Dehai News

BBC.com: "እዚ መንግስቲ ነዚ ዝመስል ህዝቢ ምሓዙ ዕድለኛ እዩ ነይሩ"

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 11 February 2018

"እዚ መንግስቲ ነዚ ዝመስል ህዝቢ ምሓዙ ዕድለኛ እዩ ነይሩ"

10 ፌብሩወሪ 2018
 
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፣ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ኣይተ ነጋ ኣሰፋን ካብ ፀጋም ናብ የማን።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብመሰረት ኣካይድናዮ ዝበሎ ገምጋም ዛጊድ ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ኣጊዱ ኣሎ። ቅድም ክብል ኣይተ ብርሃነ ፅጋብን ወይዘሮ ኣዜብ መስፍንን፥ ዳሓር ድማ ንኣይተ ብርሃነ ኪዳነማርያምን ወይዘሮ ኣረጋሽ በየነ ኣጊዱ።

እዚኦም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ስጒጐየም እዩ ዝብል፤ ኰይኑ ግና ብመሰረት ህንፃ ፕሮግራምን እታ ውድብ ናይ ምስጓግ ስልጣን ዝህልዎ ጉባኤ እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ።

እተ ኮሚቴ፥ ንኻልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እውን መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።

ከምኡ'ውን 33 ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ከምዝተኣለዩን 113 ላዕለዎት ኣመራርሓን ከዓ ብመጠንቀቕታ ከምዝተሓለፉን ብስም ህወሓት ኣብ ዝተዘርገሐ መርበብ ሓበሬታ ተገሊፁ'ሎ።

ብወገን መንግስታዊ ስልጣን ድማ ባይቶ ክልል ትግራይ ሓምሻይ ዘበን 10ይ ጉባኤ ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ቀንዩ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዛዚሙ።

ኣባላት ባይቶ ኣፈፃይማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዕምቆት ከምዝገምገሙ ገሊፆም። ሽመት ሰለስተ ሰባት ኣፅዲቖምን፤ንሓደ ድማ ኣፍልጦ ሂቦምን።

ኣብዚ ከም ሓዱሽ ነገር ዝግለፅ ቅድሚ ሎሚ ዝመርሑ ዝነበሩን ካብ ሕዚ ንደሓር ኣይቕፅሉን ዝተብሃሉ ሰለስተ ሰባት ካብ ሓላፍነቶም ተሰጒጐም ኣለዉ።

እዚኦም ድማ ኣይተ ገብረሚካኤል መለስ፣ ኣይተ ልዑል ካሕሳይን ኣይተ ጐይትኦም ይብራህን ይበሃሉ።

ካብዚኦም ዝሓሹን ንዚኦም ዝትክኡን ዝተበሃሉን ሰባት ከዓ ተሸይሞም። ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን፣

ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ፣ ከምኡ እውን ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ክዀኑ ተሸይሞም።

ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ድማ ንቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ብምሉእ ሓላፍነት ክመርሑ ኣፍልጦ ተዋሂቦም።

ኮን ዶዀን?

ንምዃኑ እዚ ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓትን ሹመኛታት መንግስትን ምቅይያር ሰባት ከመይይሪኡዎ? ኣብ ከተማ መቐለ ቢቢሲ ዝሓተቶም ሰባት፥ ገሊኦም ህወሓት ለውጢ ክተምፅእ እያ ኢልና ኣይንኣምንን ይብሉ፤

ገሊኦም ከዓ ኮን ዶዀን ለውጢ ይመፅእ ይኸውን ኢልና ሃንቀው ኢልና ንፅበይ ኣለና እንትብሉ ርእይቶኦም ሂቦም።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ኣብ ንግዲ ባህላዊ ዓለባ ዝወፈሩ ኣይተ ኣሸናፊ ፀጋይ ከምዚ ይብሉ፥

