር መሳርያ (ሬድዮ ዳይረክሽን ፋይንደር) እናተኸታተልካ ኢኻ ትቈጻጸሮ።  ስለዚ ሓይሊ ጸላኢ ክሳብ ክንደይ ነቲ ውግእ ከም እተዳለወሉ፡ ሬድዮ ርክባትን ካልእን ዓጽዩን ብምስጢር ሒዙን፡ ናብ ምጽዋዕ ዝኣትወሉ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣዋዲዱ ምንባሩ ብትኽክል ዘርኢ ኢዩ። ናይቲ ከባቢ ኩነታት ኣየር ድማ፡ ሰማይ ብግመ ተጎልቢቡ’ዩ ነይሩ። ነፈርቲ ኮለላ ክገብራን ነቲ ‘ሜካ’ ከናድያን ኣይከኣላን። ሻዕብያ ነዚ ኩነታት ኣየር ኣብ ረብሓኡ ብዝውዕለሉ መገዲ’ዩ ተጠቒምሉ።

መቸም ከም ግመ፡ ዝናብ፡ ማዕበል ባሕሪ ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ኣብታ መጽሓፍ ዝወረዶም ኩነኔ ውሑድ ኣይኮነን። ብጋህዲ “ባህርይ ኣንጻር ሰራዊትና ኣዲሙ” እዮም ዝብልዎም። ኮነ ኢሎም ኣብ ጎኒ ሻዕብያ ከም ዝወገኑ ንኽገልጽዎም ቁሩብ’ዩ ዝተርፎም። ብዝኾነ ንቐጽል ደኣ፦ 8 ለካቲት 1990፡ ረቡዕ ለይቲ ሰዓት 12.00 ጸላኢ (ህዝባዊ ግንባር) ኣብ ሽዕብ-ዓዲ ሹማ ውግእ ከፊቱ።

እቲ ቦታ ሰራዊትና ብልሙድ “72” እናበለ’ዩ ዝጽውዖ። ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ እቲ ውግእ ኣዝዩ መረረ። ታንኪ ምስ ታንኪ፣ ቢ- ኤም ምስ ቢ- ኤም፣ መድፍዕ ምስ መድፍዕ’ዩ ነይሩ። ሻዕብያ እቲ ኣብ 1977 ባጽዕ ንምሓዝ ዘጋጠሞ ፍሽለት ንኸይድገም’ዩ ዝመስል፡ ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ’ዩ ኣብቲ ግንባር ኣሰሊፍዎ። በዚ መገዲ ኣብ ዓዲ ሹማ (72) ዝነበረ ሰራዊትና ክበታተንን ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ክኸውን ተገዲዱ። ንጽባሒቱ ሓሙስ ሰዓት 4.00፡ ሻዕብያ ንመስመር ኣስመራ- ባጽዕ ቈሪጹዎ።

ናይቲ መስመር ምዕጻው ሓበሬታ ንቤት ጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ሽዑ ንሽዑ’ዩ በጺሕዎ። ድሕሪ’ዚ ሓበሬታ ዝተራእየ ኣዝዩ ዘይልሙድ ነገር’ውን ክጥቀስ ይከኣል። ኣቐዲሞም ብውትህድርና ዘገልገሉ፡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ መግቢ ዘመላልሱ ኣቶ ተኽሉ ገ/መድህን ዝተባህሉ መራሕ መኪና ካብ መገዲ ኣስመራ ክምለሱ ተገደዱ። መኪናኦም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ስታፍ መኮነን ጠጠው ኣቢሎም ከኣ ኣተዉ። ኣቶ ተኽሉ ዘይተኣደነ ተዂሲ እናተኻየደ ከሎ ብድፍረት፡ ብማእከል ውግእ ሰንጢቖም ዝሓልፉ ዝነበሩ ሓያል ሰብኣይ’ዮም ነይሮም። እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ምጽዋዕን ኣስመራን ዝተኸፍተን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሃንደበት ዝኾኖን ውግእሲ ክሓልፍዎ ኣይከኣሉን። ንሶም ንኮማንደር ተስፋየ ታደሰ፡ ኣብ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ምጽዋዕ ሓላፊ ስታፍ መኮነን ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕሪቦም፦ “ብኡነት! ኣብ ህይወተይ ምሉእ ከምዚ ዓይነት ውግእ ርእየ ኣይፈልጥን። ሻዕብያ ብልዑል ደረጃ ዝተዳለወሉ ከቢድ ውግእ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ይትረፍዶ ክትሓልፎ ክትሓስቦ’ኳ ኢዩ ዘጸግመካ። ዝኸፍአ ህልቂት ዘስዕብ ዘሎ ውግእ’ዩ። ብመንጽር’ዚ፡ እቲ ኣብ 1977 ሻዕብያ ዘካየዶ ውግእ ጸወታ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ግኑን ስም ዘለዎ ‘ዘርኣይ ደረስ’ ዝተባህለ ክ/ ሰራዊት’ኳ ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይፍለጥን ኢዩ።” እቲ ውግእ ኣዝዩ እናጸንከረ ይኸይድ ምንባሩ ብትኽክል ዝእምት ጸብጻብ’ዩ ካብ ቃል ናይቶም መራሒ መኪና ተሰሚዑ።