"እቲ ገምጋም ኣነ ብልመስለኒ ካብ መጀመርያ ርእሰ ምምሕዳር ተቐይሩ ክበሃል እንተሎ ህዝቢ ብዙሕ ነገር እዩ ዝፅበይ ነይሩ፤ኣነ ድማ ሓደ ካብቶም ዝፅበዩ እየ ነይረ።

ምኽንያቱ ብዙሕ ሕማቕ ነገር ንርእይ ነይርና ኢና። ሕዚ ግን ምትኽኻእ ስለዘሎ ምናልባት ለውጢ ዶዀን ይህሉ ዝብል እምነት ኣለና" እንትብል ዘለዎ ጭላንጭል ተስፋ ገሊፁ።

ኣይተ ኣደም መሓመድ ዑመር ብኣንፃሩ ለውጢ ክመፅእ እዩ ዝብል እምነት የብለይን ይብሉ።

"ምግምጋም ፅቡቕ እዩ፤ግና ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮታት ምኢቲ ብምኢቲ ኣይኣምነሉን ክመሓየሽ እዩ ኢለ ኣይኣምነሉን። ምናልባት ንእሽተይ ለውጢ ክህሉ ይኸውን እምበር ኣነ ንባዕለይ ኣይኣምነሉን።

ምኽንያቱ ንሕደስ ኣለና፣ለውጢ ክመፅእ እዩ፣ካብ ዝበሃል ነዊሕ ገይሩ። ለውጢ ኣይመፀን እኳደኣስ እናገደደ እዩ ከይዱ" ብምባል ኣብ ሕዳሰ ህወሓት ዘለዎ ተስፋ ክሳብ ክንደየናይ ከምዝመንመነ ይዛረብ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ፖሊታካዊ ሳይንስ ኣይተ ገብረሙድህን ገብረሚካኤል ነቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ትንታነ ሂብሉ::

https://ichef.bbci.co.uk/news/660/cpsprodpb/B405/production/_99958064_mediaitem99958063.jpg
ናይ ምስሊ መግለጺ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ኣይተ ገብረሙድህን ገብረሚካኤል፥ በዚ ከይዲ እቲ ዝድለ ለውጢ ክመፅእ'ዩ ዝብል እምነት የብለይን ይብል።

"እዚ መንግስቲ'ዚ ነዚ ዝመስል ህዝቢ እዚ ምሓዙ ዕድለኛ እዩ ነይሩ:: ህዝቢ ዝበሎ እናተናዓቐ ምስ ከደ ግን ህዝቢ ተስፍኡ እናፀልመተ ከይዱ" ኢሉ::

" ሰባት ስለዝተቐያየሩ ለውጢ ክመፅእ እዩ ዝብል ህንጥው ተስፋ የብለይን:: እቲ ለውጢ ኣብ ስርዓት እዩ ክኸውን ዝግበኦ:: እቶም ሰባት ኣብ ብቕዓትን ቅንዕናን ኣይፈላለዩን::

ክሳብ ቀረባ እዋን ተስፋና ኣይተፀንቀቐን ነይሩ:: ሕዚ ግና ዝግበር ዘሎ ለውጢ ዝሐሸ ተስፋ ኣይህብን" በሃሊ እዩ::

ኣይተ ገብረመድህን ብምቕፃል "ዝተወሰነ ለውጢ ኣይህሉን ማለት ኣይኮነን :: እቲ ዝሓለፈ ኣመራርሓ ሸሉሙና በሃላይ ኮይኑ ዝተጋነነ ፀብፃብ ብምቕራብ ይፍለጥ::

ወላ እቶም ሕዚ ናብ ስልጣን ዝመፅኡ ኣካላት እውን ግና ካብቲ ጌጋ ናፃ እዮም ማለት ኣይኮነን" ይብል::

"ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ዘሎ ኩነታት ይፈላለ እዩ:: ህዝቢ ትግራይ መማረፂ የብሉን:: ህወሓት ድማ ከምቲ ህዝቢ ዝደልዮ ኣይኮነትሉን::

ካልኦት ክልላት ግና ወላ ዝበለፁ ኣይኹኑ መማረፅታት ግና ኣለዎም:: ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ሕዚ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዝሐሸ መማረፂ የብሉን::

ንህዝቢ ትግራይ ዝገደደ ጥፍኣት ዝምነይሉ ሓይልታት መማረፂ ክኾንዎ ኣይኽእሉን::" ይብል ኣይተ ገብረመድህን::

መብጽዓ ሹመኛታት

እዞም ሓደሽቲ ሹመኛታት ግና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ሓላፍነትና ክንፍፅም ተዓጢቕና ኣለና እንትብሉ ተዛሪቦም።

ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ፡ "ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ሰብ ንህዝቢ ከገልግል እዩ፤ብህዝቢ ኣብ ዝተወሃቦ ስልጣን ድማ ሓበሬታ ንህዝቢ ከይበፅሕ ክኽልክል ኣይኽእልን።

ብሕገ መንግስቲ. . . ዘይተኸልከል ሓበሬታ ምኽልካል ኣግባብ ኣይኮነን" ብምባል ተመፃቢዖም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ናይ ህዝቢ መሰል ንምርግጋፅ ክሰርሕ ከምዝኾነ ብምግላፅ።

ንቢሮ ፍትሒ ብላዕለዋይነት ክመርሑ ተሸይሞም ዘለዉ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ብግዲኦም "ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ዝፍለጥ ንፍትሒ ክብል ብዙሕ መስዋእትነት ዝኸፈለ ህዝቢ እዩ፤

ኣብዚ ቦታ እዚ ክንመፅእ እንተለና ህዝቢ ብዙሕ እዩ ዝፅበይ። ስለዚ ምስቲ ኣብኡ ዝፀነሐ ሰራሕተኛን ኣመራርሓን ዓቕሚ ዝፈቐዶ ንምስራሕ ዓብዪ ፃዕሪ ክንገብር ኢና" ኢሎም።

https://ichef-1.bbci.co.uk/news/660/cpsprodpb/65E5/production/_99958062_tigreg.jpg

ናይ ምስሊ መግለጺ ባይቶ ህዝቢ ክልል ትግራይ ንሓደሽቲ ሹመት ሂቡ።

ንቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ክመርሑ ተባሂሎም ስልጣን ዝተወሃቡ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ድማ ከምዚ እንትብሉ ፀወዩ።

"ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ዝተቓለሶ ተረቢሑ እዩ ኢለ ኣይኣምንን፤ እቲ ውድብ እውን ኣይኣምንን፤ ሕዚ ግና ብፍላይ ፀገም መናእሰይ ይፍለጥ እዩ፤ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ክንቃለስ ኢና" ይብሉ ኣለዉ።

ተንታኒ ፖሊቲካ ኣይተ ገ/መድህን ግና፥ እቶም ሕዚ ናብ ስልጣን ዝመፅኡ ዝሐሸ ዴሞክራስያዊ መድረኽ ክፈጥሩ እዮም ኢሉ ኣይፅበን፥ እኳደኣስ ዝገደዱ ከይኾኑ ይሰግእ::

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀላኢ ንዘይምብዛሕ ለውጢ ዘምፅኡ ዘለዉ ክመስሉ ክፅዕሩ እዮም: ደሓር ተደላዲሎም ምስተረጋግዑ ግና ባዕልኹም ትፈልጡ ናብ ምባል ክምለሱ እዮም" ይብል።

" እቲ ሕዚ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ህዝቢ ኣብ ምግልጋል ዝሐሸ ኮይኑ ክቐርብ እዩ:: ኣብቶም ቀንዲ መትከላት መሰል ግና ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን::" ዝብል ኣይተ ገ/መድህን፥

ልዕልና ሕጊ ኣብ ምርግጋፅ: ካልእ ሰብ እውን ከምኡ ከማና ማዕረ ናይ ምውድዳር መሰል ኣለዎ ኢልካ ዘይምእማን ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ለውጢ ንክመፅእ ይምሕፀን።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events