እቲ ዘሰንብድን ዘሕዝንን፡ ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ክውሕዙ ምጅማሮም’ዩ። ዓርቢ መዓልቲ ሻዕብያ ዶጋሊ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብኸቢድ ብረት ንሰራዊትና እናወቕዐ ንድሕሪት ከንሳሕብ ኣገደዶ። ናይ ወገን ሰራዊት ከኣ ኣብ ፎርቶን ከባቢ ባጽዕን ዕርድታት ክሰርሕ ይጓየ ነበረ። ኣብቲ ናይ ሕጹያት መኮንናት መመረቕታ ንኽርከቡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ መኮንናት ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ ከይተረፈ ኣብ ዝኾነ ምንቅስቓስ ክሳተፉ ግድን’ዩ ነይሩ። ሓሙስ ነቲ ናይ መመረቕታ በዓል ናይ መወዳእታ ልምምድ ዝግበረሉ  መዓልቲ’ኳ እንተነበረ፡ ዝዘከሮ ኣይነበረን። ኩሉ ሰብ ብዛዕባ’ቲ ውግእ’ዩ ዘዕልል ዝነበረ። ዝናብ ከም ሕሱም ይሃርም ስለዝነበረ፡ ሰማይ ብኸቢድ ደመናን ግመን ተጎልበበ። ሓይሊ ኣየርና ኣብ ውግእ ዶጋሊ ተረኺቡ ድጋፍ ክገብር ኣይከኣለን። እዚ ኸኣ ንሰራዊት ሻዕብያ ምቹእ ኩነታት ፈጠረሉ። ‘ሻዕብያ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ናይ ሓበሬታ ድጋፍ ተመርኲሱ’ዩ ነዚ ውግእ’ዚ ኣብዚ ወቕቲ ’ዚ ዝኸፈቶ’ ዝብል ገምጋም ኢዩ ዘሎ።

“ ሃገራት ኣዕራብ ንሻዕብያ ዝገብራኦ ድጋፍ. . .” ዝብል ምስምስ፡ እቲ ደርጋውያን ንሰራዊቶምን ህዝቦምን ንዓመታት ዘታለልዎ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዘመተ ኢዩ። ገና ሕጂ’ውን ድሕሪ 20 ዓመታት ናይ ስዕረቶም፡ ነቲ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ክደግምዎ ምፍታኖም ከኣ፡ ንኣንጸባራቒ ዓወታት ስርሒት ፈንቅል ምእማኑ ስለዝተጸገሙ ካብ ምዃኖም ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እዚ ዶጋሊ ዝበሃል ቦታ መቸም ደም ጸሚእዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። ብሓሙስ ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ብፍላይ ብለይቲ ብናይ ጠያይት ብርሃን ተሓጊዝካ ብግልጺ ’ዩ ዝርአ ዝነበረ። እቲ ውግእ ናብ ከተማ ምጽዋዕ እናቐረበ መጸ። ካብ ሻዕብያ ዝትኮስ ናይ 130 ሚ.ሜ. መዳፍዕ ኣብ ከባቢ ጉርግሱም ክወድቕ ጀመረ። ናይ ወገን ሰራዊት ኣብ ኮረቢት ናይ ፎርቶ ዓሪዱ ንጸላኢ (ሻዕብያ) ይጽበዮ ነበረ። ብሓቂ ኸኣ እቲ ውግእ መመሊሱ ቀረበ – ፍጹም ዝዕገት ኣይመስልን ኢዩ። እቲ ድምጺ ብረት ዝተፈላለየ ኢዩ። ጠያይት ከም ጣፍ ይዝራእ። መዳፍዕ ይንቁ። ኣብ ሞንጎ’ዚ ተዂሲ ሰብ ይውጋእ – ይመውት።

ቡምባታት ከቢድ ብረት ኣብ ግራር’ውን ክወድቕ ጀመረ። ሰራዊትና ይድፋእ ከም ዘሎ ድማ ብርሑቕ’ዩ ዝፍለጥ። “ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዐዕርድኹም ኣትክሉ!” ካብ ዝበሃል መቸም ካልኣይ መዓልቱ ኣቑጺሩ’ዩ። እዚ ዓርቢ መዓልቲ 1990 ምዃኑ እዩ። ናይ መዳፍዕ ጠያይት ኣብ ልዕሌና (ናቫል ቤይዝ)’ውን ክወድቕ ጀመረ። ኣብ ናቫል ቤይዝ ዝርከብ መስመር ተሌፎን ስለዝተበላሸወ፡ መልእኽቲ ብተለኣኣኻይ’ዩ ዝሳለጥ ዝነበረ። መቸም “ሓለፍትና ነዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ’ዚ ዘፍሽል ሓደ ፍሉይ ብልሓት (ስርሒት) ይህልዎም’ዩ” ኢሉ ተስፋ ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ እቲ ሰራዊት ዝኾነ ነገር ክገብረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ’ዩ በጺሑ። ምጽዋዕ ምስ ግራር ዘራኽብ ከምኡ’ውን ንግራር ምስ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ዝጽንብር ድልድላት ንኽስበር ኣማራጺ ሓሳብ ተዳለወ። እንተኾነ ፍቓድ ናይቲ ከባቢ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣይተረኽበን። “ብርግጽ ኣብዚ ዓውደ-ውግእ ገለ ቅያ ተፈጺሙ፡ ባጽዕ ትድሕንዶ ትኸውን!!?” እናበለ ሰራዊት ንገዛእ ርእሱ ሕቶ ኣቕረበ። ጸሓይ ከተንቈልቁል ጀመረት። ዓርቢ፡ ምድረ-ሰማይ ናብ ምምሳይ ገጹ ከደ። ቦምባታት መዳፍዕ ኣብ ጥቓ ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ክወድቕ ጀመረ። ካብቲ መዓስከር’ውን ይሓልፍ ነበረ። መሬት ኣንቀጥቀጠት። ተዂሲ ንኻልኢት’ውን ይኹን ፍጹም ኣየዕረፈን። እንተላይ ንሰብ ንምርዓድ ተባሂሉ ዝትኮስ’ዩ ዝመስል ነይሩ።

ውግእ ዘይዘርጎ ሰላም መቸም የለን። ኣኻልብ ካብ ከባቢ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ብልዑል ፍጥነት ናብ ዕዳጋ ክጎዩ ይረኣዩ። ገሊኦም ከኣ ብኣንጻሩ ካብ ዕዳጋ ናብ ሸነኽ ሓይሊ ባሕሪ ይሃድሙ። ኣብ ሰማያት ጥቕጥቕ ዝበላ ረጋቢት ይነፍራ። ንብዙሕ ዘመናት ኣብ ምጽዋዕ ዝተቐመጠ ዝመስል፡ ጻዕዳ ዝኽሳዱ ኳኽ፡ በቲ ተዂሲ ተሰናቢዱ ንየው- ነጀው እናተጻፍዐ የእዊ . . .!

...................The remaining four parts can be read at the following PDF file

Berhane Habtemariam

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events